Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ዘፍጥረት 18

18
ኣብርሃምን ሰለስተ ኣጋይሽን
1ኣብርሃም፥ ብቐትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ኣብ ኣእዋም መምሬ፥ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ። 2#ዕብ. 13፡2። ኣዒንቱ ቘላሕ እንተበለ፥ እንሆ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረአዮም ድማ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ብድድ ኢሉ ኽቕበሎም ጐየየ፤ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉውን ሰገደ። 3ንሱ ድማ፦ “ኦ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንባርያኻ ኸይትሓልፈኒ እልምን ኣለኹ። 4ቁሩብ ማይ ከምፅአልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፂብኩም፥ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ኣዕርፉ። 5ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ሓለፍኩም ድማ፥ ቍራስ እንጀራ ኸምፅአልኩም፤ ልብኹም ደግፉሞ ብድሕሪኡ ትሓልፉ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ።
6ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብቲ ሳራ ዘላቶ ድንኳን ኣትዩ፥ “ቐልጢፍኪ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ኣቘምጢዕኺ ቕጫታት ሰንክቲ” በላ። 7ሽዑ ኣብርሃም ናብቲ መጓሰ ኸፍቲ ዘለዋኦ ብጕያ ኸይዱ፥ ስቡሕ ጣዕዋ ወሲዱ፥ ነቲ ኣገልጋሊኡ ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኸሰናድዎ ተቐላጠፈ። 8ርግኦን ፃልጣ ፀባን፥ እቲ ዘዳለዎ ስጋ ጣዕዋን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሉ ነበረ።
9ንሳቶም ድማ፥ “ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኣብርሃም ከዓ “ኣብ ውሽጢ ድንኳን እኒሃ” በሎም።
10 # ሮሜ 9፡9። ሽዑ፥ እግዚኣብሄር “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ፥ ብርግፅ ክምለሰካ እየ፤ ሰበይትኻ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ። ሳራ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ድንኳን ስለ ዝነበረት እዙይ ሰምዐት። 11ሽዑ ኣብርሃምን ሳራን ዕድመኣቶም ዝደፍኡ ኣረጋውያን ነበሩ። ንሳራ ድማ እቲ ልማድ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። 12#1 ጴጥ. 3፡6። ሳራ ድማ ብልባ “ድሕሪ እርጋነይዶ ፍትወት ክኾነለይ ይኽእል? ጐይታይውን ፈፂሙ ኣሪጉ እዩ” ኢላ ሰሓቐት።
13እግዚኣብሄር ከዓ ንኣብርሃም “ስለ ምንታይ ሳራ፥ ‘ኣሪገ እንተለኹዶ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ’ ኢላ ዝሰሓቐት? 14#ሉቃ. 1፡37። ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ።
15ሽዑ ሳራ ደንገፀት፤ ስለ ዝፈርሐትውን “ኣይሰሓቕኩን” በለት። ንሱ ግና “ኣይፋልክን፥ ስሒቕኪ እባ” በላ።
ኣብርሃም ምእንቲ ሰዶም ከም ዝለመነ
16እቶም ሰባት ድማ ኻብኡ ምስ ተስኡ፥ ገፆም ንሰዶም ኣቢሎም ኣምርሑ። ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምስኣቶም ከደ። 17እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ነቲ ኣነ ኽገብሮ ዘለኒ፥ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ? 18ኣብርሃም ብሓቂ ዓቢይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩሞ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮምሞ። 19ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።”
20እግዚኣብሄርውን በለ፦ ኣውያት ሰዶምን ገሞራን የመና በዚሑ እዩሞ፥ ሓጢኣቶም ከዓ እምብዛ ኸቢዱ እዩሞ፥ 21እምበኣር ከምቲ ናባይ ዝበፅሐ ኣውያት ገይሮም እንተ ኾይኖም ወሪደ ኽርኢ እየ፤ እንተ ዘይኮነውን ክፈልጥ እየ።
22እቶም ሰባት ድማ ገፆም መሊሶም ናብ ሰዶም ኣምርሑ። ኣብርሃም ከዓ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ። 23ኣብርሃምውን ቅርብ ኢሉ፦ “ብሓቂ ነቲ ፃድቕስ ምስ ሓጥእዶ ኽተጥፍኦ ኢኻ? 24ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ፃድቃን እንተ ተረኽቡ፥ ብርግፅዶ ኽተጥፍኦም ኢኻ? ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ፃድቃን ኢልካ እኳዶ ነታ ቦታ ኣይትምሕራን? 25ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
26እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ከተማ ሰዶም ሓምሳ ፃድቃን እንተ ረኺበስ፥ ንዅላ እታ ኸተማ ምእንታኣቶም ኢለ ኽምሕራ እየ” በለ።
27ኣብርሃም ድማ መሊሱ “እንሆ፥ ኣነ ሓመድን ሓመዅሽትን እንትኸውን ምስ ጐይታይ ብምዝራበይ ደኣ ደፊረ እምበር፥ 28ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ፃድቃን ሓሙሽተ እንተ ጐደሉኸ፥ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ኽተጥፍኣ ኢኻ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኺበስ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።
29መሊሱ ድማ “ምናልባሽ ኣብኣ ኣርብዓ እንተ ተረኽቡኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ” በሎ።
30ኣብርሃም ድማ “ክዛረብ እየ እሞ፥ ጐይታ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ሰላሳ እንተ ተረኽብዋኸ?” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ሰላሳ እንተ ተረኽቡውን ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።
31ኣብርሃም ድማ “እንሆ፥ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደኣ ደፊረ እምበር፥ ምናልባሽ ዕስራ እንተ ተረኽብዋኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።
32ኣብርሃም ድማ “ኦ ጐይታ! ሓንሳእ ጥራሕ ኽዛረብ እየ እሞ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ዓሰርተ እንተ ተረኽብዋኸ?” ኢሉ ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኣየጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰሉ። 33እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።

Atualmente Selecionado:

ዘፍጥረት 18: ትመ15

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login

Vídeo para ዘፍጥረት 18