Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ዘፍጥረት 17

17
ግርዘት ምልክት ኪዳን
1ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ #17፡1 ኤልሻዳይ፦ “ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ” ማለት እዩ። እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን። 2ቃል ኪዳነይውን ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ከቕውም እየ፤ የመናውን ከብዝሐካ እየ” ድማ በሎ። 3ኣብራም ከዓ ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እግዚኣብሄር ድማ፦ 4“እንሆ፥ ኣነ ቓል ኪዳነይ ምሳኻ ኣቕውም ኣለኹ፤ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ። 5#ሮሜ 4፡17። ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ እሞ፥ ደጊም ስምካ ‘ኣብርሃም’ #17፡5 ኣብርሃም፦ “ኣቦ ብዙሓት” ማለት እዩ። ደኣ እምበር፥ ኣብራም #17፡5 ኣብራም፦ “ክቡር ኣቦ” ማለት እዩ። ተብሂሉ ኣይፀዋዕ። 6የመና ኸብዝሐካ እየ፤ ብዙሕ ህዝቢ ኸም እትኸውን ድማ ኽገብር እየ፤ ነገስታትውን ካባኻ ኽወፁ እዮም።
7 # ሉቃ. 1፡55። “ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ትውልዶም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ እዙይ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። 8#ግ.ሓ. 7፡5። ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
9እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ተዛረቦ “ንስኻ ኺዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፤ ንስኻን፥ ብድሕሬኻ ኸዓ ዘርእኻን ንውሉድ ወለዶ ኺዳነይ ክትሕልዉ ኢኹም። 10#ግ.ሓ. 7፡8፥ ሮሜ 4፡11። እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ዘሎ፥ እትሕልውዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይገረዝ። 11ስጋ ቝልፈትኩም ግረዙ። እዙይ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ። 12ኣባኻትኩም ሸሞንተ መዓልቲ ዝገበረ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ፥ ኣብ ቤት ዝተወልደን፥ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደገን፥ ንውሉድ ወለዶ ይገረዝ። 13ኣብ ገዛኻ ዝተወልደን ብገንዘብካ ዝተዓደገን ግድን ይገረዝ። እዙይ ኣብ ስጋኹም ዝፍፀም ኪዳን ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክኸውን እዩ። 14ዘይተገረዘ ዅሉ ተባዕታይ፥ ስጋ ቝልፈቱ ዘይተገረዘ፥ እታ ነፍሲ እቲኣ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ትጥፋእ” በሎ።
15እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ንሰበይትኻ፥ ድሕሪ ደጊም ‘ሳራ’ እምበር ‘ሶራ’ ኢልካ ኣይትፀውዓያ። 16ክባርኻ እየ፤ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ። እኖ ኣህዛብ ክትከውን ክባርኻ እየ፤ ካብኣ ኸዓ ነገስታት ኣህዛብ ክወፁ እዮም” በሎ።
17ሽዑ ኣብርሃም ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደ። “ወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይወልድ እዩ? ሳራኸ ጓል ተስዓ ዓመት ኮይናዶ ኽትወልድ ትኽእል እያ?” እናበለ ብልቡ ሰሓቐ። 18ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር “እስማኤል ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዝነብር ምፈተኹ ነይረ” በሎ።
19እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ሰበይትኻ ሳራ ወዲ ኽትወልደልካ እያ። ስሙ ድማ ‘ይስሓቅ’ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። ኪዳነይ ከዓ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ። 20ብዛዕባ እስማኤል ድማ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ። እንሆ ባሪኸዮ ኣለኹ፤ ከፍርዮን፥ የመናውን ከብዝሖን እየ። ዓሰርተ ኽልተ ኣሕሉቕ ክወልድ እዩ። ዓብዪ ህዝቢ ድማ ኽገብሮ እየ። 21ግና ምስቲ ሳራ ንዓመታ፥ ከምዛ ጊዜ እዚኣ እትወልደልካ ይስሓቅ፥ ኪዳነይ ከቕውም እየ” በሎ። 22ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድአ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኣብርሃም ተፈልዩ ደየበ።
23ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ነቶም ኣብ ቤቱ ዝተወለዱን፥ ኵሎም ብገንዘቡ ዝተዓደጉን፥ ካብ ቤተሰቡ ዅሉ ተባዕታይ ዝኾነ ወሲዱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ገረዞም። 24ኣብርሃም ክግረዝ እንተሎ ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ነበረ። 25ወዱ እስማኤል ድማ ኽግረዝ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ነበረ። 26በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብርሃምን እስማኤል ወዱን ተገረዙ። 27ኵሎም ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝተወለዱ ቤተሰቡን፥ ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደጉን ምስኡ ተገረዙ።

Atualmente Selecionado:

ዘፍጥረት 17: ትመ15

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login

Vídeo para ዘፍጥረት 17