ዘፍጥረት 16
16
ኣጋርን እስማኤልን
1ሰበይቲ ኣብራም ሶራ ግና፥ ንኣብራም ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትበሃል ግብፃዊት ኣገልጋሊት ድማ ነበረታ። 2ሶራ ኸዓ ንኣብራም “እንሆ፥ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ከሊኡኒ እዩ፤ ምናልባሽ ብኣኣ ውሉድ እንተ ረኸብኩ፥ በይዛኻ ናብታ ግዝእተይ እቶ” በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሶራ ሰምዐ። 3ስለዙይ ሶራ ሰበይቲ ኣብራም ነታ ኣጋር እትበሃል ግብፃዊት ግዝእታ ሰበይቲ ኽትኮኖ ንኣብራም ሃበቶ። እዙይ ዝኾነ ድማ ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ እዩ። 4ኣብራም ከዓ ናብ ኣጋር ኣተወ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ግና ንእምበይተኣ ብዓይና ኣቃለለታ።
5ሶራ ድማ ንኣብራም “እዝ ዝግፍዖ ዘለኹ ኣብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሃብኩኻ፤ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ግና ብዓይና ኣቃሊላትኒ፤ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ።
6ኣብራም ድማ ንሶራ፥ “እኒሃ፥ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፤ ከም ዝደለኺ ግበርያ” በላ። ሽዑ ሶራ ንኣጋር ኣሳቐየታ፤ ንሳ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣ ሃደመት።
7መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ በረኻ ኣብ ጥቓ መንገዲ ሱር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ረኸባ። 8ንሱ ድማ “ኣቲ ኣጋር፥ ኣገልጋሊት ሶራ፥ ካበይ መፂእኺ? ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ኻብ ቅድሚ እምበይተይ ሶራ እሃድም ኣለኹ” በለት።
9እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ እምበይተኺ ተመለሲ፤ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ተገዝእያ” በላ። 10እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ “ንዘርእኺ ኻብ ምብዛሑ ዝተልዓለ ኽቝፀር ክሳዕ ዘይከኣል፥ ከብዝሖ እዩ” #16፡10 ከብዝሖ እዩ፦ ብእብራይስጥ “ከብዝሖ እየ” ይብል። በላ። 11እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ “እንሆ፥ ጥንስቲ ኢኺ፤ ወዲ ኸዓ ኽትወልዲ ኢኺ፤ እግዚኣብሄር መከራኺ ሪኡ እዩ እሞ፥ ስሙ እስማኤል በሊዮ። 12ንሱ ኣድጊ በረኻ ዝመስል ሰብ ክኸውን እዩ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ፥ ኢድ ኵሉውን ኣብ ልዕሊኡ ክኸውን እዩ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኽነብር እዩ” በላ።
13ኣጋር ድማ “ነቲ ዝሪአንስ ኣብዙይዶ ሪአዮ?” እንትትብል ነቲ ዝተዛረባ እግዚኣብሄር “ዝርኢ ኣምላኽ” #16፡13 ዝርኢ ኣምላኽ ብዕብራይስጢ “ኤልሮኢ” ይብል። ኢላ ሰመየቶ። 14ስለዙይ እቲ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን ዘሎ ዒላ “ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ ዒላ” #16፡14 ናይቲ ዝሪአኒ ህያው ኣምላኽ ዒላ፦ ብዕብራይስጢ “ብኤር ላሓይ ሮኢ” ይብል። ተብሃለ።
15 #
ገላ. 4፡22። ኣጋር ከዓ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ “እስማኤል” ኢሉ ሰመዮ። 16በቲ ኣጋር ንእስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ፥ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሽዱሽተን ዓመት ነበረ።
Atualmente Selecionado:
ዘፍጥረት 16: ትመ15
Destaque
Compartilhar
Copiar
Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login