Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ዘፍጥረት 19

19
ሓጢኣት ሰዶምን ገሞራን
1እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምስ መሰየ ናብ ሰዶም መፁ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ምስ ረኣዮም ድማ ኽቕበሎም ተስአ፤ ብገፁ ፍግም ኢሉውን ናብ ምድሪ ሰገደ። 2ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ።
3ንሱ ኸዓ ግዲ በሎም እሞ፥ ናብኡ ኣምርሑ፤ ናብ ገዛኡውን ኣተዉ። ቅጫ ሰንኪቱ ድማ ማእዲ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ።
4ገና ኸይደቀሱ እንተለዉ ድማ፥ ሰብ ከተማ ሰዶም፥ ኣጓብዝን ዓበይትን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ኵሉ ኸባቢ መፂኡ፥ ነታ ገዛ ኸበባ። 5ንሎጥ ፀዊዖም ከዓ “እዞም ብለይቲ ናብ ገዛኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ ኣለዉ? ምእንቲ ኽንራኸቦም፥ ናባና ኣውፅኣዮም” በልዎ።
6ሎጥ ድማ ናብኣቶም ናብ ኣፍ ደገ ወፀ፤ ነቲ ማዕፆ ብድሕሪኡ ዓፅዩ ድማ፥ 7“ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ። 8#መሳ. 19፡22-24። እንሆ፥ ብድንግልናአን ዘለዋ ኽልተ ኣጓላት ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ከውፅአልኩም፥ ደስ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና፥ ኣብ ፅላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፥ ኣብኣቶም ክፋእ ኣይትግበሩ” በሎም።
9ንሳቶም ግና “ክላ ዘወር በል። ስደተኛ ኾይኑ ዝመፀስ፥ ዳኛ ኾይኑ ኽፈርድ ይደሊ ኣሎ፤ ካብኣቶም ንኣኻ ኽነግድደልካ ኢና” በልዎ። ንሎጥ ብሓይሊ ጐኒፆም ድማ ማዕፆ ኽሰብሩ ቐረቡ። 10እቶም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ኣጋይሽ ግና ኣእዳዎም ዘርጊሖም፥ ንሎጥ ናብኣቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፤ ነቲ ማዕፆውን ዓፀውዎ። 11#2 ነገ. 6፡18። ሽዑ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሰባት፥ ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ኣዒንቶም ኣዕወርዎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ኣፍ ደገ ኽረኽብዎ ደኸሙ።
ሎጥ ካብ ሰዶም ከም ዝወፀ
12እቶም ክልተ ሰባት ድማ ንሎጥ “ኣብዙይ ብዘይ እዚኣቶም ካልእ ሰብዶ ኣለካ? ሰብኣይ ጓልካን ኣወዳትካን ኣጓላትካን፥ ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዝኾነ ዅሉን፥ ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውፅኣዮም። 13ብዝሒ ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝበፅሐ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ነዛ ቦታ እዚኣ ኽነጥፍኣ ልኢኹና እዩ” በልዎ።
14ሎጥ ድማ ወፂኡ ነቶም ነጓላቱ ኽምርዓዉ ዝነበሩ ሕፁያት ደቁ፥ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፥ ተስኡ፤ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውፁ” በሎም። እቶም ሕፁያት ኣጓላቱ ግና ናይ ዋዛ መሰሎም።
15ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ “እዛ ኸተማ ኽትጠፍእ እንተላ ኸይትልከምስ፥ ሰበይትኻን እዘን ኣብዙይ ዘለዋ ኽልተ ኣጓላትካን ሒዝካ ቐልጢፍካ ውፃእ” እናበሉ ኣዳፍእዎ። 16#2 ጴጥ. 2፡7። ሎጥ ድማ ተደናጐየ፤ እግዚኣብሄር ክምሕሮ ስለ ዝደለየ ግና፥ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣጓላቱን ሒዞም ኣውፅእዎ፤ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ። 17ናብ ወፃኢ ምስ ኣውፅእዎም፥ እቲ ሓደ “ነፍስኻ ኣድሕን፤ ንድሕሪት ገፅካ ግልፅ ኣይትበል፤ ኣብዝ ጐልጐል እዙይ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ ናብቲ እምባ ኣቢልካ ህደም” በሎ።
18ሎጥ ግና “ኣይፋልካን ጐይታይ! 19እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺበ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ድማ ዓብዪ ምሕረት ገበርካለይ። ሕዚ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽሃድም ኣይክእልን እየ፤ ጥፍኣት ከርክበኒ እዩ እሞ፥ ክመውት እየ። 20በይዛኻ እኒሃ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ሃዲምካ ንምምላጥ ቀረባ እያ፤ ንእሽተይ ከዓ እያ፤ እምበኣር ነፍሰይ ንምድሓን ናብኣ ኽሃድም” በሎ።
21ንሱ ኸዓ “ነዝ ልመናኻ ተቐቢለዮ ኣለኹ፤ ነዛ እትዛረበላ ዘለኻ ኸተማውን ኣየጥፍኣን እየ። 22ኣብኣ እንተይበፃሕኻ ዝኾነ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፥ ቀልጢፍካ ናብኣ ህደም” በሎ። በዙይ ከዓ እታ ኸተማ ዞዓር #19፡22 ዞዓር፦ “ንእሽተይ” ማለት እዩ። ተብሃለት።
ሰዶምን ገሞራን
23ሎጥ ናብ ዞዓር ምስ ኣተወ፥ ኣብታ ምድሪ ፀሓይ በረቐት። 24ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ። 25#ማቴ. 10፡15፥ 11፡23-24፥ ሉቃ. 10፡12፥ 2 ጴጥ. 2፡6፥ ይሁዳ 7። ነዘን ከተማታት እዚኣተንን፥ ንዅሉ ጐላጕልን፥ ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብን፥ ኣብኡ ንዝነበረ በቝሊ ምድርን ገለባበጠ። 26#ሉቃ. 17፡32። ሰበይቲ ሎጥ ግና ኽትርኢ ንድሕሪት ግልፅ በለት፤ ሓወልቲ ጨው ከዓ ኾነት።
27ንፅባሒቱ ድማ፥ ኣብርሃም ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንጊሁ ኸደ። 28ናብ ሰዶምን ገሞራን ናብ ኵሉ እቲ ጐላጕል ምድርን ኣማዕደወ፤ እንሆ ኻብታ ሃገር ትኪ እቶን ዝመስል ትኪ እንትለዓል ረአየ። 29እግዚኣብሄር ከዓ ነተን ኣብ ጐላጕል ዝነበራ ኸተማታት ክግልብጠን እንተሎ፥ ንኣብርሃም ዘከሮ። ንሎጥ ድማ ኻብቲ ነተን ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ዝገልበጠን ጥፍኣት ኣድሓኖ።
ዓሌት ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን
30ሎጥ ከዓ ኣብ ዞዓር ምቕማጥ ስለ ዝፈርሐ፥ ካብ ዞዓር ወፂኡ፥ ንኽልቲአን ኣዋልዱ ሒዙ ኣብቲ ጎቦታት ተቐመጠ። ንሱን ክልቲአን ኣዋልዱን ድማ ኣብ በዓቲ ተቐመጡ። 31እታ በዅሪ ኸዓ ነታ ንእሽተይ፥ “ኣቦና ኣሪጉ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ኸም ልማድ ኵሉ ምድሪ፥ ዝምርዐወና ሰብኣይ የለን። 32ንዒ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፤ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ምስኡ ንደቅስ” በለታ። 33በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፥ እታ በዅሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትስኣን ኣይፈለጠን።
34ንፅባሒቱ ድማ እታ በዅሪ ነታ ንእሽተይ “እንሆ፥ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ። በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፥ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ድማ፥ ንስኺ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ” በለታ። 35በታ ለይቲ እቲኣውን ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፤ እታ ንእሽተይ ከዓ ኸይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትስኣን ኣይፈለጠን። 36ክልቲአን ደቂ ሎጥ ከዓ ኻብ ኣቦአን ጠነሳ። 37እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፤ ሞኣብ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ንሱ ናይ እዞም ሞኣባውያን ኣቦ እዩ። 38እታ ንእሽተይውን ወዲ ወለደት፤ ወዲ ወገነይ እንትትብል፥ ኣሞን ኢላ ሰመየቶ። ንሱ ክሳዕ ሎሚ ናይዞም ኣሞናውያን ዝበሃሉ ኣቦ እዩ።

Atualmente Selecionado:

ዘፍጥረት 19: ትመ15

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login

Vídeo para ዘፍጥረት 19