YouVersion लोगो
खोज आइकन

ሉቃስ 11

11
ኢየሱስ ፀሎት ከም ዝመሃረ
(ማቴ. 6፡9-157፡7-11)
1ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽፅሊ ፀኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ኦ ጐይታ! ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀሎት ዝመሃሮም፥ ፀሎት መሃረና” በሎ። 2ንሱ ኸዓ በሎም፦ “ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦
‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥
ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤
ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
3ናይ ዕለት ምግብና በብዕለቱ ሃበና።
4 # ማር. 11፡25፥ ዮሓ. 17፡15። ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥
ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥
ናብ ፈተና ኣይተእትወና።’ ”
5-6ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ካባኻትኩም ሓደ ዓርኪ ዘለዎ እሞ፥ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ‘ዓርከይ፥ ፈታዊየይ ገይሹ መፂኡንስ፥ ዘቕርበሉ ስኢነ እሞ፥ በይዛኻ ሰለስተ እንጀራ ኣለቅሐኒ’ እንተ በሎ፥ 7እቲ ዓርኩ ኸዓ ኻብ ውሽጢ መሊሱ ‘ኣይተሸግረኒ፤ ሕዚ ማዕፆ ተሸጕሩ እዩ፤ ደቀይውን ምሳይ ኣብ ዓራት ደቂሶም ኣለዉ፤ ተሲአ ኽህበካ ኣይክእልን’ ዘይብሎ መን እዩ? 8#ሉቃ. 18፡5። ይኹን እምበር፥ ዓርኩ ስለ ዝኾነ፥ ተሲኡ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይደለየ፥ ምእንቲ ኸየትክሮ ኢሉ፥ ተሲኡ ዝደለዮ ኸም ዝህቦ እብለኩም ኣለኹ። 9ኣነውን ‘ለምኑ፥ ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆውን ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣለኹ። 10#ማር. 11፡24። ኵሉ ዝለመነ፥ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ይኽፈተሉ እዩ እሞ። 11#ማቴ. 7፡7። ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፥ ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ፥ እምኒ ዝህቦ? ወይ ዓሳ እንተ ለመኖ፥ ክንዲ ዓሳ ተመን ዝህቦ? 12ወይ እንቍላሊሕ እንተ ለመኖ፥ ዕንቅርቢት #11፡12 ዕንቅርቢት፦ ግእዝ “ዕንጉለ” ይብል። ዝህቦ? 13እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”
ንኢየሱስ ብኤል ዜቡል ከም ዝበልዎ
(ማቴ. 12፡22-30ማር. 3፡20-27)
14 # ማር. 7፡37። ኢየሱስ ንበሃም ጋኔን የውፅእ ነበረ፤ እቲ ጋኔን ምስ ወፀ፥ እቲ በሃም ዝነበረ ሰብ ተዛረበ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ተገረሙ። 15ካብኣቶም ድማ “ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል፥ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውፅኦም ዘሎ” በሉ። #11፡15 ኣብ ግእዝ “ንሱ ኸዓ ‘ሰይጣን ከመይ ኢሉ ንሰይጣን ከውፅኦ ይኽእል’ በሎም” ዝብል ይርከብ። 16#ማር. 8፡11። ካልኦት ድማ ኽፍትንዎ፥ ካብኡ ኻብ ሰማይ ምልክት ይደልዩ ነበሩ። 17ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳታ ዝተፈላለየት መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ ዝተፈላለየት ቤትውን ትወድቕ። 18ንኣይ ‘ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል እዩ ዘውፅኦም ዘሎ’ እትብሉንስ፥ መንግስቲ ሰይጣን ንስንሳታ እንተ ተፈላለየት ደኣ፥ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም? 19#ሉቃ. 9፡49። ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ኾይነ ደኣ፥ ደቅኹም ብመን የውፅእዎም ኣለዉ? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድትኹም ክኾኑ እዮም። 20#ሉቃ. 10፡9። ኣነ ንኣጋንንቲ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም ካብ ኮንኩ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም መፂኣ እያ። 21እቲ ሓያል ሰብ፥ ኣፅዋሩ ዓጢቑ ቤቱ እንተ ሓለወ፥ ኵሉ ጥሪቱ ብሰላም ይነብር። 22ካብኡ ዝሕይል መፂኡ እንተ ሰዓሮ ግና፥ ነቲ ዝእመኖ ዝነበረ ኣፅዋሩ ይምንዝዖ፤ ነቲ ዝማረኾውን የማቕል። 23እቲ ምሳይ ዘይኮነ፥ ንሱ መፃርርተይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይብትን።
ምምላስ ርኹስ መንፈስ
(ማቴ. 12፡43-45)
24“ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ፥ ማይ ናብ ዘይብሉ ኣፃምእ ቦታ ይኸይድ እሞ፥ እንተ ዘይረኸበ፥ ‘ናብታ ዝወፃእኹላ ገዛይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል። 25ምስ መፀ ድማ፥ ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይፀንሖ። 26#ማቴ. 12፡43-45። ብድሕሪዙይ ንሱ ይኸይድ፤ ካብኡ ዝገደዱ ኻልኦት ሸውዓተ መናፍስቲ እውን፥ ምስኡ ይማላእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቱይ፥ ካብ ቀዳማዩ ዳሕረዋዩ ዝገደደ ይኸውን።” #ሉቃ. 8፡2።
27 # ሉቃ. 1፡42። ኢየሱስ እዙይ እናተዛረበ እንተሎ፥ ካብቶም ህዝቢ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ድምፃ ዓው ኣቢላ፥ “ዝፆረትካ ማህፀንን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብፁኣት እየን” በለቶ። 28#ሉቃ. 8፡21፥ ያቆ. 1፡22። ንሱ ግና፥ “ብፁኣንስ፥ እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም” በላ።
ብዛዕባ ምልክት ዮናስ
(ማቴ. 12፡38-42ማር. 8፡12)
29 # ሉቃ. 11፡16፥ 1 ቆሮ. 1፡22። ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም እንተለዉ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እዝ ትውልዲ እዙይ፥ ክፉእ ትውልዲ እዩ፤ ምልክትውን ይደሊ ኣሎ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ድማ፥ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ። 30#ዮናስ 2፡1። ከምቲ ዮናስ፥ ንሰብ ነነዌ ምልክት ዝኾኖም፥ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ፥ ነዝ ትውልዲ እዙይ፥ ምልክት ክኾኖ እዩ። 31#1 ነገ. 10፡1-10። ንግስተ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ምስ ሰባት እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኣ፥ ክትኵንኖም እያ፤ እንሆ ኻብ ሰሎሞን ዝዓቢ ግና ኣብዙይ ኣሎ። 32#ዮናስ 3፡5። ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም፥ ክዅንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ።
ናይ ሰብነት መብራህቲ
(ማቴ. 5፡156፡22-23)
33 # ሉቃ. 8፡16። “ንመብራህቲ ኣብሪሁ፥ እቶም ዝኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ እምበር፥ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር፥ ዘንብሮ ሓደኳ የለን። 34ናይ ሰብነትካ መብራህቲ፥ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ኾይና፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን፤ ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ኾይና ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን። 35እምበኣርከስ፥ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ። 36ኵሉ ሰብነትካ ፈፂሙ ፀልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ኾነ፥ ከምቲ መብራህቲ ብምድማቑ ዘብርሀልካ፥ ኵሉ ሰብነትካ ድማ ብሩህ ክኸውን እዩ።”
ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ከም ዝተወቐሱ
(ማቴ. 23፡1-36ማር. 12፡38-40ሉቃ. 20፡45-47)
37 # ሉቃ. 7፡36። ኢየሱስ እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኽመስሕ ፀውዖ፤ ኣትዩ ኸዓ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። 38#ማር. 7፡3። እቲ ፈሪሳዊ፥ ኢየሱስ ቅድሚ ምሳሕ፥ ኢዱ ኸም ዘይተሓፀበ ምስ ረአየ ተገረመ። 39#ሉቃ. 16፡15። ጐይታ ግና ኸምዙይ በሎ፥ “እንሆ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፥ ንዋንጫን ፃሕልን ላዕሊ ላዕሉ ተፅርዩ፤ ውሽጥኹም #11፡39 ውሽጥኹም፦ ግእዝ “ውሽጡ” ይብል። ግና፥ ከትርን ክፍኣትን ዝመልአ እዩ። 40ኣቱም ግብዛት፥ እቲ ላዕሊ ላዕሉ ዝፈጠረ፥ ነቲ ውሽጡስ ኣይፈጠረንዶ? 41#ኢሳ. 58፡7፥10። ግና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምፅዋት ሃቡ፤ ድሕሪዙይ ኵሉ ነገር ፅሩይ ክኾነልኩም እዩ።
42 # 1 ሳሙ. 15፡22፥ ሉቃ. 18፡12፥ ዮሓ. 5፡42። “ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውፅኡ፥ ፍትሕን ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ግና፥ ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነቱይ እንተይሓደግኩምስ፥ ነዙይውን ክትገብሩ እዩ ዝግብአኩም ነይሩ። 43#ማር. 12፡39፥ ሉቃ. 14፡7-10። ኣቱም ፈሪሳውያን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #11፡43 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ዝለዓለ መቐመጢ፥ ኣብ ዕዳጋውን ኢድ ክነስኡልኩም ትደልዩ ኢኹም እሞ ወይለኹም! 44ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊፅዎ ዝሓልፍ፥ ዘይረአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!”
45ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሊቃውንቲ ሕጊ መሊሱ “መምህር፥ ከምዙይ ክትብል እንተለኻስ ንኣናውንኮ ትፀርፈና ኢኻ ዘለኻ” በሎ። 46ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፥ “ንስኻትኩም ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ እውን፥ ንሰብ ከቢድ ፆር እተሰክምዎ፥ ንባዕልኻትኩም ግና፥ ነቲ ፆር ብሓንቲ ኣፃብዕትኹም እኳ ኣይትነኽእዎን ኢኹም እሞ ወይለኹም! 47#ግ.ሓ. 7፡52። ናይቶም ኣቦታትኩም ዝቐተልዎም ነቢያት መቓብር እትሃንፁ ኢኹም እሞ ወይለኹም! 48ንሳቶም ቀተልዎም፤ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሃንፁ ኢኹም እሞ፥ ንስኻትኩም ተሓባበርትን መሰኻኽሮምን ኢኹም። 49#1 ተሰ. 2፡15። ስለዙይ ድማ ጥበብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለት፦ ‘ነቢያትን ሃዋርያትን ናብኣቶም ክልእኽ እየ፤ ካብኣቶም ከዓ ንብዙሓት ክቐትልዎምን ከሳጕጉዎምን እዮም።’ 50-51እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነቢያት፥ ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ደም ዘካርያስ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ። እወ፥ ካብዝ ትውልዲ እዙይ ክድለ እዩ እብለኩም ኣለኹ። 52ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ፥ መርሖ ፍልጠት ሒዝኩም እንተለኹም፥ ንባዕልትኹም ኣይኣተኹምን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ትኽልክሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም!”
53ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብፅኑዕ ክቃወምዎን፥ ብዛዕባ ብዙሕ ነገር ክጥይቕዎን ጀመሩ። 54#ማቴ. 22፡15፥ ሉቃ. 20፡20። ምእንቲ ክኸስዎ ድማ፥ ካብ ኣፉ ዝኾነ ዘረባ ደልዮም ይፀናፀንዎ ነበሩ።

अहिले सेलेक्ट गरिएको:

ሉቃስ 11: ትመ15

हाइलाइट

शेयर गर्नुहोस्

कपी गर्नुहोस्

None

तपाईंका हाइलाइटहरू तपाईंका सबै यन्त्रहरूमा सुरक्षित गर्न चाहनुहुन्छ? साइन अप वा साइन इन गर्नुहोस्