YouVersion लोगो
खोज आइकन

ሉቃስ 12

12
ካብ ግብዝና ፈሪሳውያን ምጥንቃቕ
(ማቴ. 10፡26-27)
1 # ማቴ. 10፡26-33፥ 16፡6። ኣእላፋት ህዝቢ፥ ንስንሳቶም ክሳዕ ዝፀቓቐጡ ናብኡ ምስ ተኣከቡ፥ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያን፥ ንሱውን ካብ ግብዝና፥ ርእስኹም ሓልዉ። 2#ሉቃ. 8፡17። ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የለን። 3ስለዙይ እቲ ዅሉ ኣብ ፀልማት ዝተዛረብኩምዎ፥ ኣብ ብርሃን ክስማዕ እዩ፤ እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ፥ ኣብ እዝኒ ብሕሹኽሹኽ ዝተዛረብኩምዎ ድማ፥ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ እዩ።
ንመን ምፍራሕ ከም ዝግባእ
(ማቴ. 10፡28-31)
4“ንኣኻትኩም ነዕርኽተይ እብለኩም ኣለኹ፤ ስጋ ንዝቐትሉ፥ ብድሕሪኡ ኻብኡ ሓሊፎም፥ ሓደ እኳ ኽገብሩ ንዘይኽእሉ ኣይትፍርሑ። 5#ዕብ. 10፡31። ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ። 6ሓሙሽተ ኣዕዋፍ፥ ብኽልተ ሳንቲምዶ ኣይኮናን ዝሽየጣ? ካብኣተን ሓንቲ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይትርሳዕን እያ። 7#ሉቃ. 12፡24፥ 21፡18። ንስኻትኩምስ፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኻትኩምውን ቍፁራት እየን። እምበኣርከስ፥ ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልፁ ኢኹም እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
ብዛዕባ ክርስቶስ ምምስካር
(ማቴ. 10፡32-3312፡3210፡19-20)
8 # 2 ጢሞ. 1፡8። “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝምስክረለይ፥ #12፡8 ንዝምስክረለይ፦ ግእዝ “ዝኣምነኒ” ይብል። ኣነውን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ክምስክረሉ እየ። 9#ሉቃ. 9፡26። እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ግና፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ክኽሕዶ እየ። 10#ማቴ. 12፡31። ኵሉ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዝኾነ ቓል ዝዛረብ #12፡10 ግእዝ “ቃል ፀርፊ ዝተናገረ” ይብል። ክሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀርፍ ግና፥ ኣይሕደገሉን #12፡10 ኣብ ግእዝ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኾነ ኣብታ እትመፅእ” ዝብል ይርከብ። እዩ። 11#ማቴ. 10፡19፥ ሉቃ. 21፡14-15። ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን #12፡11 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ገዛእትን ሰብ ስልጣንን እንተ ወሰዱኹም፥ ከመይ ወይ እንታይ ከም እትምልሱ ወይ እንታይ ከም እትናገሩ ኣይትጨነቑ።
12“በታ ሰዓት እቲኣ፥ እንታይ ከም ትምልሱን፥ እንታይ ከም ትናገሩን፥ መንፈስ ቅዱስ ክገልፀልኩም እዩ እሞ።”
ኣዝመራኡ ዝፀበቐሉ ሃብታም
13ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ “መምህር፥ ንሓወይ ርስቲ ኽመቕለኒ ተዛረበለይ” በሎ። 14ኢየሱስ ከዓ “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸመኒ?” በሎ። 15#ማቴ. 4፡4፥ 1 ጢሞ. 6፡7-11። ኣስዒቡውን “ህይወት ሰብ፥ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ” በሎም። 16ከምዙይ ኢሉውን ምስላ መሰለሎም፦ “ገራሁኡ ብዙሕ ዝፈረየሉ፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፤ 17‘እኽለይ ዝእክበሉ ማዕኸን የብለይን፤ እንታይ ደኣ ኽገብር?’ ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። 18ከምዙይ ድማ በለ፦ ‘እቲ ናይ ቅድም፥ ማዕኸነይ ኣፍሪሰ፥ ኣግፊሐ ኽሰርሖ እየ፤ ኣብኡ ድማ ዅሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብ እየ። 19#መዝ. 62፡10፥ ያቆ. 4፡13-14። ንነፍሰይ ከዓ፦ ኦ ነፍሰይ! ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል፥ ብዙሕ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ክብላ እየ’ በለ። 20#ኢዮብ 27፡8፥ መዝ. 39፡6፥ 52፡5-7። እግዚኣብሄር ግና፥ ‘ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ። 21#ሉቃ. 12፡33-34፥ 1 ጢሞ. 6፡17። እቲ ንባዕሉ ሃብቲ ዝእክብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና ሃብታም ዘይኮነ፥ ከምኡ እዩ።”
ሰማያዊ ኣቦ ንፍጡራቱ ኸም ዝሓልየሎም
(ማቴ. 6፡19-2125-34)
22-23ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ ምግቢ፥ ህይወት ትዓቢ፤ ካብ ክዳንውን፥ ሰብነት እዩ ዝዓቢ፤ ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ፥ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። 24#ሉቃ. 12፡7። እስኪ ናብ ኳዃት ተመልከቱ፤ እግዚኣብሄር ይቕልቦም እምበር ኣይዘርኡ፤ ኣይዓፅዱ፤ ማዕኸን ወይ ቆፎ የብሎምን፤ ካብ ኣዕዋፍስ ንስኻትኩምዶ ግዳ፥ እምብዛ ኣይትበልፁን! 25ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ቁመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ? 26እዝ ቀሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉ ደኣ፥ ንምንታይ ብኻልእ ነገር እትጭነቑ? 27ዕምበባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይፅዕሩ ኣይፈትሉ፤ ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኣይተኸደነን። 28እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ ፅባሕ ግና፥ ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይኸድነኩም? 29ንስኻትኩም ከዓ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይከ ኽንሰቲ ኢና?’ ኢልኩም ኣይትሸበሩን ኣይትጨነቑን። 30ነዝ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና፥ እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ። 31#ዮሓ. 6፡27፥ ሮሜ 8፡32። ንስኻትኩምስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ።
32 # ማቴ. 25፡34፥ ሉቃ. 22፡29፥ ዳን. 7፡27። “ኣቱም ንኡስ መጓሰ፥ ኣቦኻትኩም መንግስቲ ኽህበኩም ፈትዩ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ። 33#ሉቃ. 18፡22። ጥሪትኩም ሼጥኩም ምፅዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየባላሽዎ፥ ዘይበሊ ሙዳይን፥ ዘይጐድል ሃብትን፥ ኣብ ሰማይ ኣዋህልሉ። 34ሃብትኻትኩም ኣብ ዘለዎ፥ ልብኹም ኣብኡ ኣሎሞ።
ነቒሕኹም ተፀበዩ
35 # ማቴ. 24፡42-44፥ 25፡4፥ 1 ጴጥ. 1፡13። “ሕቘኻትኩም ዕጡቕ፥ መብራህትኻትኩም ብሩህ ይኹን። 36#ማር. 13፡35። ንስኻትኩምውን፥ ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝፅበይዎ እሞ፥ መፂኡ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ። 37#ዮሓ. 13፡3-5፥ ራእይ 16፡15። እቶም ጐይታኦም ክምለስ እንተሎ፥ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ ማእዲ ኸም ዘቐምጦም፥ ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 38ኣብ ካልአይቲ ወይ ኣብ ሳልሰይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ፥ መፂኡ ነቒሖም ዝረኽቦም መገልገልቲ ብፁኣን እዮም። 39ግና እዙይ ፍለጡ፤ በዓል ቤት፥ ነታ ሰራቒ ዝመፀላ ጊዜ እንተ ዝፈልጣስ፥ ምነቕሐ፤ ገዛኡ ኽኰዓት እንተሎውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። 40#ማቴ. 25፡13፥ ሉቃ. 21፡36። ንስኻትኩምውን፥ ወዲ ሰብ፥ ብዘይሓሰብኩምዎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ተዳሊኹም ንበሩ።”
እሙንን ዘይእሙንን ኣገልጋሊ
(ማቴ. 24፡45-51)
41 # ማር. 13፡37። ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ! እዝ ምስላ እዙይስ፥ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘለኻ ወይ ከዓ ንዅሉ ኢኻ?” በሎ። 42#ግ.ሓ. 20፡28፥ 1 ጴጥ. 4፡10። ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ? 43#ሉቃ. 19፡17። እቲ ጐይታኡ ኽምለስ እንተሎ፥ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁእ እዩ። 44ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጥሪቱ ኸም ዝሸሞ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 45#ሉቃ. 21፡34። እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ‘ምምፃእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ፥ ክበልዕ፥ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና፥ 46#ራእይ 21፡8። ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ እቱይ፥ ንሱ ብዘይተፀበያ መዓልትን ብዘይፈለጣ ሰዓትን፥ መፂኡ ኽቐፅዖ፥ #12፡46 ኽቐፅዖ፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ክቘርፆ” ይብሉ። ዕድሉ ኸዓ ምስቶም ዘይኣምኑ ኽገብሮ እዩ። 47#ዮሓ. 15፡22፥ ያቆ. 4፡17፥ 2 ጴጥ. 2፡21። እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፥ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ኣገልጋሊ፥ ብዙሕ መቕፃዕቲ ኽቕፃዕ እዩ። 48እቲ እንተይፈለጠ ንመቕፃዕቲ ዘብፅሕ ግብሪ ዝገበረ ግና፥ መቕፃዕቱ ኽቐለሉ እዩ፤ ብዙሕ ንዝሃብዎ፥ ካብኡ ብዙሕ ይደልዩ፤ ብዙሕ ሓደራ ንዝሃብዎ ድማ፥ ካብኡ ኣብዚሖም ይፅበዩ። #12፡48 ኣብ ግእዝ “ውሑድ ንዝሃብዎ ድማ ውሑድ ይቕበልዎ” ዝብል ይርከብ።
ምፍልላይ እምበር ሰላም ኣየምፃእኹን ከም ዝበለ
(ማቴ. 10፡34-36)
49“ሓዊ ኸምፅእ እየ ናብ ምድሪ ዝመፃእኹ፤ ሕዝኸ ዝነደደ ኻብ ኮነ፥ እንታይ እደሊ? 50#ማር. 10፡38፥ ዮሓ. 12፡27። ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ክሳዕ እትፍፀም ድማ ኸመይ ዘይጭነቕ? 51ናብ ምድሪ ሰላም ከምፅእ ዝመፃእኹዶ ይመስለኩም? እብለኩም ኣለኹ ኣይፋሉን፤ ምፍልላይ ደኣ እምበር። 52ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ሃለዉ፥ ሰለስተ ኣብ ልዕሊ ኽልተ፥ ክልተ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም። 53#ሉቃ. 21፡16። ኣቦ ኣብ ልዕሊ ወዱ፥ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ኣቦኡ፥ እኖ ኣብ ልዕሊ ጓላ፥ ጓልውን ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ ሓማት ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ወዳ፥ ሰበይቲ ወዲውን ኣብ ልዕሊ ሓማታ፥ ተልዒሎም ክፈላለዩ እዮም።”
54 # ማቴ. 16፡2-3፥ 5፡25-26፥ ሉቃ. 21፡30። ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፦ “ደመና ብወገን ምዕራብ፥ ድብንብን እንትብል ምስ ረአኹም፥ ሽዑ ዝናም ክዘንም እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን። 55ንፋስ ደቡብ ክነፍስ ምስ ረአኹምውን፥ ሃሩር ክኸውን እዩ ትብሉ፤ ከምኡ ድማ ይኸውን። 56ኣቱም ግብዛት፥ ምምርማር ገፅ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፤ ከመይ ደኣ ነዝ ዘመን እዙይ፥ መርሚርኩም ዘይትፈልጥዎ?
ምስ መባእስትኻ ተዓረቕ
(ማቴ. 5፡25-26)
57“ስለ ምንታይከ ባዕልኻትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ? 58መባእስትኻ ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ወሰደካ፥ ኣብ ፈራዲ ኸየብፅሐካ፥ እቲ ፈራዲ ኸዓ፥ ንወታደር ኣሕሊፉ ኸይህበካ፥ እቲ ወታደርውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኻ፥ ምስ መባእስትኻ ንምትዕራቕ ፀዓር። 59እንተ ዘይኮነ፥ እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትዓዲ፥ ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ እነግረካ ኣለኹ።”

अहिले सेलेक्ट गरिएको:

ሉቃስ 12: ትመ15

हाइलाइट

शेयर गर्नुहोस्

कपी गर्नुहोस्

None

तपाईंका हाइलाइटहरू तपाईंका सबै यन्त्रहरूमा सुरक्षित गर्न चाहनुहुन्छ? साइन अप वा साइन इन गर्नुहोस्