ዘፍጥረት 31
31
ያእቆብ ካብ ላባ ኸም ዝሃደመ
1ደቂ ላባ “እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ዅሉ ያእቆብ ወሲድዎ፤ ኵሉ እዝ ሃብቲ እዙይ ከዓ ኻብ ኣቦና ዝረኸቦ እዩ” ኢሎም ክዛረቡ እንተለዉ ያእቆብ ሰምዐ። 2ገፅ ላባውን ከም ቀደሙ ኸም ዘይኮነ ረአየ። 3እግዚኣብሄር ከዓ ንያእቆብ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ።
4ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብቲ መጓሰኡ ዝነበራኦ በረኻ ፀውዐን። 5ከምዙይውን በለን፦ “ገፅ ኣቦኻትክን፥ ከም ቀደሙ ኣባይ ፅቡቕ ከም ዘይኮነ እርኢ ኣለኹ። ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነይሩ እዩ። 6ነቦኻትክን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎውን ንስኻትክን ትፈልጣ ኢኽን። 7ኣቦኻትክን ግና ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ እናለዋወጠ ሸፈጠኒ፤ ዝኾነ ኾይኑ እግዚኣብሄር ክፉእ ክገብረኒ ኣይፈቐደሉን። 8ንሱ ‘ውርውራይ ዝኾና ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለኒ፥ ኵለን መጓሰ ውርውራይ ወለዳ። ‘ዓስብኻ ብርሆታት ይኹና’ ምስ በለኒ ኸዓ፥ ኵለን መጓሰ ብርሆታት ወለዳ። 9ስለዙይ እግዚኣብሄር ጥሪት ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሃበኒ።
10“በቲ እተን መጓሰ ዝስረራሉ ጊዜ ሓለምኩ፤ እንሆ እቶም ነተን መጓሰ ዝሰርወን ተባዕትዮ ብርሆታትን ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከም ዝነበሩ ረአኹ። 11መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ብሕልሚ ‘ያእቆብ’ ኢሉ ፀውዐኒ። ኣነ ኸዓ ‘እኒሀኹ’ በልኩ። 12ንሱውን ዓይንኻ ቛሕ ኣብልሞ ‘እንሆ እዞም ነዘን መጓሰ ዝሰርወን ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ብርሆታት፥ ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከም ዝኾኑ ረአ። እዙይ ከዓ ነቲ ላባ ዝበደለካ ስለ ዝረአኹ እየ። 13#ዘፍ. 28፡18-22። እቲ ሓወልቲ ዝቐባእኻሉን፥ ኣብኡ ድማ መብፅዓ ዝተመባፃዕኻለይን ኣምላኽ ቤቴል ኣነ እየ። ሕዚ ተስእ እሞ ኻብዛ ሃገር እዚኣ ወፂእኻ ናብታ ዝተወለድካላ ምድሪ ተመለስ’ በለኒ” በለን።
14ራሄልን ልያን ከዓ “ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ሃልዩና? 15ንኣና ሸይጡ ዋጋና ኻብ በልዐኸ፥ ከም ጓኖትዶ ቘፂሩና ኣይኮነን? 16እቲ እግዚኣብሄር ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ዅሉ ሃብቲ፥ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ። ሕዚ ኸዓ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝበለካ ግበር” ኢለን መለሳሉ።
17ሽዑ ያእቆብ ተልዓለ ንደቁን ነንስቱን ኣብ ኣግማል ኣቐመጦም። 18ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸይድ፥ ኵሉ መጓሰኡ ምስቲ ዅሉ ኣብ መንጎ ክልተ ሩባታት እንተሎ ዘጥረዮ ሃብቲ ሒዙ ኸደ። 19ላባ ፀጕሪ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ከይዱ ነበረ፤ ሽዑ ራሄል ጣዖታት ኣቦኣ ሰረቐት። 20ያእቆብ ድማ፥ ነቲ ሶርያዊ ላባ ኸም ዝኸይድ እንተይነገረ መሊቑ ኸደ። 21ዘለዎ ዅሉ ሒዙውን ሃደመ፤ ሩባ ተሳጊሩ ድማ ጕዕዞኡ ናብ እምባ ገለዓድ ኣቢሉ ኣቕንዐ።
ላባ ንያእቆብ ከም ዝሰዓቦ
22ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ፥ ያእቆብ ከም ዝሃደመ ንላባ ነገርዎ። 23ሽዑ ኣዝማዱ ሒዙ ደድሕሪኡ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ሰዓቦ። ኣብ እምባ ገለዓድ ድማ ኣርከቦ። 24እግዚኣብሄር ግና ብሕልሚ፥ ለይቲ ናብ እቲ ሶርያዊ ላባ መፂኡ “ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕ” በሎ። 25ያእቆብ ድንኳኑ ኣብ እምባ ተኺሉ ነበረ፤ ላባ ድማ ኣርከቦ፤ ምስ ሰቡ ኸዓ ድንኳኑ ኣብ እምባ ገለዓድ ተኸለ።
26ላባ ኸዓ ንያእቆብ ከምዙይ በሎ፦ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካ? ንኣይ ኣታሊልካዶ፥ ነዋልደይ ኣብ ውግእ ከም ዝተማረኻ ዀብኰብካየን? 27ስለ ምንታይ ብስውር ሃደምካ ኻባይ ከዲዕኻ ዀብለልካ? ነጊርካኒ እንተትኸውንስ ብሓጐስን ብመዝሙርን ብኸበሮን ብመሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ። 28ነወዳተይን ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ዕድል ኣይሃብካንን። ናይ ሰነፍ ስራሕ ኢኻ ዝገበርካ። 29ጕድኣት ከብፅሐልካ ምኸኣልኩ ነይረ፤ እንተ ኾነ ኣምላኽ ኣቦኻ ትማሊ ለይቲ ‘ንያእቆብ ፅቡቕ ኮነ ክፉእ ኸይትዛረቦ’ ኢሉ ኣጠንቀቐኒ። 30ሕዚ ኸዓ ቤት ኣቦኻ ኻብ ናፈቕካ ኺድ፤ ንኣማልኽተይ ግና ስለ ምንታይ ሰረቕካዮም?” በሎ።
31ያእቆብ ድማ ንላባ “ነጓላትካ ብሓይሊ ኸይተሕድገኒ ስለ ዝፈራሕኹ እየ እዙይ ዝገበርኩ። 32ንኣማልኽትኻ ዝወሰደ እንተ ሃልዩ ግና ንሱ ይቀተል። ናትካ ዝኾነ ምሳይ እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ኣዝማድና ጐርጒርካ ውሰድ” ኢሉ መለሰሉ። ነቶም ኣማልኽቲ፥ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ያእቆብ ኣይፈለጠን ነበረ።
33ላባ ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን እተን ክልተ ኣገልገልትን ኣተወ፤ ነቶም ኣማልኽቲ ግና ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወፂኡ ድማ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ። 34ራሄል ከዓ ነቶም ጣዖታት ወሲዳ ኣብ ትሕቲ ኮረቻ ግመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኣቶም ኮፍ በለት። ላባ ድማ ንዅሉ ድንኳን ጐርጐሮ፤ ክረኽቦም ግና ኣይከኣለን። 35ንሳ ኸዓ ነቦኣ “እቲ ኣብ ኣንስቲ ዝበፅሕ በፂሑኒ እዩሞ፥ ተሲአ ኽቕበለካ ብዘይ ምኽኣለይ ኣይትዀሪ” በለቶ፤ ንሱ ኸዓ ደለየ፤ ነቶም ጣዖታት ግና ኣይረኸቦምን።
36ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንላባ ኸምዙይ ኢሉ ወቐሶ፦ “እቲ ብናህሪ ደድሕረይ ክትግስግስ ዝገበረካ በደለይ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ እንታይ እዩ? 37እምበኣር ንዅሉ ኣቑሑተይ ጐርጐርካ፥ ካብ ኣቑሑት ገዛኻ እንታይ ረኸብካ? ኣብ መንጎ ኽልቴና ኽፈርዱስ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ ኣዝማደይን ኣዝማድካን ኣምፅኣዮ። 38ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነበርኩ፤ ካብ ጤለ በጊዕኻ ዘውሃየት ኣይነበረትን፤ ካብ መጓሰኻውን ሓደ ጡበት በጊዕ እኳ ኣይበላዕኹን። 39ኣራዊት ዝቐተላ ኣምፂአልካ ኣይፈልጥን፤ እኳ ደኣ ባዕለይ እኸፍለካ ነበርኩ። ብመዓልቲ ኾነ ብለይቲ ዝተሰርቀት ድማ ኻባይ ትደልያ ነበርካ። 40ሃሩር ብመዓልቲ፥ ኣስሓይታ ድማ ብለይቲ የሳቕየኒ ነበረ፤ ድቃስውን ካብ ዓይነይ ጠፊኡ ነበረ። 41ከምዙይ ኢለ እየ ዕስራ ዓመት ኣብ ገዛኻ ዝነበርኩ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣጓላትካ፥ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕኻ ኣገልገልኩኻ፤ ምስዙይ ከዓ ዓስበይ ዓሰርተ ሻዕ ለዋወጥካ። 42ናይ ኣቦይ፥ ናይ ኣብርሃም ኣምላኽ፥ እቲ ይስሓቅ ዝፈርሖ ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፥ ብርግፅ ሕዚ ጥራሕ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ፃዕረይን ሪኡ ትማሊ ለይቲ ገሰፀካ” በሎ።
ያእቆብን ላባን ኪዳን ከም ዝተኣታተዉ
43ላባ ድማ ንያእቆብ “እዘን ኣጓላት ደቀይ እየን፤ እዞም ቈልዑውን ደቀይ እዮም፤ እዘን መጓሰታት ከዓ መጓሰታተይ እየን፤ እዝ እትሪኦ ዘለኻ ዅሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ደኣ ነዘን ኣጓላተይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ ክገብሮም እኽእል? 44ሕዚ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ክኸውንስ፥ ነዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ” በሎ።
45ያእቆብ ከዓ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ተኸለ። 46ነቶም ኣሕዋቱ ድማ “ኣእማን ኣክቡ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣእማን ኣኪቦም ኰመሩ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅምራ ድማ በልዑ። 47ላባ ነቲ ዅምራ እምኒ “ኵምራ ምስክር” #31፡47 ኵምራ ምስክር፦ ብኣርማይስጢ “ይጋርሳሃዱታ” ይበሃል። ኢሉ ሰመዮ፤ ያእቆብ ከዓ “ገለዓድ” #31፡47 ገለዓድ፦ ብእብራይስጢ “ኩምራ ምስክር” ማለት እዩ። ኢሉ ሰመዮ።
48ላባ ድማ፥ “ሎሚ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን” በለ። ስለዙይ ስሙ ገለዓድ ተብሃለ። 49ላባ “ንሕና ኻብዙይ ምስተፈላለና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” ኢሉ ስለ ዝነበረ “ምፅጳ” #31፡49 ምፅጳ፦ ብዕብራይስጢ “ኵምራ ሓለዋ” ማለት እዩ። ተብሃለ። 50“ነዘን ኣጓላተይ እንተ ገፋዕኻየን ወይ ኣብ ልዕሊኣተን ካልኦት ኣንስቲ እንተእተኻ፥ ዝርኢ ሰብ እኳ ምሳና እንተ ዘየለ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ። 51ላባ ድማ መሊሱ ንያእቆብ “እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ እንሆ፥ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲውን እንሆ፥ 52ኣነ ነዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ሓሊፈ ኸየጥቅዐካ፥ ንስኻውን ነዝ ዅምራ እምኒ እዙይን ነዝ ሓወልቲ እዙይን ሓሊፍካ ኸይተጥቅዐኒ፥ እዝ ዅምራ እምኒ እዙይ ምስክር ይኹን፥ እዝ ሓወልቲ እዙይውን ምስክር ይኹን። 53ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናኮርን፥ ኣምላኽ ኣቦኣቶምን፥ ኣብ መንጎና ይፍረድ” በሎ። ያእቆብ ድማ በቲ ብፍርሓት ኣቦኡ ይስሓቅ መሓለ። 54ያእቆብ ኣብቲ እምባ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። ነቶም ሰቡ ኸዓ እንጀራ ኽበልዑ ፀውዖም። እንጀራ በሊዖም ድማ ኣብቲ እምባ ሓደሩ። 55ላባ ኸዓ ብፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንኣወዳትን ንኣጓላትን ደቁ ድማ፥ ስዒሙን መሪቑን ተሰናበቶም፤ ተልዒሉውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 31: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in