YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 30

30
1ራሄል ድማ ንያእቆብ ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረአየት፥ ብሓፍታ ቐንአት፤ ንያእቆብ ከዓ፥ “ውሉድ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽመውት እየ” በለቶ።
2ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንራሄል “ኣነ ውሉድ ክህበክን ክኸልአክን ዝኽእል እግዚኣብሄር ድየ?” በላ።
3ንሳ ኸዓ፥ “እኒሃ፥ ኣገልጋሊተይ ባላ፥ ኣብ ብርከይ ትውለድ፤ ደቃ ኸዓ ንኣይ ምእንቲ ክኾኑለይ፥ ናብኣ እቶ” በለቶ። 4ንኣገልጋሊታ ባላ ኸዓ ሰበይቱ ኽትከውን ንእኡ ሃበቶ፤ ያእቆብ ድማ ናብኣ ኣተወ። 5ባላ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ። 6ሽዑ ራሄል፥ “ኣምላኽ ፍትሒ ኣውፂኡለይ፤ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ” በለት፤ “ዳን” ኢላ ድማ ሰመየቶ። 7ባላ ኣገልጋሊት ራሄል መሊሳ ጠነሰት፤ ንያእቆብውን ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 8ሽዑ ራሄል “ብርቱዕ ቓልሲ ምስ ሓፍተይ ተቓለስኩ እሞ ሰዓርኩ” በለት፤ “ንፍታሌም” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
9ልያ ኸዓ ምውላድ ከም ዘቋረፀት ምስ ረአየት፥ ንኣገልጋሊታ ዘለፋ ወሲዳ፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ንያእቆብ ሃበቶ። 10ናይ ልያ ኣገልጋሊት ዘለፋ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። 11ሽዑ ልያ፥ “ዕድለኛ እየ” በለት፤ “ጋድ” ኢላ ድማ ሰመየቶ። 12ናይ ልያ ኣገልጋሊት ዘለፋ ድማ፥ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 13ልያ ኸዓ፥ “ተሓጕሰ እየ እሞ፥ ‘ኣንስቲ ሕጕስቲ’ ኽብላኒ እየን” በለት። “ኣሴር” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
14ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዕፀደሉ ወርሓት ንበረኻ ወፈረ እሞ፥ ምልዖ ረኸበ፤ ንኖኡ ልያ ድማ ኣምፅአላ። ሽዑ ራሄል ንልያ “ካብዝ ምልዖ ወድኺ ሃብኒ?” በለታ።
15ንሳ ኸዓ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይ ንኢሱክስ፥ ምልዖ ወደይ ድማ ኽትወስዲ?” በለታ። ራሄል ድማ፥ “እምበኣር ክንዲ ምልዖ ወድኺ ነዛ ለይቲ እዚኣ ያእቆብ ምሳኺ ይሕደር” በለታ።
16ምሸት ያእቆብ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ልያ ኽትቅበሎ ወፀት። “ብምልዖ ወደይ ዓዲገካ እየ እሞ፥ ምሳይ ኢኻ እትሓድር” በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ያእቆብ ምስኣ ሓደረ።
17እግዚኣብሄር ድማ ንልያ ሰምዓ እሞ፥ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ከዓ ሓምሻይ ወዲ ወለደትሉ። 18ልያ ድማ “መገልገሊተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሃብኩ፥ ኣምላኽ ዓስበይ ሂቡኒ” በለት፤ “ይሳኮር” ኢላ ድማ ሰመየቶ። 19ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ከዓ ሻድሻይ ወዲ ወለደትሉ። 20ልያ ድማ “ኣምላኽ ሰናይ ውህብቶ ሂቡኒ፥ ሕዚ ሽዱሽተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ክነብር እዩ” በለት፤ “ዛብሎን” ኢላ ድማ ሰመየቶ። 21ድሕሪዙይ ጓል ወለደት፤ “ዲና” ኢላውን ሰመየታ።
22እግዚኣብሄር ድማ ንራሄል ዘከራ፤ ፀሎታ ስለ ዝሰምዐ ድማ ማህፀና ኸፈተላ። 23ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ኣምላኽ ውርደተይ ኣርሒቑለይ” ድማ በለት። 24“እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ይወስኸኒ” እንትትብል “ዮሴፍ” ኢላ ሰመየቶ።
ያእቆብ ከም ዝሃብተመ
25ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፥ ያእቆብ ንላባ፦ “ናብ ዓደይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሰናብተኒ። 26እተን ምእንትኣተን ዘገልገልኩኻ ኣንስተይን ደቀይንውን ሃበኒ። እቲ ዘገልገልኩኻ ኣገልግሎት ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፥ ክኸይድ ኣሰናብተኒ” በሎ።
27ላባ ድማ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፥ እግዚኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ ኣለኹ እሞ፥ 28ዓስብኻ ንገረኒ ኽህበካ” በሎ።
29ያእቆብ ከዓ፥ “ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከፍትኻውን ኣነ ኽጓስየን እንተለኹ ኸመይ ከም ዝበዝሓን ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ። 30ኣነ እንተይመፃእኹ ውሑዳት ነበራኻ፤ ሕዚ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፥ ኬርና በዝሓ፤ ሕዚ ኸዓ ንናይ ባዕለይ ቤተ ሰብ ዝኸውን ዝሓስበሉ ድኣ መኣዝ እዩ?” በሎ። 31ላባ ድማ “እንታይ እሞ ኽህበካ?” በሎ። ያእቆብ ከዓ፥ “ሓደ እኳ ኣይትሃበኒ። ከምዙይ እንተ ገበርካለይ ግና ነባጊዕኻ መሊሰ ኽጓስየንን ክከናኸነንን እየ። 32ሎሚ ንዅለን መጓሰኻ ኽዀለን እየ፤ ካብኣተን ከዓ ነተን ትኳዕ ትኳዕ ዘለወን ውርውራይ ኣባጊዕን፥ ውፁኣት ፀለምቲ ለያሙን፥ ውርውራይ ዝኾና ኣጣልን ኽፈሊ እየ እሞ፥ ንሳተን ዓስበይ ይኹና። 33ካብ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ክትፀባፀብ ምስ መፃእኻ፥ ሽዑ ቕኑዕ ምዃነይ ክትርኢ ኢኻ። ውርውራይ ዘይኮና ኣጣል፥ ውፁኣት ፀለምቲ ዘይኮና ኣባጊዕ ኣባይ እንተ ተረኽባ፥ ከም ዝተሰርቃ ይቈፀረኒ” በሎ።
34ላባ ኸዓ “ሕራይ፤ ከም ዝበልካዮ ይኹን” በሎ። 35በታ መዓልቲ እቲኣ ላባ ነቶም ውርውራይ ዘለዎም ብርሆታት ወጣጡን፥ ንዅለን ነተን ብርሆታትን ዝንጕርጕር ኣጣልን፥ ፃዕዳ ዘለወን ኵለን፥ ካብ ኣባጊዕ ድማ ዅለን ፀለምቲ ፈልዩ ንደቁ ሃቦም። 36ካብቲ ያእቆብ ዝነበሮ ኸዓ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣርሓቐን። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባ ይጓሲ ነበረ።
37ያእቆብ ከዓ ኸራውሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዝበሃሉ ኣእዋም ርሑስ ኣብትርቲ ቘረፀ፤ ወሲዱውን ነቲ ኣብትርቲ ውርውራይ ገይሩ ቐለጦ። 38ነቲ ውርውራይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ፥ ኣብቲ እተን መጓሰታት መፂአን ዝሰትያሉ ጋብላታት፥ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገበሮ እሞ ኽሰትያ ምስ መፃ ይሃርፋ ነበራ። 39እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ምስተሰረራ፥ ውርውራይን ትኳዕ ትኳዕን ብርሆታትን ወለዳ።
40ሽዑ ያእቆብ ነተን መሓስእ ፈለየን። ነተን መጓሰ ኸዓ ኣብ መንፅር እተን ውርውራይን ውፁኣት ፀለምትን መጓሰ ላባ ገበረን። ንመጓሰኡ ግና ንበይነን ገበረን እምበር ምስ መጓሰ ላባ ኣይሓወሰንን። 41በቲ እተን ደዐኛታት ኣባጊዕ ዝስረራሉ ጊዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኽስረራ፥ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ። 42እተን ድኹማት ኣባጊዕ ኣብ ዝስረራሉ ጊዜ ግና ኣየንብሮን ነበረ። በዝ ኸምዙይ ከዓ እተን ድኹማት ንላባ፥ እተን ደዐኛታት ድማ ንያእቆብ ኮና። 43ያእቆብ ከዓ የመና ሃብተመ። ብዙሓት መጓሰታትን ሓሻኽርን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግንውን ኣጥረየ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 30: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in