ዘፍጥረት 32
32
ያእቆብ ምስ ኤሳው ክራኸብ ከም ዝተዳለወ
1ያእቆብ ድማ መንገዱ ቐፀለ፤ መላእክቲ እግዚኣብሄር ከዓ ተራኸብዎ። 2ያእቆብ ምስ ረአዮም “እዙይ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ” በለ። ነታ ቦታ እቲኣ ኸዓ “መሃናይም” #32፡2 መሃናይም፦ ብዕብራይስጢ “ክልተ ሰራዊት ኣገልገልቲ” ማለት እዩ። ኢሉ ሰመያ።
3ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ። 4ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ሓሽከርካ ያእቆብ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንጐይታይ ኤሳው ንገርዎ፦ ምስ ላባ ነበርኩ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተቐመጥኩ። 5ከፍትን ኣእዱግን ጤለ በጊዕን፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣገልገልትን ኣለዉኒ። ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ፥ ንኣኻ ንጐይታይ ክነግሩኻ ልኡኻት ለኣኽኩ።”
6እቶም ልኡኻት ከዓ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም “ናብ ሓውካ ኤሳው በፂሕና፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ ሒዙ ኽቕበለካ ይመፅእ ኣሎ” በልዎ። 7ሽዑ ያእቆብ የመና ፈርሐ፤ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነበሩ ሰባትን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣግማልን ኣብ ክልተ ኽፋል ከፈሎም፤ 8“ኤሳው መፂኡ ነቲ ሓደ ኽፋል እንተጥቅዖ እቲ ዝተረፈ ኽፋል ይድሕን” ኢሉውን ሓሰበ።
9ያእቆብ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሓቅን! ‘ናብ ምድርኻን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ፥ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ’ ዝበልካኒ እግዚኣብሄር፦ 10እዝ ዅሉ ንኣይ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ዘይግብአኒ እዩ። ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ሓንቲ በትሪ ሒዘ እየ ዝተሳገርክዋ። ሕዚ ግና ኽልተ ኽፋል ሰራዊት ኮይነ ኣለኹ። 11መፂኡ ኸየጥፍአና፥ ንእኖታትውን ምስ ደቀን ከይወቅዕ እፈርሕ ኣለኹ እሞ፥ በይዛኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣድሕነኒ። 12#ዘፍ. 22፡17። ‘ብዙሕ ፅቡቕ ክገብረልካ እየ፤ ንዘርእኻውን ምብዛሑ ኽቝፀር ከም ዘይከኣል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ኢልካ ኔርካ።”
13ያእቆብ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብኣ ሓደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ዅሉ ድማ ንሓዉ ኤሳው ዝኸውን ገፀ በረከት ኣዳለወ። 14ክልተ ሚእቲ ኣንስትዮ ኣጣል ዕስራ ዲበላታትን፥ ክልተ ሚእቲ ኣንስትዮ ኣባጊዕን ዕስራ ማጓሉን፥ 15ሰላሳ ዘጥብዋ ኣግማል መምስ ውላደንን፥ ኣርብዓ ኣላሕምን ዓሰርተ ኣብዑርን፥ ዕስራ ኣንስትዮ ኣእዱግን ዓሰርተ ፃዕብታት ኣእዱግን፥ 16ነዚኣተን በብመጓሰአን ከፋፊሉ ንኣገልገልቱ ሃቦም። “መጓሰ ካብ መጓሰ ኣረሓሒቕኩም ከዓ ቐቅድመይ ሕለፉ” በሎም። 17ነቲ ቐዳማይ፥ “ሓወይ ኤሳው ምስ ረኸበካ እሞ፥ ‘ናይ መን ኢኻ? ናበይከ ትኸይድ ኣለኻ? እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ፥ ናይ መን እየን?’ ኢሉ እንተ ጠየቐካ፥ 18‘ንጐይታይ ኤሳው ገፀ በረከት ዝሰደደን ናይ ኣገልጋሊኻ ያእቆብ እየን፤ ንሱ ድማ እንሆ ደድሕሬና ይመፅእ ኣሎ’ በሎ” ኢሉ ኣዘዞ። 19ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፥ ነቶም መጓሰታት ዝዅብኩቡ ዅሎምን፥ “ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ ኸምኡ በልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 20ብፍላይ “ኣገልጋሊኻ ያእቆብ እንሆ ደድሕሬና ይመፅእ ኣሎ” ምባል ኣይትረስዑ። ያእቆብ “በዝ ቐቅድመይ ዝኸይድ ዘሎ ገፀ በረከት ከዝሕሎ እየ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ገፁ እርኢ፤ ምናልባሽ ብፅቡቕ ይቕበለኒ ይኸውን” ኢሉ ሓሰበ። 21በዝ ኸምዙይ እቲ ገፀ በረከት ቀቅድሚኡ ሓለፈ። ንሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ።
ያእቆብ ምስ እግዚኣብሄር ከም ዝተቓለሰ
22በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ያእቆብ ተሲኡ ኽልቲአን ኣንስቱን ክልቲአን ኣገልገልቱን ዓሰርተ ሓደ ደቁን ሒዙ ንሩባ ያቦቅ ተሳገረ። 23ነቲ ሩባ ምስ ኣሳገረን፥ ዘለዎ ዅሉ ጥሪት ከዓ ኣሳገረ። 24ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ። 25ንሱ ኸዓ ኸም ዘየሰነፎ ምስ ረአየ፥ ንያእቆብ ምሕዅልቱ ነኽኦ፤ ያእቆብ ድማ ኽቃለስ እንተሎ ምሕዅልቱ መለቘት። 26#ሆሴዕ 12፡3-4። እቲ ሰብኣይ ድማ “ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ ክኸይድ ስደደኒ” በሎ። ያእቆብ ከዓ “እንተይባረኽካኒ ኣይሰደካን እየ” በሎ።
27እቲ ሰብኣይ “መን እዩ ስምካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ስመይ ያእቆብ” እዩ ኢሉ መለሰ።
28 #
ዘፍ. 35፡10። ንሱ ድማ “ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ እሞ፥ ደጊም እስራኤል #32፡28 እስራኤል፦ ብዕብራይስጢ “ምስ እግዚኣብሄር ዝቃለስ” ማለት እዩ። ደኣ እምበር ያእቆብ ተብሂልካ ኣይትፅዋዕን ኢኻ” በሎ።
29 #
መሳ. 13፡17-18። ያእቆብ ከዓ “በይዛኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ጠየቆ። ንሱ ድማ “ስለ ምንታይ ስመይ ትጥይቐኒ?” በሎ፤ ሽዑውን ባረኾ።
30ያእቆብ ከዓ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ሪአዮ ነፍሰይ ድሒና ተረፈት እንትብል፥ ነታ ቦታ “ጰኒኤል” ኢሉ ሰመያ። 31ካብ ጰኒኤል ክለዓል እንተሎ ፀሓይ በረቐቶ። ምሕዅልቱ መሊቛ ስለ ዝነበረት ከዓ ይሕንክስ ነበረ። 32ያእቆብ ኣብቲ መፈላለዪ ምሕዅልቱ ስለ ዝተወቕዐ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፋላለዪ ምሕዅልቲ ሹሉዳ ኣይበልዑን እዮም።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 32: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in