ግብሪ ሃዋርያት 19
19
ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን
1ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ። 2#ግ.ሓ. 2፡38። “ምስ ኣመንኩምስ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ፥ “ኣይተቐበልናን፤ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎውን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። 3#ግ.ሓ. 18፡25። ንሱ ኸዓ “በየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም?” በሎም፤ ንሳቶም ድማ “ብጥምቀት ዮሃንስ” በልዎ። 4#ማቴ. 3፡1-2፥ ዮሓ. 1፡15፥27። ሽዑ ጳውሎስ “ዮሃንስ በቲ ድሕሪኡ ዝመፅእ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምኑ፥ ነቶም ህዝቢ እናነገረ፥ ጥምቀት ንስሃ እዩ ዘጥመቐ” በሎም። 5#ግ.ሓ. 2፡38። እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠመቑ። 6#ግ.ሓ. 8፡17፥ ማር. 16፡17። ጳውሎስ ኢዱ ምሰ ኣንበረሎም ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን። 7እቶም ሰባት ከዓ፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ዝኣኽሉ ነበሩ።
8ጳውሎስ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #19፡8 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ኣትዩ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናተኻትዐን እናረድአን፥ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ተናገረ። 9ሓድሓደ ነቲ መንገዲ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ልቦም ምስ ኣትረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፥ ካብኣቶም ረሓቐ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፈልዩ ድማ፥ በብመዓልቱ ኣብቲ ጢራኖስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ይምህሮም ነበረ። 10እዙይ፥ እቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ግሪካውያንን፥ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰምዕዎ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ቀፀለ።
11 #
ማር. 16፡20። እግዚኣብሄር ከዓ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት ይገብር ነበረ። 12#ግ.ሓ. 5፡15። እንሆ ድማ፥ መንዲል ወይ ክዳን ካብ ሰብነቱ #19፡12 ክዳን ካብ ሰብነቱ፦ ግእዝ “ካብ ጫፍ ክዳኑ እናቖረፁ” ይብል። ወሲዶም፥ ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ፥ ሕማሞም ይሓድጎም፤ ርኹሳት መናፍስቲ እውን ካብኣቶም ይወፁ ነበሩ። 13#ዮሓ. 15፡4። እናዞሩ ኻብ ሰብ ኣጋንንቲ እናውፅኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ፥ ብስም ኢየሱስ ክትወፁ ንእዝዘኩም ኣለና” እናበሉ፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክፅውዑሎም ፈተኑ። 14እቶም እዙይ ዝገበሩ ኸዓ፥ ሸውዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ። 15#ማር. 1፡24። እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ “ንኢየሱስ እፈልጦ፤ #19፡15 ንኢየሱስ እፈልጦ፦ ግእዝ “ንኢየሱስ እኣምኖ” ይብል። ንጳውሎስውን እፈልጦ እየ፤ ንስኻትኩም ደኣ እንታዎት ኢኹም?” በሎም። 16እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ከዓ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፤ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ጥራሕ ዝባኖም ኣውፂኡ ኣቝሲሉ፥ ካብታ ገዛ ሃዲሞም ክሳዕ ዝወፁ ድማ ንዅሎም ኣሰነፎም። 17እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ግሪካውያንን ተሰምዐ፤ ንዅላቶምውን ፍርሓት ሓዞም፤ ስም ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኸበረ። 18#ማቴ. 3፡6። ካብቶም ዝኣመኑ ኸዓ፥ ብዙሓት እናመፁ፥ ነቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም ብገሃድ ይንስሑ ነበሩ። 19ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ፥ መፃሕፍቶም ኣኪቦም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኣቃፀልዎ፤ ዋጋኡ ምስ ፀብፀብዎ ኸዓ፥ ሓምሳ ሽሕ ድሪም #19፡19 ድሪም፦ ሓደ ድሪም ናይ ሓደ ሰብ ናይ ሓደ መዓልቲ ደመወዝ እዩ። ኮይኑ ተረኽበ፤ 20#ግ.ሓ. 12፡24። ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምዙይ ኢሉ ብሓይሊ እናሰፍሐን እናበርትዐን ከደ።
ሁከት ኣብ ኤፌሶን
21እዝ ነገር እዙይ ምስ ሓለፈ፥ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ገይሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ሓሰበ #19፡21 ወይ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ መደበ” እሞ “ኣብኣ ምስ በፃሕኹውን፥ ንሮም ክሪኣ ይግብአኒ እዩ” በለ። 22#1 ቆሮ. 16፡8-10። ንኽልተ ኻብቶም ሓገዝቱ፥ ንጢሞቴዎስን ንኣርስጦንን፥ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፤ ንሱ ግና ኣብ እስያ ብዙሕ መዓልቲ ፀንሐ።
23በቲ ቕነ እቱይ፥ ብዛዕባ እቲ መንገዲ ጐይታ፥ #19፡23 ብዛዕባ እቲ መንገዲ ጐይታ፦ ግእዝ “ብዛዕባ ትምህርቲ እዙይ” ይብል። ኣብ ኤፌሶን ብዙሕ ሁከት ኮነ። 24ሓደ ድሜጥሮስ ዝተብሃለ ሰራሒ ብሩር ነበረ። ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ዝኸውን ምስሊ ብሩር እናሰርሐ፥ ነቶም ኣንጠረኛታት የርብሖም ነበረ። 25ነዚኣቶምን ነቶም ብስራሖም ዝተሓባበርዎምን ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፥ ጥቕምና ኻብዝ ስራሕዙይ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። 26ከም እትሪኡዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ እዝ ጳውሎስ ‘እዞም ብኢድ ሰብ ዝስርሑስ፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን’ እናበለ፥ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ፥ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝሓበለን ከም ዘስሓተን፥ ትሪኡን ትሰምዑን ኣለኹም። 27ዘፍርሐና ዘሎ፥ እታ ዅላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻ፥ ዓባይ ኣርጤምስ ዕብየታ ኸይሰዓር፥ መቕደሳውን ከም ከንቱ ኸይቝፀር እምበር፥ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራሕ ኣይኮነን።”
28ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ እሞ፥ ዓው ኢሎም “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” በሉ። 29ኣብታ ኸተማ ድማ ሁከት ኮነ፤ ነቶም ኣዕርኽቲ ጳውሎስ ዝኾኑ፥ ንጋይዮስን ንኣርስጠርኮስን ሰብ መቄዶንያ ሒዞም፥ እናጐተቱ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ጐየዩ። 30ጳውሎስ ድማ፥ ናብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኽኣቱ ደለየ፤ እንተ ኾነ ደቀ መዛሙርት ከልከልዎ። 31ካብ እስያ ዝኮኑ ሹመኛታት ፈተውቱ ልኢኾም፥ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ኸይኣቱ ለመንዎ። 32እቲ ህዝቢ ድብልቕልቕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ዝበዝሑ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፤ ስለዙይ ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ። 33እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ህዝቢ ምስ ኣቕረብዎ፥ ካብቶም ህዝቢ እውን ገሊኣቶም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ። እስክንድሮስ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ኽምጕተሎም ደልዩ፥ ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም። 34ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፥ ኵላቶም ብሓደ ቓል ኮይኖም፥ “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” እናበሉ ኽልተ ሰዓት ዝኣክል፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
35እቲ ናይታ ኸተማ ሹም፥ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፥ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን፥ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ፥ ዘይፈልጥ ሰብ መን እዩ? 36እምበኣርከስ፥ እዙይ ኣሉ ዘይበሃል ነገር ካብ ኮነ፥ ክትሃድኡ ደኣ እምበር፥ ብታህዋኽ ሓደ ነገር ክትገብሩ ኣይግብአኩምን እዩ። 37እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስ እንተይሰረቑ፥ ንኣምላኽናውን እንተይፀረፉ ኢኹም ኣምፂእኹምዎም ዘለኹም። 38ድሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና፥ ክሲ እንተ ሃልይዎም፥ መዓልቲ መጋባእያን ሹመኛታትን ኣለዉዎም፤ ንስንሳቶም ይካሰሱ። 39ካልእ ነገር እንተ ሃልዩኩም ድማ፥ ኣብቲ ስሩዕ መጋባእያ ይረአ። 40ነዝ ሁከት እዙይ፥ እንህቦ ምኽንያት የብልናን፤ በዝ ሎሚ ዝኾነ ሁከት እኳ፥ ከይንኽሰስ ንፈርሕ ኢና” 41ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።
Currently Selected:
ግብሪ ሃዋርያት 19: ትመ15
Highlight
Share
Copy
![None](/_next/image?url=https%3A%2F%2Fimageproxy.youversionapi.com%2F58%2Fhttps%3A%2F%2Fweb-assets.youversion.com%2Fapp-icons%2Fen.png&w=128&q=75)
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in