ግብሪ ሃዋርያት 20
20
ጕዕዞ ጳውሎስ ናብ መቄዶንያ
1 #
1 ቆሮ. 16፡5። እቲ ሁከት ምስ ሃድአ ኸዓ፥ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፀዊዑ፥ ብምኽሪ ኣፀናንዖም፥ ተሰናቢትዎም ከዓ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ተልዓለ። 2በቲ ዝሓለፎ ዓድታትውን፥ ብብዙሕ ቃል እናፀናንዖም ናብ ግሪክ ከደ። 3ኣብኡ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ፤ ናብ ሶርያ ብመርከብ ክኸይድ ሓሲቡ እንተሎ ድማ፥ ኣይሁድ ተንኰል ከም ዝገበሩሉ ምስ ፈለጠ፥ ብመቄዶንያ ገይሩ ኽምለስ ሓሰበ።
4በዓል ቤርያ ዝኾነ ጴጥሮስ ወዲ ጲሮስ፥ ኣርስጦርኮስን ሲኮንዱስን ሰብ ተሰሎንቄ፥ ጋይዮስ በዓል ደርቤን፥ ከምኡ ኸዓ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እስያ ኸዓ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን፥ ክሳዕ እስያ ኣፋነውዎ። 5እዚኣቶም ቅድሜና ሓሊፎም፥ ኣብ ጢሮኣዳ ተፀበዩና። 6ንሕና ግና ድሕሪ በዓል ፋሲካ፥ #20፡6 በዓል ፋሲካ፦ ወይ “በዓል ቅጫ” ኻብ ፊልጵስዩስ ብመርከብ ተልዒልና፥ ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጢሮኣዳ ናብኣቶም በፃሕና፤ ኣብኡውን ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና።
ጳውሎስ ምዉት ከም ዘተስአ
7 #
ዮሓ. 20፡1፥19፥ ግ.ሓ. 2፡42፥ 1 ቆሮ. 10፡16፥ 16፡2። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን፥ እንጀራ ኽንቈርስ #20፡7 እንጀራ ኽንቘርስ፦ ግእዝ “ማእዲ ኽንባርኽ” ይብል። ተኣከብና፤ ጳውሎስ ድማ ይምህሮም ነበረ፤ ንፅባሒቱ ኽገይሽ ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ትምህርቱ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣንውሐ። 8ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕለዋይ ደብሪ፥ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ። 9ኣውጤክስ ዝስሙ ጐበዝ፥ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ እንተሎ ተታኸሰ፤ ጳውሎስ ትምህርቱ ምሰንውሐ ኸዓ፥ ድቃስ ከቢድዎ ኻብ ሳልሰይቲ ደብሪ፥ ናብ ታሕቲ ወደቐ፤ ሞይቱ ድማ ኣልዓልዎ።
10 #
ማቴ. 9፡24። ጳውሎስ ድማ፥ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ተጋደመ እሞ፥ ሓቝፉ ኣልዓሎ፤ “ብህይወት እዩ ዘሎ እሞ ኣይትደንግፁ” ድማ በሎም። 11ናብቲ ደብሪ ደየበ፤ ነቲ ጐበዝውን ምስኡ ኣደየቦ፤ ተቐሚጡውን እንጀራ ቘሪሱ በልዐ፤ ክሳዕ ዝወግሕውን ብዙሕ መሃሮምሞ ኸደ። 12ነቲ ወዲ ኸዓ፥ ብህይወቱ ስለ ዝወሰድዎ #20፡12 ነቲ ወዲ ኸዓ፥ ብህይወቱ ስለ ዝወሰድዎ፦ ግእዝ “ነቲ ወዲ ብህይወቱ ወፈዮም” ይብል። የመና ተፀናንዑ።
ጳውሎስ ካብ ጢሮኣዳ ናብ ሚልጢኒን ከም ዝኸደ
13ንጳውሎስ ኣብ መርከብ ክንቅበሎ ስለ ዝሓሰብና፥ ንሕና ኣቐዲምና ናብ ኣሶን ከድና፤ ከምዙይ ዝገበርና ኸዓ፥ ጳውሎስ ክሳዕ ኣሶን፥ ብእግሪ ክኸይድ ስለ ዝመደበን፥ ከምኡ ኽንገብር ስለ ዝነገረናን እዩ። 14ኣብ ኣሶን ምስ በፃሕና ድማ፥ ናብታ መርከብ ተቐበልናዮ፤ ናብ ሚጢሊኒን ከዓ ኸድና። 15ካብኡ ወፂእና ኸዓ፥ ብመርከብ ጌርና፥ ናብ ማዕዶ ክዮስ በፃሕና፤ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ናብ ሳሞስ ተሳገርና፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ናብ ሚሊጢ ኣተና። 16ጳውሎስ፥ እንተ ኾይኑሉስ፥ ንበዓል ሓምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ክውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ምእንቲ ኣብ እስያ ኸይንድንጒ ኢሉ፥ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ወሰነ።
ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን ከም ዝተሰናበተ
17ጳውሎስ ካብ ሚሊጢ፥ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፥ ነቶም ሽማግለታት #20፡17 ሽማግለታት፦ ግእዝ “ቀሳውስቲ” ይብል። ናብኡ ፀውዖም። 18#2 ቆሮ. 1፡12፥ 4፡5፥7። ናብኡ ምስ መፁ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦
“ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገፅኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ 19#2 ቆሮ. 2፡4፥ ፊልጵ. 3፡18። ብተንኰል ኣይሁድ ፈተና እንተ በፅሐኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን፥ ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልኩ፥ 20ዝጠቅም ኵሉ እናሰበኽኩልኩም፥ ኣብ ኣደባባይ ኮነ ኣብ ገዛውትኹም እንትምህረኩም፥ ዘጕደልኩልኩም የለን። 21#ማር. 1፡15፥ ሉቃ. 24፡47፥ ግ.ሓ. 16፡31፥ 17፡30፥ 20፡27፥31፥ ሮሜ 1፡14፥ ቈላ. 1፡28። ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም። 22ሕዚ ብመንፈስ ተመሪሐ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ እንታይ ከም ዝረኽበኒ ኣይፈልጥን። 23#ግ.ሓ. 9፡16፥ 21፡11። ብዘይ እቲ መንፈስ ቅዱስ ‘ማእሰርትን መከራን ይፅበየካ ኣሎ’ ኢሉ፥ ኣብ ፈቐዶ ኸተማታት ዝነገረኒ እንተ ዘይኮይኑ ዝፈልጦ የብለይን። 24#ግ.ሓ. 21፡13፥ 2 ቆሮ. 4፡16፥ 5፡18፥ ኤፌ. 3፡8፥ ፊልጵ. 2፡17፥ 2 ጢሞ. 4፡7። ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን #20፡24 ወንጌል ንኽምስክርን፦ ግእዝ “ክምህርን ክሰብኽን” ይብል። ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
25“ሕዚ ድማ፥ እንሆ ንስኻትኩም መንግስቲ እግዚኣብሄር እናዞርኩ ዝሰበኽኩልኩም ኵልኻትኩም፥ ደጊም ገፀይ ከም ዘይትሪኡ ፈሊጠ ኣለኹ። 26ስለዙይ ካብ ደም ኵልኻትኩም ንፁህ ምዃነይ፥ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣለኹ። 27#ግ.ሓ. 18፡6፥ 1 ጢሞ. 2፡4-7። ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደኣ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን። 28#3፡15፥ ግ.ሓ. 14፡23፥ 1 ጢሞ. 4፡6፥ ቲቶ 2፡14፥ ዕብ. 13፡17፥ 1 ጴጥ. 1፡18-19፥ 5፡2-3፥ ራእይ 5፡9። ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት #20፡28 ኤጲስ ቆጶሳት፦ ግእዝ “ጳጳሳት” ይብል። ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ። 29#ማቴ. 7፡15። ኣነ ምስ ከድኩ፥ ነታ መጓሰ ዘየናሕስዩላ፥ ከም ተዃሉ ጨካናት፥ ብድሕረይ ከም ዝመፁኹም እፈልጥ እየ። 30#ማቴ. 24፡24፥ ገላ. 4፡17፥ ቲቶ 1፡10። ካባኻትኩምውን፥ ነቶም ኣመንቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኽገብርዎም፥ ጠዋይ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ክለዓሉ እዮም። 31ስለዙይ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን፥ ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየቋረፅኩ እናዘከርኩም ንቕሑ። 32#ግ.ሓ. 26፡18፥ ኤፌ. 1፡18፥ ቈላ. 1፡12፥ 1 ጴጥ. 2፡1-3። ሕዚ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ነቲ ኽሃንፀኩምን፥ ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ርስቲ ኽህበኩምን ዝኽእል ቃል ፀጋኡ፥ ሓደራ እህበኩም ኣለኹ። 33#ማቴ. 10፡8፥ 1 ቆሮ. 9፡11-12፥ 2 ቆሮ. 11፡9። ኣነ ኻባኻትኩም ካብ ሓደኳ፥ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ ክዳን ኣይደለኹን። 34#ግ.ሓ. 18፡3። በዘን ኣእዳወይ እናሰራሕኹ፥ ንኣይን ነቶም ምሳይ ዝነበሩን፥ ዘድለየና ኸም ዘማላእኹ፥ ባዕልትኹም ትፈልጡ ኢኹም። 35#ማቴ. 5፡42። ከምኡውን ስራሕ ምስራሕ፥ ድኻታት ምርዳእ ከም ዝግባእ፥ ጐይታና ኢየሱስ ‘ካብቲ ዝቕበል፥ እቲ ዝህብ ዝበለፀ ዝተባረኸ እዩ’ ዝበሎ ቓል ዘክሩ።”
36እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎም ተምበርኪኹ ፀለየ። 37ኵላቶም ድማ ብዙሕ በኸዩ፤ ንጳውሎስ ከዓ፥ ብኽሳዱ ሓቝፎም ሰዓምዎ። 38ካብ ኵሉ ኸዓ፥ ስለ እቲ “ደጊምስ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም” ዝበሎም ቃል፥ የመና ሓዘኑ፤ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።
Currently Selected:
ግብሪ ሃዋርያት 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy
![None](/_next/image?url=https%3A%2F%2Fimageproxy.youversionapi.com%2F58%2Fhttps%3A%2F%2Fweb-assets.youversion.com%2Fapp-icons%2Fen.png&w=128&q=75)
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in