YouVersion Logo
Search Icon

ግብሪ ሃዋርያት 21

21
ጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኸደ
1ካብኣቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተልዓልና፥ መንገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ ከድና፤ ንፅባሒቱ ኸዓ፥ ሮዶስ ኣብ እትብሃል ደሴት በፃሕና፤ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣተና። 2ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና፥ ናብኣ ደየብና፤ ብኣኣ ጌርናውን ጕዕዞና ቐፀልና። 3ነታ ቆጵሮስ እትበሃል ደሴት ምስ ረአናያ፥ ንኢድ ፀጋም ሓዲግናያ፥ ናብ ሶርያ ኣቢልና ተጕዓዝና፤ ፅዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዝራገፍ ስለ ዝነበረ ድማ ናብኣ ኣተና። 4ኣብኣ ደሊና ደቀ መዛሙርት ረኸብና፤ ምስኣቶም ከዓ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና፤ ንሳቶም ድማ ብመንፈስ ተገሊፁሎም፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ኣይትደይብ” በልዎ። 5እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፥ ካብኡ ወፂእና ኽንጐዓዝ ተልዓልና፤ ኵሎም ድማ፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኮይኖም፥ ክሳዕ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፤ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ተንበርኪኽና ፀለና። 6“ደሓን ኩኑ” ተበሃሂልና ምስ ተፈላለና፥ ንሕና ናብታ መርከብ ደየብና፤ ንሳቶምውን ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።
7ንሕና ግና፥ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ምስ ወዳእና፥ ካብ ጢሮስ ናብ ጴጤሌማይስ በፃሕና፤ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና፥ ምስኣቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዓልና። 8#ግ.ሓ. 6፡5። ንፅባሒቱ ኻብኣ ወፂእና፥ ኣብ ቂሳርያ በፃሕና፤ ኣብ እንዳ ፊልጶስ ወንጌላዊ፥ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ኣቲና፥ ኣብኣ ቐነና። 9#ኢዩ. 2፡28። ንሱ፥ ትንቢት ዝዛረባ ኣርባዕተ ደናግል ኣጓላት ነበራኦ። 10#ግ.ሓ. 11፡28። ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀናሕና፥ ሓደ ኣጋቦስ ዝስሙ ነቢይ ካብ ይሁዳ ወረደ። 11#ግ.ሓ. 20፡23። ናባና መፂኡ ኸዓ፥ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ኣሰረ እሞ፥ “ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ፥ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዙይ ገይሮም ኣሲሮም፥ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ይብል መንፈስ ቅዱስ” በለ።
12እዙይ ምስ ሰማዕና፥ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ኴንና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከይድይብ፥ ንጳውሎስ ለመንናዮ። 13#ግ.ሓ. 20፡24። ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ስለ ምንታይከ ትበኽዩ? ንምንታይከ፥ ልበይ ትሰብሩኒ ኣለኹም? ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ። 14#ማቴ. 6፡10። ምቕባል ምስ ኣበየና ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ዝፈቐዶ ይኹን” ኢልና ስቕ በልና።
15ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት ምስ ተዳሎና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብና። 16ካብ ቂሳርያ ሓቢሮም ዝመፁ ደቀ መዛሙርትውን፥ ምሳና ነበሩ። ኬድና፥ ካብቶም ቀዲሞም ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ናይ ቆጵሮስ ሰብ፥ እንዳ ምናሶን ክንሓድር መርሑና።
ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንያእቆብ ከም ዝተራኸቦ
17ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፃሕና፥ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ምሳና ናብ ያእቆብ ከደ፤ ኵሎም ሽማግለታት #21፡18 ሽማግለታት፦ ግእዝ “ቀሳውስቲ” ይብል። ድማ ኣብኡ ነበሩ። 19#ግ.ሓ. 14፡27፥ 15፡4። ጳውሎስ ሰላም ምስ በሎም፥ እግዚኣብሄር በቲ ናቱ ኣገልግሎት ገይሩ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ሓደ ብሓደ ነገሮም። 20ነዙይ ምስ ሰምዑ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ፤ ንጳውሎስ ከዓ፦ “ኣታ ሓውና፥ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣለኻ፤ ኵላቶም ከዓ፥ ሕጊ ሙሴ ንምፍፃም ቅንኣት ኣለዎም። 21#ገላ. 5፡3። ንስኻ፥ ንዅሎም ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ካብ ሕጊ ሙሴ ኽርሕቑ፥ ደቆም ከይገርዙ፥ ብስርዓቶም ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፥ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ። 22ምምፃእኻ ብርግፅ ክሰምዑ እዮም እሞ፥ እንታይ ምግባር ይሐይሽ? 23እምበኣር ከምዝ እንብለካ ግበር፤ መብፅዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰባት ኣለዉና፤ 24#ዘሑ. 6፡2-8፥ 13፡18። ምሳኻ ተማልኣዮም እሞ፥ ምስኣቶም ንባዕልኻ ኣንፅህ፤ ርእሶም ይላፀዩ፤ እቲ ንቤተ መቕደስ ዝግባእ መባእ ድማ፥ ንስኻ ኽፈለሎም፤ ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ፥ ሕጊ እናሓለኻ ኸም እትመላለስን፥ እዝ ዅሉ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ኸዓ፥ ሓቂ ኸም ዘይኮነን፥ ኵላቶም ክፈልጡ እዮም። 25#ግ.ሓ. 15፡29። ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና፥ ተማኺርና ‘ንጣዖታት ካብ ዝተሰውአ ምግብን ደምን፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳ ካብ ምብላዕን፥ ካብ ዝሙትን ረሓቑ’ ኢልና፥ ብፅሑፍ ኣዚዝናዮም ኣለና” በልዎ። 26ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ነቶም ሰባት ሒዙ ምስኣቶም ንባዕሉ ኣንፅሀ፤ ብድሕሪዙይ እቲ መዓልቲ ምንፃሆም መኣዝ ኸም ዝውዳእን፥ ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ መስዋእቲ መኣዝ ከም ዘቕርቡን ኽነግር፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።
ጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ከም ዝተትሓዘ
27እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ፥ ካብ ሃገር እስያ ዝመፁ ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረአይዎ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣለዓዒሎም ድማ ሓዝዎ። 28“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንዑ ርድኡና፤ እቲ ኣብ ፈቖዶ ሃገር፥ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይን፥ ምስ እዝ ሕጊ እዙይን፥ ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዝፃረር ነገር፥ ንዅሉ ሰብ ዝምህር ሰብኣይ እዙይ እዩ፤ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ፥ ግሪካውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፥ ነዛ ቕድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ እዩ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። 29እዙይ ዝበሉ ኸዓ፥ ቅድም ንጥሮፊሞስ በዓል ኤፌሶን፥ ምስኡ ኣብ ከተማ ሪኦምዎ ነበሩ እሞ፥ ጳውሎስ ናብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲሉዎም እዩ። 30ኵላ እታ ኸተማ ተሃወኸት፤ እቶም ህዝቢ ዅላቶም ብሓንሳእ ብምጕያይ፥ ንጳውሎስ ሒዞም፥ ካብ ቤተ መቕደስ ጐቲቶም ኣውፅእዎ፤ ሽዑ ንሽዑውን፥ ነቲ መዓፁ ቤተ መቕደስ ዓፀውዎ። 31ክቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ኢየሩሳሌም ከም ዝተሃወኸት፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ መልእኽቲ በፅሐ። 32ንሱ ኸዓ፥ ወታደራትን ኣሕሉቕ ሚእትን ሒዙ፥ ናብኣቶም ጐየየ። ኣይሁድ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስ ካብ ምውቃዕ ኣቋረፁ። 33ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሓዞ፤ ብኽልተ መቝሕ ክኣስርዎ ድማ ኣዘዘ፤ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ጠየቐ። 34እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ዋዕዋዕታ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ናይቲ ሁከት መልዓሊኡ ምርዳእ ስለ ዘይከኣለ፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ከብፅሕዎ ኣዘዘ። 35ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በፅሐ፥ እቲ ህዝቢ የመና ኣምሪሩ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ወታደራት ተሰከምዎ፤ 36ዓው ኢሎም ድማ፥ “ኣወግዶ” እናበሉ ብዙሕ ህዝቢ ይስዕብዎ ነበሩሞ።
ጳውሎስ ነቶም ህዝቢ ኸም ዝተዛረቦም
37ናብቲ ሰፈር ወታደራት ከእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ “ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ቋንቋ ግሪክዶ ትፈልጥ ኢኻ? 38ቅድሚ ሕዚ ሁከት ዘለዓዓልካን ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ፥ ናብ በረኻ ዘውፃእኻን ግብፃዊ ንስኻዶ ኣይኮንካን?” በሎ። 39ጳውሎስ ግና “ኣነስ ኣብ እታ ፍልጥቲ ኸተማ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ እየ፤ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ” በለ። 40ሽዑ ጳውሎስ ምስ ተፈቕደሉ፥ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ፥ ነቶም ህዝቢ ስቕ ክብሉ፥ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ ስቕ ምስ በሉ ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ፥ ከምዙይ ኢሉ ኽናገሮም ጀመረ፦

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in