Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ዮሃንስ 19

19
ወታደራት ንኢየሱስ ከም ዘላገፁሉ
(ማቴ. 27፡27-32ማር. 15፡15-21)
1 # ሉቃ. 23፡23-25። ድሕሪዙይ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ። 2እቶም ወታደራት ከዓ፥ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ቀይሕ ኽዳንውን ከደንዎ። 3ናብኡ እናመፁ ኸዓ “ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ” እናበሉ ገፁ ይፀፍዕዎ ነበሩ። 4#ዮሓ. 18፡38። ጲላጦስ መሊሱ ናብ ደገ ወፂኡ “ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ንኽትፈልጡ፥ እንሆ ናብ ደገ ኣውፅአልኩም ኣለኹ” በሎም። 5#ዮሓ. 1፡29፥ 1 ጢሞ. 2፡5። ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡ፥ ቀይሕ ኽዳን ተኸዲኑ፥ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ድማ፥ “እንሆ፥ እቲ ሰብኣይ!” በሎም። 6ሊቃነ ካህናትን እቶም ሓሻኽሮምን ምስ ረአይዎ ኸዓ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። ጲላጦስ ከዓ “ባዕልኻትኩም ደኣ ወሲድኩም ስቐልዎ እምበር፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በሎም። 7#ዘሌ. 24፡16፥ ዮሓ. 5፡18። ኣይሁድ ድማ “ንሕና ሕጊ ኣለና፤ ከም ሕግና ኸዓ፥ ንሱ ንባዕሉ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሎም መለሱሉ። 8ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ፈርሐ። 9#ኢሳ. 53፡7። መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣትዩ፥ ንኢየሱስ “ንስኻ ካበይ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ግና ሓንቲኳ ኣይመለሰሉን። 10ጲላጦስ ከዓ፥ “ንኣይውንዶ ኣይትዛረበንን ኢኻ? ክሰቕለካን ክፈትሐካን፥ ስልጣን ከም ዘለኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ። 11#ዮሓ. 18፡35፥ ግ.ሓ. 2፡23። ኢየሱስ ድማ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተውሂቡካስ፥ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ፥ ዝገደደ ሓጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ።
ኢየሱስ ንሞት ከም ዝተፈርደ
12 # ሉቃ. 23፡2። ድሕሪዙይ ጲላጦስ ክፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና “ነዙይ እንተ ፈቲሕኻዮ፥ ፈታዊ ቄሳር ኣይኮንካን። ኵሉ ንባዕሉ ንጉስ ዝገብር፥ ተቐናቓኒ ቄሳር እዩ” ኢሎም ጫው ጫው በሉ። 13ጲላጦስ ነዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢየሱስ ናብ ደገ ወሲዱ፥ ኣብቲ ብዕብራይስጢ ገበታ ዝበሃል ፀፍፀፍ፥ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14ጊዜኡ ናይ ፋሲካ ምድላው፥ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ጲላጦስ ንኣይሁድ “እንሆ ንጉስኩም!” በሎም። 15ሽዑ ንሳቶም “ኣወግዶ! ኣወግዶ! ስቐሎ!” እናበሉ ጫው ጫው በሉ። ጲላጦስ ከዓ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ?” በሎም። እቶም ሊቃነ ካህናት ከዓ “ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ።
ኢየሱስ ከም ዝተሰቕለ
(ማቴ. 27፡32-44ማር. 15፡21-32ሉቃ. 23፡26-43)
16ሽዑ ንኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንኢየሱስ ድማ ሒዞም ወሰድዎ። 17መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ “ሓምሓም ርእሲ” ብዕብራይስጢ ድማ፥ “ጎልጎታ” ናብ ዝበሃል ስፍራ ወፀ። 18ኣብኡውን ሰቐልዎ፤ ምስኡ ኸዓ ኽልተ [ሸፋቱ] ሓደ በዙይ ሓደ ድማ በቱይ ሰቐሉ፤ ንኢየሱስ ከዓ ኣብ ማእኸሎም ሰቐልዎ። 19#ዮሓ. 18፡37። ጲላጦስ ድማ ፅሑፍ ፅሒፉ፥ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ፅሕፈቱ ድማ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል ነበረ። 20እታ ኢየሱስ ዝተሰቐለላ ስፍራ፥ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፥ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣንበብዎ። እቲ ፅሑፍ ብዕብራይስጢን ብላቲንን ብግሪክን ዝተፅሓፈ ነበረ። 21እቶም ናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት ንጲላጦስ “ንሱ ባዕሉ ‘ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ’ ኸም ዝበለ ደኣ እምበር፥ ‘ንጉስ ኣይሁድ እዩ’ ኢልካ ኣይትፅሓፍ” በልዎ። 22ጲላጦስ ከዓ “ዝፀሓፍኩ ፅሒፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።
23እቶም ወታደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፥ ነቲ ኽዳውንቱ ወሲዶም፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓድሓደ ምእንቲ ኽበፅሖም፥ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፤ ነቲ ቐሚሹውን ከምኡ። እቲ ቐሚሹ ግና፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፥ ስፋይ ኣይነበሮን። 24#መዝ. 22፡18። ንስንሳቶም ከዓ “ንዝበፅሐ ኽበፅሖስ፥ ዕፃ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፥ ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዙይ ከዓ “እቲ ኽዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ኣውደቑሉ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እቶም ወታደራት ከምዙይ ገበሩ።
25 # ማቴ. 27፡55። ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከዓ፥ እኖኡን ሓፍቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን፥ ማርያም መግደላዊትን፥ ደው ኢለን ነበራ። 26ኢየሱስ፥ ንኖኡን ነቲ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙሩን፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረአዮም፥ ንኖኡ፥ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እኒሆ ወድኺ” በላ። 27ነቲ ደቀ መዝሙር ከዓ “እኒሃትልካ እኖኻ!” በሎ። እቲ ደቀ መዝሙርውን፥ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ገዛኡ ወሰዳ።
ኢየሱስ ከም ዝሞተ
(ማቴ. 27፡45-56ማር. 15፡33-41ሉቃ. 23፡44-49)
28 # ዮሓ. 17፡4፥ መዝ. 69፡21። ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኵሉ ኸም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም “ፀማእኹ” በለ። 29ኣብኡ መፂፅ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ካብቲ መፂፅ ሰፍነግ መሊኦም፥ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ኣሲሮም፥ ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። 30ኢየሱስ ከዓ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈፀመ!” #19፡30 ተፈፀመ፦ ግእዝ “ኵሉ ተፈፀመ” ይብል። በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱውን ሃበ።
ኢየሱስ ጐድኑ ኸም ዝተወግአ
31 # ዘዳ. 21፡23። ድሕሪዙይ፥ ሽዑ ዓርቢ ናይ ሰንበት ምድላው ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲኣ ድማ፥ ክብርቲ በዓል ስለ ዝነበረት፥ እቶም ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሓድሩ፥ መምሕዅልቶም ሰቢሮም ንኸውርድዎም፥ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32ሽዑ እቶም ወታደራት መፂኦም፥ ምሕዅልቲ እቲ ቐዳማይን፥ ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። 33ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ግና፥ ድሮ ኸም ዝሞተ ሪኦም፥ ምሕዅልቱ ኣይሰበርዎን። 34ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና፥ ብዅናት ጐድኑ #19፡34 ጐድኑ፦ ኣብ ግእዝ “የማናይ ጐድኑ” ይብል። ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ። 35#ዮሓ. 20፡31፥ 21፡24። እቲ ነዙይ ዝረአየ መስከረ፤ እቲ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ፥ ንሱ ሓቂ ኸም ዝዛረብ ይፈልጥ እዩ። 36#ዘፀ. 12፡46፥ መዝ. 34፡20። እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን #19፡36 ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን፦ ግእዝ “ዓፅሙ ኣይትስበሩ” ይብል። እዩ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። 37#ዘካ. 12፡10። ካልእ ፅሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኽሪእዎ እዮም” ዝብል ኣሎ።
ኢየሱስ ከም ዝተቐበረ
(ማቴ. 27፡57-61ማር. 15፡42-47ሉቃ. 23፡50-56)
38 # ዮሓ. 12፡42። ድሕሪዙይ፥ ንኣይሁድ ብምፍራሕ፥ ብሕቡእ ናይ ኢየሱስ ደቀ መዝሙር ዝነበረ፥ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ንኽህቦ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከዓ ፈቐደሉ፤ ንሱውን ከይዱ ነቲ ስጋ ኢየሱስ ወሰዶ። 39#ዮሓ. 3፡1-2። እቲ ቕድም ብለይቲ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን፥ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ግራም #19፡39 ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ግራም፦ “ሚእቲ ነጥሪ” ይኸውን። ዝኣክል ከርበ ምስ ሽቱ ዝተሓዋወሰ ሒዙ መፀ። 40ንስጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከዓ፥ ከምቲ ልማድ ኣገናንዛ ኣይሁድ፥ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ። 41ኣብቲ ጥቓ ዝተሰቐለሉ ቦታ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸዓ፥ ሰብ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ። 42እቲ ዕለት በዓል ምድላው ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እቲ መቓብርውን ቀረባ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ቐበርዎ።

Atualmente Selecionado:

ዮሃንስ 19: ትመ15

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login