Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ዮሃንስ 18

18
ይሁዳ ንኢየሱስ ከም ዘትሓዞ
(ማቴ. 26፡47-56ማር. 14፡43-50ሉቃ. 22፡47-53)
1ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ማዕዶ ሩባ ቄድሮን ሰጊሩ፥ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ። 2#ሉቃ. 21፡37። ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን፥ ኣብኣ ብዙሕ ጊዜ ይእከቡ ስለ ዝነበሩ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ይሁዳ ኸዓ፥ ነታ ቦታ ይፈልጣ ነበረ። 3ስለዙይ ይሁዳ፥ ነቶም ሓደ ኽፋል ወታደራትን፥ ሓሻኽር ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን፥ መሪሑ መፀ፤ ንሳቶም ፋኑሳትን ዝነድድ ሽግን ኣፅዋርን ሒዞም ነበሩ። 4ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ዅሉ ዝመፆ ዘሎ ነገራት ፈሊጡ፥ ናብኣቶም ወፀ እሞ፥ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም። 5ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ነበረ። 6#ዮሓ. 7፡45-46። ሽዑ “ኣነ እየ” ምስ በሎም እናድሐርሐሩ ናብ ምድሪ ወደቑ። 7መሊሱ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ” በልዎ። 8ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየዶ እብለኩም ኣየለኹን? እምበኣር ንኣይ ካብ ደለኹም፥ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም። 9#ዮሓ. 6፡39። እዙይ ከዓ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደኳ ኣየጥፋእኹን” #18፡9 ኣየጥፋእኹን፦ ግእዝ “ኣይጠፍአን” ይብል። ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። 10ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ሰይፊ ስለ ዝነበሮ፥ ሰይፉ መዚዙ፥ ነቲ ሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረፆ። ስም እቲ ሓሽከር ከዓ ማልኮስ ነበረ። 11#ማቴ. 26፡42። ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለስ፤ ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትዮን ድየ?” በሎ።
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሃና
(ማቴ. 26፡57-58ማር. 14፡53-54ሉቃ. 22፡54)
12ሽዑ እቶም ክፋል ወታደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ሓሻኽር ኣይሁድን ንኢየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። 13ሃና፥ ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ፥ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣቐዲሞም ናብኡ ወሰድዎ። 14#ዮሓ. 11፡49፥56። ቀያፋ ኸዓ እቲ “ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብ እንተ ሞተ ይሐይሽ” ኢሉ ንኣይሁድ መኺሩዎም ዝነበረ እዩ።
ክሕደት ጴጥሮስ
(ማቴ. 26፡69-70ማር. 14፡66-68ሉቃ. 22፡55-57)
15ስምኦን ጴጥሮስን ሓደ ኻልእ ደቀ መዝሙርን፥ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር በቲ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ፥ ምስ ኢየሱስ ናብ መረባ ሊቀ ካህናት ኣተወ። 16ጴጥሮስ ግና ብወፃኢ ኣብ ኣፍ ደገ፥ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ ኣብ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ዝነበረ ኻልእ ደቀ መዝሙር ከዓ ወፀ እሞ፥ ነታ ሓላዊት በሪ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። 17ሽዑ እታ በሪ እትሕሉ ገረድ ንጴጥሮስ “ንስኻ ኻብ ደቀ መዛሙርት እዝ ሰብ እዙይዶ ኣይኮንካን?” በለቶ። ንሱ ግና “ኣይኮንኩን!” በለ። 18ቍሪ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሓሻኽርን ኣገልገልትን፥ ሓዊ ኣንዲዶም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምስኣቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።
ሊቀ ካህናት ንኢየሱስ ከም ዝመርመሮ
(ማቴ. 26፡59-66ማር. 14፡55-64ሉቃ. 22፡66-71)
19ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ንኢየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ጠየቖ። 20#ዮሓ. 7፡14፥ 8፡2። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንዓለም ብገሃድ እየ ዝተዛረብኩ፤ ኵልሻዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድን #18፡20 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ቤተ መቕደስን፥ እምህር ነበርኩ፤ ብሕቡእ ዝተዛረብክዎ ሓደኳ የብለይን። 21ንምንታይከ ንኣይ ትጥይቐኒ? ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ዝነበሩ ጠይቆም። እንሆ ንሳቶም፥ ነቲ ኣነ ዝተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም።” 22እዙይ ምስ በለ፥ ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓሻኽር ሊቀ ካህናት ሓደ “ንሊቀ ካህናትስ ከምዙይ ኢልካ ኽትምልሰሉ?” ኢሉ ንኢየሱስ ገፁ ፀፍዖ። 23ኢየሱስ ድማ “ክፉእ እንተ ተዛሪበ፥ ክፉእ ምዃኑ መስክር፤ ፅቡቕ እንተ ተዛሪበ ግና፥ ንምንታይ ትወቕዐኒ?” በሎ። 24ሃና ኸዓ ናብ ሊቀ ካህናት ቀያፋ፥ ብእሱሩ ሰደዶ።
ጴጥሮስ ንኻልኣይን ንሳልሳይን ጊዜ ኸም ዝኸሓደ
(ማቴ. 26፡71-75ማር. 14፡69-72ሉቃ. 22፡58-62)
25ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ ደው ኢሉ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ፥ ካልኦት ሰባት “ንስኻ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት ኢየሱስዶ ኣይኮንካን ኢኻ?” በልዎ፤ ንሱ ግና ኣይኮንኩን ኢሉ ኸሓደ። 26ሓደ ኻብቶም ሓሻኽር ሊቀ ካህናት፥ ናይቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረፆ ዘመድ ዝኾነ፥ “ኣብቲ ናይ ኣታኽልቲ ቦታዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይረአኹኻን?” በሎ። 27#ዮሓ. 13፡38። ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ኸሓደ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደርሆ ነቀወ።
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ
(ማቴ. 27፡1-211-14ማር. 15፡1-5ሉቃ. 23፡1-5)
28ሽዑ ንኢየሱስ ካብ ቀያፋ፥ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፤ ንግሆ ድማ ነበረ። ኣይሁድ ምእንቲ በጊዕ ፋሲካ ኽበልዑ፥ ከይረኽሱ ኢሎም ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን። 29ስለዙይ ጲላጦስ ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ “ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንምንታይ ኢኹም እትኸስዎ ዘለኹም?” በሎም። 30ንሳቶም ድማ “እዙይ ገባሪ ክፉእ እንተ ዘይኸውንስ፥ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን ኔርና” ኢሎም መለሱሉ። 31#ዮሓ. 3፡14፥ 19፡6። ሽዑ ጲላጦስ “ንስኻትኩም ወሲድኩም፥ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩም ፍረድዎ” በሎም። ኣይሁድ ከዓ “ንኣናስ ሓደኳ ኽንቀትል ኣይተፈቐደልናን” በልዎ። 32እዙይ ከዓ እቲ ኢየሱስ፥ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ኸመልክት ኢሉ፥ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
33ጲላጦስ መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣተወ፤ ንኢየሱስ ፀዊዑ ኸዓ “ንስኻ ናይ ኣይሁድ ንጉስ ዲኻ?” በሎ። 34ኢየሱስ ድማ “እዝ ትዛረቦ ዘለኻ ኻብ ባዕልኻ ዲኻ፥ ወይ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢዮም?” ኢሉ መለሰሉ። 35#ዮሓ. 19፡11። ጲላጦስ ከዓ “ኣነ ኣይሁዳዊ ድየ? ወገናትካን ሊቃነ ካህናትን እዮም፥ ናባይ ኣሕሊፎም ዝሃቡኻ፤ እንታይ ጌርካ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። 36#ዮሓ. 6፡15። ኢየሱስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን፤ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ እትኸውንስ፥ ናብ ኣይሁድ ከይወሃብ፥ ወታደራተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕዚ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን” ኢሉ መለሰ። 37#ዮሓ. 3፡32፥ 8፡47፥ 14፡17፥ ራእይ 11፡15። ጲላጦስ ድማ “እምበኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንጉስ ምዃነይ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ። #18፡37 ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፦ ግእዝ “ንስኻ ትብል ኣለኻ” ይብል። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፤ ምእንቲ እዙይውን እየ ናብ ዓለም ዝመፃእኹ፤ ካብ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ፥ ቃለይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 38#ዮሓ. 14፡6፥ ማቴ. 27፡15፥26፥ ማር. 15፡6-15፥ ሉቃ. 23፡17-29፥ ዮሓ. 19፡4፥6። ጲላጦስ ድማ “ሓቂኸ እንታይ እዩ?” በሎ። እዙይ ኢሉ፥ መሊሱ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን። 39እንተ ኾነ፥ ንኣኻትኩም በብፋሲካ፥ ሓደ እሱር ክፈትሐልኩም ልማድ ኣለኩም። ስለዙይ ነዝ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም። 40#ግ.ሓ. 3፡14። ሽዑ ንሳቶም መሊሶም “ነዝ ሰብ እዙይ ዘይኮነስ፥ ንበርባን ፍትሐልና!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን ግና ሽፍታ #18፡40 ሽፍታ፦ ግእዝ “ሓለቓ ሸፋቱ” ይብል። ዝነበረ እዩ።

Atualmente Selecionado:

ዮሃንስ 18: ትመ15

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login