Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ግብሪ ሃዋርያት 9

9
ሳውል ብክርስቶስ ከም ዝኣመነ
(ግ.ሓ. 22፡6-1626፡12-18)
1ሳውል ግና ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፥ “ክቐትሎም እየ” ኢሉ እናተሓነየ፥ ናብቲ ሊቀ ካህናት ከደ። 2ዝኾነ ይኹን፥ ነቶም መንገዲ ጐይታ ዝስዕቡ ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ረኸበ ድማ፥ እናኣሰረ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእሎ፥ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ዝበፅሕ፥ ናይ ፍቓድ መልእኽቲ፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ለመነ። 3#1 ቆሮ. 9፡1፥ 15፡8። ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ ናብ ከተማ ደማስቆ ቐረበ፤ ብድንገት ድማ፥ ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ኣንፀባረቐ። 4#ሉቃ. 10፡16። ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ። 5ንሱ ድማ “ጐይታይ፥ መን ኢኻ?” በሎ፤ ጐይታ ኸዓ “ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ኢየሱስ #9፡5ኢየሱስ፦ ግእዝ “ናዝራዊ ኢየሱስ” ይብል። እየ። በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ” በሎ። 6ንሱ ኸዓ ፈሪሑ እናንቀጥቀጠ “ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ?” በሎ። ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፤ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብአካውን፥ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም” በሎ። 7እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ፥ ድምፂ እናሰምዑ ሓደኳ ብዘይምርኣዮም ገሪምዎም ደው በሉ። 8ሳውል ድማ ኻብቲ ዝወደቐሉ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ፤ እንተ ኾነ ኽርኢ ኣይከኣለን፤ ስለዙይ ብኢዱ እናመርሑ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። 9እንተይረአየን እንተይበልዐን እንተይሰተየን ድማ፥ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።
10ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ሓደ ሓናንያ ዝስሙ ደቀ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ “ሓናንያ” ኢሉ ፀውዖ፤ ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ። 11ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ፥ ናብታ ቕንዕቲ ተብሂላ እትፅዋዕ መንገዲ ኺድ፤ ሳውል ዝበሃል ሰብኣይ በዓል ጠርሴስ ይፅሊ ኣሎ እሞ፥ ኣብ እንዳ ይሁዳ ድለዮ፤ 12ብራእይ ሓናንያ ዝበሃል ሰብ ናብኡ ኣትዩ፥ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ እንተንብረሉ፥ ኣዒንቱ ኸም ዝሪኣ፥ ብራእይ ተገሊፁሉ ኣሎ” በሎ። 13ሓናንያ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ብዛዕባ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፥ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ። 14ናብዙይ ድማ፥ ነቶም ስምካ ዝፅውዑ ዅሎም ክኣስር፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተውሂብዎ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። 15ጐይታ ግና “ኪድ ደኣ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ህዝቢ እስራኤልን፥ ስመይ ክፀውር ዘለዎ፥ ናተይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ። 16#ግ.ሓ. 13፡2፥16፥ 17፡1-2፥ 25፡22፥ ሮሜ 1፡5፥ 2 ቆሮ. 11፡23፥ ገላ. 1፡16፥ ኤፌ. 3፡8፥ ቈላ. 1፡24፥ 1 ጢሞ. 2፡7። ምእንቲ ስመይውን፥ ብዙሕ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ ኸርእዮ እየ” በሎ። 17ሓናንያ ኸዓ፥ ከይዱ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ “ሳውል ሓወይ፥ እቲ ኽትመፅእ እንተለኻ፥ ኣብ መንገዲ ዝተርኣየካ ጐይታ ኢየሱስ፥ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ። 18ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ረጊፉ ወደቐ #9፡18 ኣብ ግእዝ “ኣዒንቱ ተኸፈታሉ” ዝብል ይርከብ። እሞ ረአየ፤ ተሲኡውን ተጠመቐ። 19ምግቢ ምስ በልዐ ድማ በርትዐ።
ሳውል ኣብ ደማስቆ
ሳውል ከዓ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት፥ ንቑሩብ መዓልቲ ተቐመጠ። 20#ሮሜ 1፡4፥ 1 ዮሓ. 4፡15። ሽዑ ድማ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #9፡20 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ። 21#ገላ. 1፡23። እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ፥ “እዙይ ደኣ፥ እቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ስም ኢየሱስ ዝፅውዑ ዅሎም፥ ዘሳጕግ ዝነበረዶ ኣይኮነን? ናብዙይ መፂኡ ዘሎስ፥ ንኣኣቶም እናኣሰረ ናብ ሊቃነ ካህናት ምእንቲ ኽወስዶምዶ ኣይኮነን?” እናበሉ ተገረሙ። 22#ግ.ሓ. 5፡28። ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፤ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ኢየሱስ ብሓቂ፥ እቲ ክርስቶስ ከም ዝኾነ እናረድአ ይረትዖም ነበረ።
23ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ኣይሁድ ንሳውል ክቐትልዎ ሓቢሮም ተማኸሩ። 24ንሱ ግና ኽቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ ፈለጠ፤ ንሳቶም ድማ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ነቲ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ፥ ለይትን መዓልትን ይሕልውዎ ነበሩ። 25#2 ቆሮ. 11፡32-33። እንተ ኾነ፥ እቶም ደቀ መዛሙርት ብለይቲ ወሲዶም፥ ኣብ ቅርጫት ገይሮም ብቕፅሪ ኣውረድዎ።
ሳውል ኣብ ኢየሩሳሌም
26 # ገላ. 1፡18። ሳውል ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርት ክሕወስ ፈተነ፤ ንሳቶም ግና፥ ደቀ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመኑ ዅላቶም ፈርሕዎ። 27በርናባስ ግና፥ ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምፅኦ፤ ጐይታ ኣብ መንገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝተርኣዮን ከም ዝተዛረቦን፥ ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ብስም ኢየሱስ ከመይ ገይሩ፥ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም። 28ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፥ ምስኣቶም ይኣቱን ይወፅእን ነበረ። 29ምስቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ ድማ፥ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ፤ ንሳቶም ግና ኽቐትልዎ ደለዩ። 30እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፤ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ።
31 # ግ.ሓ. 2፡47። ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥ #9፡31 ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፦ ግእዝ “ዝነበራ ቤተ ክርስቲያናት” ይብል። ሰላም ረኺባ ተሃንፀት፤ ብፍርሓት እግዚኣብሄር እናተመላለሰት፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተፀናንዐት፥ ትበዝሕ ነበረት።
ጴጥሮስ ንኤንያ ኸም ዘሕወዮ
32ጴጥሮስ ኣብ ኵሉ ኽዘውር እንተሎ፥ ናብቶም ኣብ ልዳ ዝነብሩ ቅዱሳን ወረደ። 33ኣብኡ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ዓራት ደቂሱ ዝነብር ሓደ ኤንያ ዝስሙ መፃጕዕ ረኸበ። 34#ማቴ. 9፡6-7፥ ግ.ሓ. 3፡6፥16፥ 11፡21። ጴጥሮስ ድማ “ኤንያ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕውዩካ ኣሎ፤ ተስእ፥ ዓራትካ ኣንፅፍ” #9፡34 ኣንፅፍ፦ ግእዝ “ኣልዕል” ይብል። በሎ። ሽዑ ንሽዑ ተስአ። 35ኵሎም ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዝነብሩ ከዓ፥ ንእኡ ሪኦም ናብ ጐይታ ተመለሱ።
ጴጥሮስ ንጣቢታ ኻብ ሞት ከም ዘተስኣ
36ኣብ ከተማ ኢዮጴ ድማ፥ ጣቢታ #9፡36 ጣቢታ፦ ብኣራማይስጢ፥ ብግሪክ ድማ ዶርቃስ፥ “ድኵላ” ማለት እዩ። እትበሃል ኣማኒት ነበረት፤ ትርጕሙ ድማ፥ ድኵላ ማለት እዩ፤ ንሳ ኸዓ ሰናይ ምግባርን፥ ምፅዋት ምሃብን ተዘውትር ነበረት። 37በቲ ቕነ እቱይ ሓሚማ ሞተት፤ ሓፂቦም ድማ ኣብ ደብሪ ኣንበርዋ። 38ከተማ ልዳ ንኢዮጴ ቀረባ ነበረት፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ከዓ፥ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፥ ክልተ ሰባት ልኢኾም እንተይደንጐየ ኽመፆም ለመንዎ። 39ሽዑ ጴጥሮስ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ ናብ ደብሪ ኣደየብዎ፤ ኵለን እተን መበለታት ከዓ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢለን እናበኸያ፥ እቲ ጣቢታ ብህይወት ምስኣተን እንተላ ብኢዳ ዝኣለመቶ #9፡39 ብኢዳ ዝኣለመቶ፦ ግእዝ “ዝኸደነተን” ይብል። ቐማውሽን ክዳውንትን ኣርአያኦ። 40#2 ነገ. 4፡33፥ ማር. 5፡40-41። ሽዑ ጴጥሮስ ንዅሎም ንደገ ኣውፂኡ፥ ተንበርኪኹ ፀለየ፤ ናብቲ ሬሳኣ ቘላሕ ኢሉ ኸዓ “ጣቢታ፥ ተስኢ” በላ፤ ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ ንጴጥሮስ ረአየቶ፤ ተሲኣውን ኮፍ በለት። 41ንሱ ኸዓ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኣ፤ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ፀዊዑ ድማ፥ ብጥዒታ ሃቦም። 42እዙይ ኣብ ኵሉ ኢዮጴ ተፈለጠ፤ ብዙሓት ከዓ ብጐይታ ኣመኑ። 43ጴጥሮስ ድማ፥ ኣብ ኢዮጴ ምስ ሓደ እንዳ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ስምኦን ዝስሙ፥ ንብዙሕ መዓልቲታት ተቐመጠ።

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login