ግብሪ ሃዋርያት 10
10
ጴጥሮስን ቆርኔሌዎስን
1ኣብ ቂሳርያ “ኢጣልያዊ #10፡1 ኢጣልያዊ፦ ግእዝ “ኢጣሊቄ” ይብል። ጭፍራ” ንዝበሃል ክፍሊ ሰራዊት ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ፥ ቆርኔሌዎስ ዝተብሃለ ሰብ ነበረ። 2ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ። 3ብታሽዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ፥ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ብገሃድ ተርኣዮ፤ ናብኡ ኣትዩ “ቆርኔሌዎስ” በሎ። 4ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤ 5ሕዚ ኸዓ ናብ ኢዮጴ ሰባት ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ። 6ንሱ ምስቲ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ገዛኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፥ ጋሻ ኾይኑ ኣትዩ ኣሎ” በሎ። #10፡6 ኣብ ግእዝ “ክትገብሮ ዝግብአካ ንሱ ኽነግረካ እዩ” ዝብል ይርከብ። 7እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸዓ፥ ካብቶም ሓሻኽሩ ኽልተ፥ ካብቶም ዝሕልውዎ ወታደራት ከዓ፥ ሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀውዐ እሞ፥ 8ነቲ ዝኾነ ነገራት ኣረዲኡ፥ ናብ ኢዮጴ ለኣኾም።
ንጴጥሮስ ዝተርኣዮ ራእይ
9ብፅባሒቱ ንሳቶም ከይዶም፥ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በፅሑ፥ ጴጥሮስ ብሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ፥ ክፅሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። 10ሽዑ ስለ ዝጠመየ ኽበልዕ ደለየ፤ ምሳሕ ኸዳልዉሉ እንተለዉ ኸዓ ተመሰጠ። 11እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፊቱ፥ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል ነገር፥ ናብ ምድሪ ኣቢሉ እንትወርድ ረአየ። 12ኣብኡ ኸዓ ዅሎም ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኣራዊትን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ። 13ሽዑ “ጴጥሮስ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ” ዝብል ድምፂ መፆ። 14#ዘሌ. 11፡1-47። ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታ፥ ኣይኸውንን፤ ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን” #10፡14 ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን፦ ግእዝ “ርኹስ ነገር ናብ ኣፈይ ፈፂሙ ኣትዩ ኣይፈልጥን” ይብል። በለ። 15#ዘፍ. 1፡31፥ 9፡3፥ ማቴ. 15፡11፥ ሮሜ 14፡14፥ 1 ጢሞ. 4፡4፥ ቲቶ 1፡15። መሊሱ ድማ ንኻልኣይ ጊዜ “ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ፥ ንስኻ ‘ኣይተርክሶ’ ” ዝብል ድምፂ መፆ። 16እዝ ነገር እዙይ ሰለስተ ሻዕ ኾነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ እቲ መጋረጃ ናብ ሰማይ ተወሰደ።
17ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዝረአዮ ራእይ፥ “እንታይ ኮን ይኸውን” እናበለ ብልቡ ኽጭነቕ እንተሎ፥ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ ዝተልኣኹ ሰባት “እንዳ ስምኦን ኣበይ እዩ” ኢሎም እናጠየቑ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ። 18ፀዊዖም ድማ፥ እቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ጋሻ፥ ኣብኡ እንተ ሃልዩ ጠየቑ። 19ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ራእይ ከስተንትን እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ “እንሆ ሰለስተ ሰባት ይደልዩኻ ኣለዉ፤ 20ኣነ እየ ልኢኸዮም እሞ፥ ተሲእኻ ውረድ፤ እንተይተጠራጠርካውን ምስኣቶም ኪድ” በሎ። 21ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፥ “እንሆ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብ ኣነ እየ፤ ስለ ምንታይ መፃእኹም?” በሎም። 22ንሳቶም ድማ “ቆርኔሌዎስ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ዝተመስከረሉ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ፃድቕ ሰብኣይ፥ ናብ ገዛኡ ኽፅውዐካ፥ ካባኻ ድማ ቓል ክሰምዕ፥ ብቕዱስ መልኣኽ ተነጊርዎ ኣሎ” በልዎ። 23ሽዑ ጴጥሮስ ተቐቢሉ፥ ኣብ ገዛ ኣሕደሮም።
ብፅባሒቱ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ካብ ኢዮጴ ኸዓ፥ ውሑዳት ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ። 24ብፅባሒቱ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከዓ፥ ኣዝማዱን ዝኣምኖም ፈተውቱን ኣኪቡ፥ ይፅበዮም ነበረ። 25ጴጥሮስ ክኣቱ እንተሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፤ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ድማ ሰገደሉ። 26#ግ.ሓ. 14፡14-15፥ ራእይ 19፡10። ጴጥሮስ ግና “ተስእ፤ ኣነውን ከማኻ ሰብ እየ” እናበለ ኣተስኦ። 27ምስኡ እናተዛረበ ኣተወ፤ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ረኸበ። 28#ግ.ሓ. 15፡8-9፥ ኤፌ. 3፡6። “ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብ፥ ምስ ካልእ ህዝቢ ኽሕወስ ወይ ናብ ገዛኣቶም ክኣቱ፥ ግቡእ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና፥ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፅየፍ፥ ወይ ‘ርኹስ እዩ’ ኸይብል እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ። 29ምእንቲ እዙይ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፥ ሰጋእ እንተይበልኩ መፂአ ኣለኹ፤ እስኪ ንገሩኒ፥ ንምንታይ ኢኹም ዝፀዋዕኹምኒ?” በሎም።
30ቆርኔሌዎስ ድማ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ከምዛ እዋን እዚኣ ብታሽዐይቲ ሰዓት፥ ኣብ ገዛይ እፅሊ ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዘንፀባርቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለሞ፥ 31‘ቆርኔሌዎስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑ፤ ምፅዋትካ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሪጉ እዩ። 32ስለዙይ ናብ ኢዮጴ ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ። ንሱ ኣብታ ገምገም ባሕሪ ዘላ ቤት፥ እንዳ እቲ ቘርበት ዘልፍዕ ስምኦን ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ምስ መፀ #10፡32 ንሱ ምስ መፀ፦ ግእዝ “ንሱ እትድሕነሉ መንገዲ” ይብል። ኽነግረካ እዩ’ በለኒ። 33ሽዑ ኸዓ ናባኻ ለኣኽኩ፤ ንስኻ ድማ፥ ብምምፃእኻ ፅቡቕ ገበርካ። ሕዚ ኸዓ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተኣዘዝካዮ ዅሉ ምእንቲ ኽንሰምዕ፥ ኵላትና ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር #10፡33 ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር፦ ግእዝ “ኣብ ቅድሜኻ” ይብል። ኣብዙይ እኒሀና” በሎ።
ጴጥሮስ ዘስምዖ ስብከት
34-35 #
ሮሜ 2፡11፥26፥ 3፡22፥29፥ 10፡12፥ ገላ. 3፡28። ሽዑ ጴጥሮስ፦ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ቅንዕና ዝገብርን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እምበር፥ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ፥ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ። 36#ኢሳ. 57፡19፥ ኤፌ. 2፡14፥ ራእይ 19፡16። እግዚኣብሄር በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሰረ፥ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤ 37#ሉቃ. 4፡14። እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት፥ ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ይሁዳ ዝኾነ ነገር፥ ትፈልጥዎ ኢኹም። 38#ማቴ. 3፡16፥ ሉቃ. 4፡18፥ ዮሓ. 3፡2፥34፥ 1 ዮሓ. 3፡8። እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 39#ግ.ሓ. 2፡23፥32። ንሕና ኸዓ፥ ናይቲ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝገበሮ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። 40#ግ.ሓ. 2፡24፥ 3፡15፥ 1 ቆሮ. 15፡4-7። እግዚኣብሄር ግና፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተስኦ፤ ብገሃድ ንኽግለፅውን ሃቦ። 41#ዮሓ. 14፡22፥ 21፡13፥ ግ.ሓ. 13፡31። ንሱ ዝተገልፀ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዘይኮነስ፥ ነቶም መሰኻኽር ምእንቲ ክኾኑ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንዝሓረዮም፥ ንኣና እዩ እምበር፤ ካብ ምዉታን ድሕሪ ምትሳኡ፥ #10፡41 ኣብ ግእዝ “ኣርብዓ መዓልቲ” ዝብል ይርከብ። ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናንውን ንሕና ኢና። 42#ማቴ. 28፡19-20፥ ዮሓ. 5፡22፥ ሮሜ 14፡9፥ 2 ቆሮ. 5፡10፥ 1 ጴጥ. 4፡5። እግዚኣብሄር ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ዝመደቦ፥ ንሱ ምዃኑ፥ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። 43#ኢሳ. 53፡5፥ ኤር. 31፡34፥ ሕዝ. 34፡16፥ ሚክ. 7፡17-19፥ ግ.ሓ. 26፡18። ብእኡ ዝኣምን፥ ብስሙ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረክብ፥ ኵሎም ነቢያት መሰኻክሩ እዮም” በሎም።
መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ዝኣመኑ ኣህዛብ ከም ዝወረደ
44ጴጥሮስ ገና ነዝ ነገር እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ ኣብቶም ነዝ ቓል እዙይ ዝሰምዑ ዅላቶም፥ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። 45-46#ገላ. 3፡14። እቶም ካብ ወገን ግርዘት ዝኾኑ፥ ምስ ጴጥሮስ ዝመፁ ኣመንቲ፥ እቶም ኣህዛብ ብቛንቋታት ክዛረቡን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ስለ ዝሰምዑ፥ ንኣህዛብ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተውሃቦም ተገረሙ። 47ሽዑ ጴጥሮስ “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፥ ብማይ ከይጥመቑ ክኽልክሎም ዝኽእል ደኣ መን እዩ?” በለ። 48ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ድማ ኣዘዞም፤ ድሕሪዙይ ንቑሩብ መዓልቲ ምስኣቶም ክቕኒ ንጴጥሮስ ለመንዎ።
Atualmente Selecionado:
ግብሪ ሃዋርያት 10: ትመ15
Destaque
Compartilhar
Copiar
Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login