ግብሪ ሃዋርያት 3
3
ብስም ኢየሱስ ዝሓወየ መፃጕዕ
1 #
ግ.ሓ. 2፡46። እንሆ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን፥ ብታሽዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ፀሎት፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ። 2ካብ ዝውለድ ጀሚሩ፥ መፃጕዕ ዝኾነ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትዉ ምፅዋት ምእንቲ ኽልምን ከዓ፥ ፆይሮም ዕለት ዕለት፥ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ፥ የቐምጥዎ ነበሩ። 3ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ምስ ረአዮም፥ ክምፅውቱሉ ለመኖም። 4ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኮይኑ፥ ናብኡ ኣተኵሩ እናጠመተ፥ “ናባና ጠምት” በሎ። 5ንሱ ኸዓ ኻብኣቶም ምፅዋት ዝረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም። 6#ማቴ. 10፡8-9። ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና ኽህበካ እየ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተስእ እሞ ተመላለስ!” በሎ። 7ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙውን ኣተስኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ፀንዐ። 8ብድድ ኢሉ ኸዓ ደው በለ እሞ ኽመላለስ ጀመረ። እናተመላለሰን እናዘለለን ንእግዚኣብሄርውን እናመስገነን፥ ምስኣቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። 9ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ብእግሩ እናኸደን፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነን ረአይዎ። 10ንሱ እቲ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ፥ ምፅዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር፥ ተደነቑን ተገረሙን።
ጴጥሮስ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሃቦ መልእኽቲ
11እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓቢሩ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ “ገበላ ሰሎሞን” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጐየዩ። 12#ግ.ሓ. 14፡15። ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም? 13#ዘፀ. 3፡6፥ ዮሓ. 19፡15። ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንወዱ #3፡13 ንወዱ፦ ወይ “ንኣገልጋሊኡ” ኢየሱስ ኣኽበሮ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ ጲላጦስ ‘ይፈታሕ’ ኢሉ ዝፈረደሉ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎ፤ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከዓ ኸሓድኩምዎ። 14#ሉቃ. 23፡18፥ ግ.ሓ. 7፡52፥ 1 ዮሓ. 2፡1። ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ፃድቕን ክሒድኩም፥ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኽፍትሐልኩም፥ ለመንኩም። 15#ግ.ሓ. 2፡24፥32። ነቲ ወሃብ ህይወት ድማ ቐተልኩምዎ፤ ንእኡ ግና እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ኣተስኦ፤ ንሕና ኸዓ ነዙይ ምስክር ኢና። 16#ማቴ. 9፡22። ብስሙ ብምእማን፥ ነዝ እትሪእዎን እትፈልጥዎን ሰብ ኣፅንዖ። እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅልኻትኩም፥ ምሉእ ጥዕና ሃበቶ። 17#1 ቆሮ. 2፡8። ሕዚ ድማ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም፥ ነዙይ ብዘይ ምፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣለኹ። 18#ሉቃ. 24፡44፥46። እግዚኣብሄር ግና ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈፀሞ። 19#ግ.ሓ. 5፡31፥ ኢሳ. 55፡7። እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥ 20ነቲ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ዝሓረዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽሰደልኩም፥ ተነስሁን ተመለሱን። 21ከምቲ ዝተነግረኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፥ ሰማይ ንእኡ ኽቕበሎ ይግባእ እዩ። #3፡21 ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፦ ግእዝ “ንዅሉ ኽሳዕ ዘቕንዕ እዩ” ይብል። 22ሙሴውን #3፡22 ሙሴውን፦ ግእዝን ገሊኣቶም ብራናታትን “ሙሴውን ነቦታትና” ይብሉ። ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንኣይ ዘተስአኒ፥ ካብ ኣሕዋትኩም ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ኵሉ እቲ ንሱ ዝብለኩም ከዓ ስምዕዎ። 23#ዘዳ. 18፡15፥18፥19። እንሆ ዅላ እታ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ዘይትሰምዕ ነፍሲ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ኽትንቀል እያ’ በለ። 24#1 ጴጥ. 1፡10። ኵላቶም ነቢያት፥ ካብ ሳሙኤል #3፡24 ሳሙኤል፦ ግእዝ “ነቢይ ሳሙኤል” ይብል። ጀሚሮም፥ ክሳዕ እቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን እዮም ዝተናገሩ። 25#ዘፍ. 22፡18፥ ሮሜ 9፡4፥ ገላ. 3፡8። ንስኻትኩም ውሉድ ነቢያትን፥ ውሉድ እቲ እግዚኣብሄር ዝሰርዖ ስርዓትን ኢኹም። ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ፥ ውሉድ ኪዳን ኢኹም። 26#ኢሳ. 59፡20፥ ማቴ. 1፡21፥ ግ.ሓ. 13፡46። እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
Atualmente Selecionado:
ግብሪ ሃዋርያት 3: ትመ15
Destaque
Compartilhar
Copiar
Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login