Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ግብሪ ሃዋርያት 2

2
መንፈስ ቅዱስ ከም ዝወረደ
1 # ዘዳ. 16፡9-10። ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፥ ድሕሪ ፋሲካ ዝውዕል በዓል ጰንጠቆስጤ፥ #2፡1 በዓል ጰንጠቆስጤ፦ “በዓለ ሓምሳ” ማለት እዩ። ዅላቶም ሓቢሮም እንተለዉ፥ 2#ዮሓ. 3፡8፥ 20፡22፥ ግ.ሓ. 4፡31። ብድንገት ከም ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ መፀ። ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ። 3ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርኣዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐመጠ። 4#ማር. 16፡17፥ ግ.ሓ. 10፡46፥ 19፡6፥ 1 ቆሮ. 12፡10። ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ #2፡4 መንፈስ ቅዱስ፦ ግእዝ “መንፈስ ሓይሊ” ይብል። መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።
5ኣብ ዓለም#2፡5 ኣብ ዓለም፦ ግእዝ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ” ይብል። ካብ ዘለዉ ሃገራት ኣህዛብ ዝመፁ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ#2፡5 ግእዝ “ሕያዎት” ይብል። ኣይሁድ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ። 6#ዘፍ. 11፡9። እዝ ድምፂ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ነፍሲ ወከፎም፥ በብቛንቋኣቶም ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ኸዓ ተገረሙ። 7ኵላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ “እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን? 8ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና፥ በብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ፥ እንትዛረቡ ንሰምዖም ኣለና? 9ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መስጴጦምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዝነብሩ፥ 10ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብፅን ኣብ ከባቢ ቀሬና ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮሜ ዝመፃእና ኣይሁድን፥ ናብ ይሁዲነት ዝኣተና ወገናት ኣህዛብን፥ 11ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና፥ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሄር፥ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” በሉ። 12ኵላቶም ደንጊፆም ዝብልዎ ጠፊእዎም ከዓ ንስንሳቶም “እዝ ነገር እዙይስ እንታይ ኮን ይኸውን!” ተበሃሃሉ። 13ገሊኣቶም ግና እናላገፁሎም “እዚኣቶም ጕዕሽ ወይኒ ሰትዮም፥ ሰኺሮም እዮም” እናበሉ ሰሓቕዎም።
ጴጥሮስ ዘስምዖ መልእኽቲ
14ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ተሲኡ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ እቲ ዝኾነ ነገር ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ፅን ኢልኩም ስምዑኒ። 15ከምቲ ንኣኻትኩም ዝመሰለኩም፥ እዚኣቶም ሰኺሮም ኣይኮኑን፤ ገና ሰለስተ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩ እሞ። 16እዙይ ግና፥ ከምቲ ነቢይ ኢዩኤል ዝበሎ እዩ፦
17‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ
ይብል እግዚኣብሄር፦
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤
ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥
ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥
ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።
18እወ፥ በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት እቲኣተን፥
ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልተይ፥ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤
ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።
19ኣነ ድማ፥ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፥
ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸዓ፥
ምልክት ደምን ሓዊን ጣቓን ክገብር እየ።
20 # ኢዩ. 2፡28-32። እታ ዓባይን እተገርምን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥
ፀሓይ ናብ ፀልማት፥
ወርሒ ኸዓ፥ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
21ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’
22 # ዮሓ. 5፡36። “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዝ ነገር እዙይ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ በቲ እግዚኣብሄር ብእኡ፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ምልክትን፥ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ነይሩ። 23#ዮሓ. 19፡11፥ ግ.ሓ. 3፡18፥ 5፡30። ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ ሓጢኣተኛታት፥ ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። 24#ግ.ሓ. 3፡15፥ ሮሜ 8፡11፥ 1 ጴጥ. 1፡21። ሞት ሒዙ ኸፅንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር መእሰሪ ሞት ፈቲሑ ኣተስኦ። 25ዳዊትውን ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል፦
‘ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ፤
ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸዓ ኣይናወፅን እየ፤
26ስለዙይ ልበይ ተሓጐሰ፤ ልሳነይ ከዓ ዕልል በለት፤
ስጋይውን ብተስፋ ኽነብር እዩ።
27ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ኢኻ፤
ንቕዱስካ ድማ፥
ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ።
28 # መዝ. 16፡8-11። ንስኻ መንገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፤
ምሳይ ብምህላውካ ድማ፥
ብታሕጓስ ክተፅግበኒ ኢኻ።’
29“ኣቱም ኣሕዋትና፥ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ዳዊት፥ ከም ዝሞተን ከም ዝተቐበረን፥ መቓብሩ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣባና ኸም ዘሎን፥ ኣረጋጊፀ እነግረኩም ኣለኹ። 30#2 ሳሙ. 7፡12፥ መዝ. 132፡11። ንሱ ነቢይ ስለ ዝነበረ፥ እግዚኣብሄር ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዙፋኑ ኸቐምጥ፥ ማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ። 31#መዝ. 16፡10። ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፥ ስጋኡውን ምብስባስ ከም ዘይርኢ፥ ኣቐዲሙ ፈሊጡ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ተዛረበ። 32#ግ.ሓ. 1፡8። እግዚኣብሄር ነዝ ኢየሱስ፥ ኣተሲእዎ እዩ፤ ንሕና ዅላትና ኸዓ፥ ናይዝ ነገር እዙይ መሰኻኽር ኢና። 33#ግ.ሓ. 1፡5። ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ። 34-35#መዝ. 110፡1። ዳዊት ባዕሉ ደኣ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፥ በሎ’ ይብል እምበር፥ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። 36#ግ.ሓ. 5፡30-31፥ ፊልጵ. 2፡11፥ መዝ. 2፡6። እምበኣርከስ፥ ነዝ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፥ እግዚኣብሄር ንእኡ ጐይታን መሲሕን ከም ዝገበሮ፥ ኵሉ ቤት እስራኤል ብርግፅ ይፍለጥ።”
37 # ዮሓ. 16፡8-9፥ ግ.ሓ. 16፡30። ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ደኣ ንግበር?” በልዎም። 38#ዘፍ. 17፡7፥ ኢሳ. 44፡3፥ 57፡19፥ ኢዩ. 2፡28-32፥ ማቴ. 3፡11፥ ማር. 16፡16፥ ዮሓ. 10፡16፥ ኤፌ. 1፡13። ጴጥሮስ ድማ፦ “ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም፥ ኵልኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም። 39እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም። 40#ገላ. 1፡4። ካልእ ብዙሕ ነገርውን ነገሮምሞ፥ “ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድሕኑ” ኢሉውን መዓዶም። 41እቶም ሽዑ ነቲ ቓሉ ዝተቐበሉ፥ ተጠመቑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ተወሰኽዎም። 42#ግ.ሓ. 1፡14፥ 20፡7። ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
ሕብረት ቀዳሞት ኣመንቲ
43 # ማር. 16፡17። ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን ድማ፥ ብኢድ ሃዋርያት ይግበር ነበረ፤ ኣብ ኵሎም ከዓ ፍርሓት ኮነ። 44#ግ.ሓ. 4፡32-35። እቶም ዝኣመኑ ዅሎም ድማ፥ ሓቢሮም ይነብሩ ነበሩ። ዘለዎም ኵሉ ኸዓ ናይ ሓባር ነበረ፤ 45ንሳቶም መሬቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም፥ ንኹላቶም ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። 46#ሉቃ. 24፡53። በብመዓልቱውን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረፁ፥ ብሕብረት ፀኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም እንጀራ እናቘረሱ ኸዓ፥ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን፥ ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ፤ 47#ግ.ሓ. 5፡14። ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ዝድሕኑ ዕለት ዕለት፥ ናብቲ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login