Logotipo da YouVersion
Ícone de Pesquisa

ግብሪ ሃዋርያት 16

16
ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስን ምስ ሲላስን ከም ዝኸደ
1ካብኡ ጳውሎስ፥ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በፅሐ፤ ኣብኡ ኸዓ፥ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን፥ ካብ ሓደ ግሪካዊ ሰብኣይን ዝተወለደ፥ ጢሞቴዎስ ዝበሃል ደቀ መዝሙር ነበረ። 2እቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣሕዋት፥ ፅቡቕ ይምስክሩሉ ነበሩ። 3#ገላ. 2፡3። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኽወስዶ ደለየ፤ ኣቦኡ ግሪካዊ ምዃኑ ዅላቶም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፥ ምእንቲ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገረዞ። 4#ግ.ሓ. 15፡28-29። ኣብ ዘዝኣተዉዋ ኸተማ ኸዓ፥ ነቲ ሃዋርያትን ሽማግለታትን #16፡4 ሽማግለታት፦ ግእዝ “ቀሳውስቲ” ይብል። ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወሰንዎ ስርዓት ክሕልዉዎ ሃቡዎም። 5እተን ኣብያተ ክርስቲያን ከዓ ብእምነት ፀንዓ፤ ቍፅረን ድማ፥ በብመዓልቱ ይውስኽ ነበረ።
ጳውሎስ ናብ መቄዶንያ ኸም ዝተፀውዐ
6 # ግ.ሓ. 8፡29። ጳውሎስን ብፆቱን፥ ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፥ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፥ ናብ ፍርግያን ገላትያን ሓለፉ። 7ኣብ ሚስያ ምስ በፅሑ፥ ናብ ቢታንያ ክኸዱ ደለዩ፤ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። 8#2 ቆሮ. 2፡12፥ 2 ጢሞ. 4፡13። ስለዙይ ካብ ሚስያ ሓሊፎም፥ ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ። 9#ኢሳ. 9፡2። ጳውሎስ ከዓ፥ ብለይቲ ሓደ በዓል መቄዶንያ ሰብኣይ፥ ደው ኢሉ “ናባና ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድአና” እናበለ፥ ክልምኖ እንተሎ ራእይ ረአየ። 10እዙይ ምስ ረአየ፥ ወንጌል ክንሰብከሎም እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዐና ስለ ዝፈለጥና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደለና።
ልድያ ብክርስቶስ ከም ዝኣመነት
11ሽዑ ኻብ ጢሮኣዳ ብመርከብ ምስ ከድና፥ ቀኒዕና ናብ ሳሞትራቄ ኣምራሕና፤ ንፅባሒቱ ድማ ናብ ናጱሌ ኸድና። 12ካብኣ ድማ፥ ናብታ ክፍለ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን፥ ግዝኣት ሮምን ዝኾነት ፊልጵስዩስ ኣተና፤ ኣብኣ ኸዓ ብዙሕ መዓልቲ ቐነና። 13ብመዓልቲ ሰንበት ድማ፥ ካብ ቅፅሪ እታ ኸተማ ወፂእና፥ ኣብቲ ጥቓ ገምገም ሩባ፥ ቤተ ፀሎት ስለ ዝነበረ፥ ናብኡ ኸድና፤ ኣብኡ ኾፍ ኢልና ኸዓ፥ ነተን ኣብኡ ዝተኣከባ ኣንስቲ ኽንነግረን ጀመርና። 14#ሉቃ. 24፡45፥ 1 ተሰ. 2፡13። ልድያ እትበሃል፥ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ፥ በዓልቲ ኸተማ ትያጥሮን፥ ሸያጢት ቀይሕ ሓሪ ድማ፥ ትሰምዕ ነበረት፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኽተስተውዕል ድማ፥ ጐይታ ልባ ኸፈተላ። 15#ማቴ. 10፡11። ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ “ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ደኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ሕደሩ” ኢላ ለመነትና፤ ግዲውን በለትና።
ጳውሎስን ሲላስን ከም ዝተኣሰሩ
16ናብ ቤተ ፀሎት ክንከይድ እንተለና፥ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፥ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙሕ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት፥ ግዝእቲ ጓል ረኸበትና። 17#ማር. 1፡24። ንሳ ኸዓ ደድሕሪ ጳውሎስን ደድሕሬናን እናሰዓበት “እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ኣገልገልቲ ልዑል እግዚኣብሄር እዮም፤ መንገዲ ምድሓን ይምህሩኹም ኣለዉ” እናበለት፥ ዓው ኢላ ትዛረብ ነበረት። 18#ማር. 16፡17። ነዝ ነገር እዙይውን፥ ብዙሕ መዓልቲ ደጋገመቶ፤ ጳውሎስ ድማ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኣትከረቶ፥ ምልስ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ “ካብኣ ኽትወፅእ፥ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወፀ።
19 # ማቴ. 10፡17-18። ጐይቶታ ግና፥ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ከም ዘቋረፀ ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስን ንሲላስን ሓዝዎም፤ ጐቲቶም ናብ ዕዳጋ ወሲዶም ድማ፥ ናብቶም ሹመኛታት ኣቕረብዎም። 20ኣብ ቕድሚ እቶም ሮማውያን ሰብ ስልጣን ደው ኣቢሎምውን፥ ከምዙይ ኢሎም ከሰስዎም፦ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፤ ንኸተማና ኸዓ ይህውኽዋ ኣለዉ፤ 21ንሕና ሮማውያን፥ ክንቅበሎ ኾነ ኽንገብሮ ዘይግብአና ስርዓት፥ ይምህሩ ኣለዉ።” 22#2 ቆሮ. 11፡25። እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተሲኡ ተበኣሶም፤ እቶም ሰብ ስልጣን ድማ፥ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኽወቕዕዎም ኣዘዙ። 23ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ኣፅኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ። 24ንሱ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ተቐበለ ኸዓ፥ ናብቲ ውሽጥ ዝበለ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቝሕ፥ ኣብ ጕንዲ ኣፅኒዑ ኣሰሮም።
25 # 1 ጴጥ. 4፡13። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናፀለዩ፥ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራትውን ይሰምዕዎም ነበሩ። 26#ግ.ሓ. 5፡19። ብድንገት ድማ፥ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዝናወፅ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ኮነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ መዓፁ ተኸፍተ፤ ናይ ኵላቶም መዋቕሕውን ተፈትሐ። 27እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ፥ መዓፁ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረአየ፥ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፥ ሰይፉ መዚዙ ባዕሉ ንባዕሉ ኽቐትል ደለየ። 28ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ “ኣብ ባዕልኻ ኽፉእ ኣይትግበር፤ ኵላትና ኣብዙይ ኣለና” በሎ። 29ንሱ ድማ “መብራህቲ ኣምፅኡለይ” ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፤ እናንቀጥቀጠውን፥ ኣብ ቕድሚ ጳውሎስን ሲላስን ፍግም ኢሉ ሰገደ። 30#ግ.ሓ. 2፡37። ናብ ደገ ኣውፂኡ ድማ “ጐይቶተይ! ምእንቲ ኽድሕንስ፥ እንታይ ክገብር ይግብአኒ?” በሎም። 31#ግ.ሓ. 2፡38-39፥ ዮሓ. 3፡16። ንሳቶም ከዓ “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፤ ንስኻን ስድራኻን ድማ፥ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ። 32ንእኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ኣብ ገዛኡ ዝነበሩን ድማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። 33#ማር. 16፡16። ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ፥ ቍስሎም ሓፀበሎም፤ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ኸዓ ተጠመቐ። 34#ግ.ሓ. 8፡39። ናብ ገዛኡ ወሲዱ ድማ፥ ማእዲ ቐረበሎም፤ ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነውን፥ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ።
35ምድሪ ምስ ወግሐ፥ እቶም ሰብ ስልጣን “ነቶም ሰባት ፈቲሕኻ ስደዶም” ኢሎም፥ ሓሻኽር ለኣኹሉ። 36እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ “እቶም ሰብ ስልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕዚ እምበኣር ወፂእኹም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ። 37#ግ.ሓ. 22፡25። ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን እንተለና፥ ብዘይ ፍርዲ ብገሃድ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕዚዶ ብሕቡእ ክሰዱና? ባዕልቶም ደኣ መፂኦም የውፅኡና እምበር፥ እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ” በሎም። 38#ግ.ሓ. 22፡29። እቶም ሓሻኽር ድማ፥ ነቶም ሰብ ስልጣን፥ ነዝ ነገር እዙይ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ፥ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሑ። 39መፂኣቶም ከዓ “ይቕረ በሉልና” ኢሎም ኣውፅእዎም፤ ካብታ ኸተማ ኽወፁ ኸዓ ለመንዎም። 40ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም፥ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኸብዎም ድማ፥ ኣፀናኒዖምዎም ካብኡ ወፁ።

Destaque

Compartilhar

Copiar

None

Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login