ግብሪ ሃዋርያት 15
15
ጉባኤ ኢየሩሳሌም
1ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም። 2#ዘሌ. 12፡3፥ ገላ. 2፡1-5፥12፥ 5፡2፥6። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን፥ ፅልእን ክርክርን ምስ ኮነ፥ ጳውሎስን በርናባስን ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ሃዋርያትን ሽማግለታትን #15፡2 ሽማግለታትን፦ ግእዝ “ቀሳውስትን” ይብል። ክኸዱ ተወሰነ። 3ሽዑ ንሳቶም ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምስተልኣኹ፥ እቶም ኣህዛብ ከመይ ኢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለሱ እናነገርዎም፥ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፤ እዙይ ከዓ ንዅሎም ኣሕዋት ኣሐጐሶም። 4ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ድማ፥ እታ ቤተ ክርስቲያንን ሃዋርያትን ሽማግለታትን #15፡4 ሽማግለታት፦ ግእዝ “ቀሳውስቲ” ይብል። ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኮይኑ ዝገበሮ ዅሉ ነገርዎም። 5ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ተሲኦም “ኣህዛብ ክግረዙን፥ ሕጊ ሙሴ ኽሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ።
6እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን #15፡6 ሽማግለታት፦ ግእዝ “ቀሳውስቲ” ይብል። ከዓ፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ክማኸሩ ተኣከቡ። 7#ግ.ሓ. 10፡20። ብዙሕ ክትዕ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ጴጥሮስ ተሲኡ፦
“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብ መጀመርታኡ፥ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑን ክኣምኑን፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 8#ግ.ሓ. 1፡24፥ 10፡44-46። እቲ ልቢ ዝፈልጥ ኣምላኽ፥ ከምቲ ንኣና ዝሃበና፥ ንኣኣቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ፥ ከም ዝተቐበሎም መስከረሎም። 9#ግ.ሓ. 10፡15፥43፥ ሮሜ 10፡12፥ 1 ጴጥ. 1፡22። ልቦም ብእምነት ስለ ዘንፅሀ፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኣቶምን፥ ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። 10#ማቴ. 23፡4፥ ገላ. 5፡1። እምበኣርከስ፥ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ኽንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት፥ ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርት ብምፅዓን፥ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ? 11#ሮሜ 3፡21-25። ንሕናውን ከምኣቶም፥ ብፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ከም እንድሕን ኢና እነኣምን” በሎም።
12ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ምልክትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከም ዝገበረ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ፅን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ። 13ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸዓ ያእቆብ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና ስምዑኒ፦ 14#1 ጴጥ. 2፡10። ኣምላኽ፥ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኸቕውም፥ ቅድም ንኣህዛብ ከመይ ገይሩ ኸም ዝበፅሖም፥ ስምኦን ተናጊሩ ኣሎ።
15“እዝ ነገር እዙይ፥ ምስቲ ቓል ነቢያት ዝሰማማዕ እዩ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝብሎ፦
16‘ብድሕሪዙይ ክምለስ እየ፤
ነታ ወዲቓ ዘላ ቤት ዳዊት፥
ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፥
ነቲ ዑናኣ ኸዓ መሊሰ ኽሓንፆን ከቑሞን እየ፤
17እዙይ ከዓ እቶም ዝተረፉ ሰባትን፥
እቶም ስመይ ኣብኣቶም ዝተፀውዐ ዅሎም ኣህዛብን፥
ንጐይታ ምእንቲ ኽደልዩ ኢለ እየ፤
ይብል ነዙይ ዝገብር ጐይታ።
18 #
ኣሞፅ 9፡11-12። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዅሉ ስራሑ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ እዩ።’
19“እምበኣርከስ፥ ነቶም ካብ ኣህዛብ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝምለሱ ዘለዉ፥ ኣይነኽብደሎም። 20እኳ ደኣ ‘ንጣዖታት ብዝተሰውአ ኸይረኽሱ፥ ካብ ዝሙት፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ደምን፥ ካብ ምብላዕ ተኸልከሉ’ #15፡20 ኣብ ግእዝ “ንባዕሎም ዝኸልእዎ ኣብ ብፃዮም ንኸይገብሩ ንፅሕፈሎም ኣለና” ዝብል ይርከብ። ኢልና ንፅሓፈሎም። 21#ዘሌ. 17፡14፥ 1 ቆሮ. 6፡18፥ ኤፌ. 5፡3፥ ቈላ. 3፡5፥ 1 ተሰ. 4፡3፥ ያቆ. 1፡21። ነዝ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተ ፀሎቶም፥ ሕጊ ሙሴ ስለ ዝንበብ፥ ኣብ ኵሉ ዓዲ ዝሰብክዎ ኣለዉ” በሎም።
ካብ ሃዋርያት ዝተፅሓፈት መልእኽቲ
22ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን፥ ምስ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ምስ ጳውሎስን በርናባስን፥ ናብ ኣንፆኪያ ዝሰድዎም ሰባት፥ ካብ መንጎኣቶም ክመርፁ ተሰማምዑ፤ ስለዙይ ከዓ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ካብ ዝነበሩ ዋናታት፥ በርሰባስ ዝብልዎ ይሁዳን ሲላስን መረፁ። 23ከምዙይ እትብል መልእኽቲ ፅሒፎም ድማ፥ ብኢድ እዚኣቶም ሰደዱ፦
“ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትኩምን፥ ነቶም ኣብ ኣንፆኪያን፥ ኣብ ሶርያን፥ ኣብ ቂልቂያን፥ ካብ ወገን ኣህዛብ ንዘለኹም ኣሕዋት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
24 #
ገላ. 1፡7። “ንሕና ሓንቲኳ ዘይኣዘዝናዮም ሰባት ካባና ወፂኦም፥ ክትግረዙን ሕጊ ሙሴ ኽትሕልዉን ኢሎም፥ ብቓሎም ከም ዘናወፁኹምን፥ ንልብኹም ከም ዝሃወኹን ሰሚዕና ኣለና። 25-26#2 ቆሮ. 11፡23-27። ስለዙይ ምስ እዞም እነፍቅሮም፥ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ዝወፈዩ፥ በርናባስን ጳውሎስን፥ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንመርፅ ብሓደ ዄንና መኸርና። 27እንሆ ድማ ነዝ ነገር እዙይ፥ ካብ ኣፎም ምእንቲ ኽትሰምዕዎ ንይሁዳን ንሲላስን ሰዲድናልኩም ኣለና። 28እንትርፊ እቲ ዝተገብአ፥ ሕልፊ ሸክሚ ኸይነኽብደልኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስን፥ ንኣናን ተርእዩና ኣሎ። 29#ዮሓ. 16፡13፥ 1 ቆሮ. 2፡16፥ 1 ተሰ. 4፡8። እምበኣር ንርእስኹም፥ ንጣዖት ካብ ዝተሰውአ ምግብን፥ ካብ ደምን፥ ካብ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ። #15፡29 ኣብ ግእዝ “እቲ ንርእስኹም እትፀልእዎ ንብፃይኩም ኣይትግበርዎ” ዝብል ይርከብ። ካብዙይ እንተ ተኸልኪልኩም፥ ፅቡቕ ክትነብሩ ኢኹም፤ ደሓን ኩኑ።”
30እቶም ልኡኻት ምስ ተፋነዉ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረዱ፤ ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ከዓ፥ ነቲ መልእኽቲ ሃብዎም። 31ንሳቶም ከዓ ምስ ኣንበብዎ፥ በቲ ዘፀናንዕ መልእኽቲ ተሓጐሱ። 32#1 ቆሮ. 14፡3። ይሁዳን ሲላስን ድማ፥ ነቢያት ስለ ዝነበሩ፥ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣተባብዕዎምን። 33ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ምስ ቀነዩ ኸዓ፥ እቶም ኣሕዋት ብሰላም ኣፋንዮም፥ ናብ ሃዋርያት ሰደድዎም። 34ሲላስ ግና ኣብኡ ኽተርፍ ደለየ። 35ጳውሎስን በርናባስን ኸዓ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ተረፉ፤ ምስ ካልኦት ብዙሓት ኮይኖም ድማ፥ ቃል ጐይታ ይምህሩን ይሰብኩን ነበሩ።
ጳውሎስን በርናባስን ከም ዝተፈላለዩ
36 #
ግ.ሓ. 13፡4፥13፥14፥51፥ 14፡1፥6፥24፥25። ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ጳውሎስ ንበርናባስ “ነዓ ናብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ኵለን ከተማታት ንመለስ፤ ናብቶም ኣሕዋት ንኺድ፤ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንፍለጥ” በሎ። 37በርናባስ ከዓ፥ ነቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ምስኣቶም ክማልኦ ደለየ። 38ጳውሎስ ግና፥ ማርቆስ ኣብ ጵምፍልያ ኻብኣቶም ስለ ዝተፈለየን፥ ናብቲ ኣገልግሎት ድማ ምስኣቶም ስለ ዘይመፀን፥ ክማልኦ ኣይደለየን። 39ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ መንጎኣቶም ዘይምስምማዕ ስለ ዝተፈጠረ ተፈላለዩ፤ በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ፥ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። 40ጳውሎስ ግና ንሲላስ መረፀ፤ እቶም ኣሕዋት ንፀጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕፀንዎ ድማ ኻብኡ ኸደ። 41ብሶርያን ብኪልቅያን እናተዘዋወረ፥ ነተን ኣብያተ ክርስቲያን ኣበረታትዐን።
Atualmente Selecionado:
ግብሪ ሃዋርያት 15: ትመ15
Destaque
Compartilhar
Copiar
![None](/_next/image?url=https%3A%2F%2Fimageproxy.youversionapi.com%2F58%2Fhttps%3A%2F%2Fweb-assets.youversion.com%2Fapp-icons%2Fpt.png&w=128&q=75)
Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login