ግብሪ ሃዋርያት 12
12
ብርቱዕ ስደት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን
1በቲ እዋን እቱይ ንጉስ ሄሮድስ፥ ንገሊኣቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት #12፡1 ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት፦ ግእዝ “ንሹመኛታት ቤት እግዚኣብሄር” ይብል። ከሳቕዮም ጀመረ። 2ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከዓ፥ ብሰይፊ ቐተሎ። 3እዙይ ንኣይሁድ ከም ዘሐጐሶም ምስ ረአየ ድማ፥ ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ሓዞ፤ ሽዑ ድማ ቕነ በዓል ቅጫ ነበረ። 4ምስ ሓዞ ኸዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፤ ድሕሪ ፋሲካ ናብ ህዝቢ ምእንቲ ኸውፅኦ ደልዩ፥ በበርባዕተ ኾይኖም ክሕልውዎ፥ ነርባዕተ ምድብ ወታደራት ኣሕሊፉ ሃቦ። 5ስለዙይ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ምእንታኡ ተጊሃ፥ ናብ እግዚኣብሄር ትፅሊ ነበረት።
ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብተኣምር ከም ዝወፀ
6ሄሮድስ ብፅባሒቱ፥ ንጴጥሮስ ናብ ፍርዲ ኸቕርቦ ሓሰበ። እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ጴጥሮስ፥ ኣብ መንጎ ኽልተ ወታደራት፥ ብኽልተ ሞቕሕ ተኣሲሩ ደቂሱ ነበረ። እቶም ወታደራትውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኾይኖም፥ ይሕልዉ ነበሩ። 7#ግ.ሓ. 5፡19። እንሆ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብኡ ወሪዱ ተርኣየ፤ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ብርሃን በርሀ፤ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ጐኑ ነኺኡ “ቐልጢፍካ ተስእ!” በሎ፤ እተን መዋቕሕ ድማ፥ ካብ ኣእዳዉ ወደቓ። 8እቲ መልኣኽ ከዓ “ተዓጠቕ! ኣሳእንካውን ኣእቱ!” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ መልኣኽ ከዓ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ሰዓበኒ!” በሎ። 9ጴጥሮስውን ወፂኡ ሰዓቦ። እንተ ኾነ ዝሓልም ዘሎ ደኣ ይመስሎ ነበረ እምበር፥ እቲ መልኣኽ ብውነ ዝተርኣዮ ምዃኑ፥ ኣይፈልጥን ነበረ። 10ነቶም ነታ ቐዳመይትን ካልአይትን ማዕፆ ዝሕልዉ ምስ ሓለፉ፥ ናብታ ናብ ከተማ እተምርሕ፥ ማዕፆ ሓፂን በፅሑ፤ ሽዑ ባዕላ ተኸፍተት። ወፂኦም ድማ ሓንቲ መንገዲ ሓለፉ፤ ሽዑ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ሓደጎ። 11ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመለሰ ድማ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኢድ ሄሮድስን፥ ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዅሉን፥ ከም ዘድሓነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ።
12ምስ ተፈለጦ፥ ብዙሓት ተኣኪቦም ይፅልዩሉ ናብ ዝነበሩ፥ ናብ ቤት ማርያም እኖ እቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ከደ። 13ጴጥሮስ ነቲ ማዕፆ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሮዳ እትበሃል ኣገልጋሊት ክትሰምዖ ወፀት። 14ንሳ ድምፂ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፥ ካብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ነቲ ማዕፆ እንተይከፈተት፥ ናብ ውሽጢ ጐየየት፤ “ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ” ኢላ ነገረቶም። 15ንሳቶም ግና፥ “ዓቢድኪ ዲኺ” በልዋ። ንሳ ግና፥ ብሓቂ ንሱ እዩ ኢላ ኣረጋገፀት። ሽዑ “መልኣኹ እዩ ዝኸውን” በሉ። 16ጴጥሮስ ግና መላሊሱ ይዅሕኵሕ ነበረ። ምስ ከፈቱ ረአይዎ እሞ ተገረሙ። 17ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ። 18ምስ ወግሐ እቶም ወታደራት “ጴጥሮስ እንታይ ረኺብዎ?” እናበሉ የመና ተሸበሩ። 19ሄሮድስ ድማ፥ ንጴጥሮስ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፥ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኽቕተሉ ኣዘዘ። ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ፥ ኣብኣ ቐነየ።
ሞት ሄሮድስ
20ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን፥ ብርቱዕ ፅልኢ ነበሮ። እንተ ኾነ ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ፥ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፥ ንበላስጦን ኣዛዚ ቤት ንጉስ ኣእሚኖም፥ ዕርቂ ኽልምኑ ተሰማሚዖም፥ ናብ ሄሮድስ መፁ። 21በታ ምድብቲ መዓልቲ፥ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ፥ ኣብ ዙፋን ተቐመጠ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ ዘረባ ኣስምዖም። 22እቶም ህዝቢ ድማ ዓው ኢሎም “እዙይስ ድምፂ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ድምፂ ሰብ ኣይኮነን” በሉ። 23ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስለ ዘይሃበ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ሓሲኹ ኸዓ ሞተ።
24 #
ግ.ሓ. 2፡47፥ 19፡20፥ ኢሳ. 55፡11። ቃል እግዚኣብሄር ግና እናዓበየን እናሰፍሐን ከደ።
25 #
ግ.ሓ. 11፡29-30። በርናባስን ሳውልን ኣገልግሎቶም ፈፂሞም፥ ካብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ነቲ ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስውን፥ ምስኣቶም ተማልእዎ።
Atualmente Selecionado:
ግብሪ ሃዋርያት 12: ትመ15
Destaque
Compartilhar
Copiar
Quer salvar seus destaques em todos os seus dispositivos? Cadastre-se ou faça o login