1
ዘፍጥረት 9:12-13
መፅሓፍ ቅዱስ
እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡርን፥ ንዘለኣለም ዝኣትዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ፤ ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ።
Comparer
Explorer ዘፍጥረት 9:12-13
2
ዘፍጥረት 9:16
እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደመና ኽረአ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምእንቲ ኽዝክር ክሪኦ እየ።”
Explorer ዘፍጥረት 9:16
3
ዘፍጥረት 9:6
እቲ ደም ሰብ ዘፍስስ፥ ደሙ ብሰብ ክፈስስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንሰብ ብምስሉ እዩ ፈጢርዎሞ።
Explorer ዘፍጥረት 9:6
4
ዘፍጥረት 9:1
እግዚኣብሄር ንኖህን ንደቁን ባረኾም፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ ኸዓ ምልእዋ።
Explorer ዘፍጥረት 9:1
5
ዘፍጥረት 9:3
ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ።
Explorer ዘፍጥረት 9:3
6
ዘፍጥረት 9:2
ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ።
Explorer ዘፍጥረት 9:2
7
ዘፍጥረት 9:7
“ንስኻትኩም ግና ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንምድሪ ድማ ምልእዋ፤ ኣብኣውን ተባዝሑ።”
Explorer ዘፍጥረት 9:7
Accueil
Bible
Plans
Vidéos