ሉቃስ 20
20
ብዛዕባ ስልጣን ንኢየሱስ ዝቐረበ ጥያቐ
(ማቴ. 21፡23-27፥ ማር. 11፡27-33)
1 #
ሉቃ. 19፡47። ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ንህዝቢ ኽምህርን፥ ወንጌል ክሰብኽን እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን፥ ምስ ዓበይቲ ህዝቢ ኾይኖም ናብኡ መፂኦም፥ 2#ዮሓ. 2፡18። “በየናይ ስልጣን ኢኻ፥ እዙይ እትገብር ዘለኻ? እዝ ስልጣን እዙይከ መን ሃበካ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ። 3ንሱ ድማ፦ “ኣነውን ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም ንገሩኒ። 4ጥምቀት ዮሃንስ፥ ካብ ሰማይ ዲዩ ወይ ካብ ሰብ?” በሎም። 5ንሳቶም ከዓ “ ‘ካብ ሰማይ’ እንተ በልናዮ ‘ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ኽብለና እዩ። 6#ሉቃ. 7፡29። ‘ካብ ሰብ’ እንተ በልናዮ፥ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነቢይ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፥ ብእምኒ ኽቕጥቅጠና እዩ” ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ። 7ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡውን መለሱሉ። 8ኢየሱስ ከዓ “ኣነውን በየናይ ስልጣን እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።
ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ
(ማቴ. 21፡33-46፥ ማር. 12፡1-12)
9ኢየሱስ፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ምስላ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂቡ፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ፤ ንነዊሕ ጊዜውን ፀንሐ። 10ኣብ ጊዜ ፍርያት ድማ፥ ካብቲ ፍረ ወይኒ ኽልእኹሉ፥ ሓሽከሩ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና፥ ቀጥቂጦም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ። 11ከምኡውን ካልእ ሓሽከሩ ለኣኸ፤ ንእኡውን ወቒዖም፥ ኣዋሪዶም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ። 12መሊሱ ኸዓ ሳልሳይ ሓሽከር ለኣኸ፤ ንእኡውን ኣቝሲሎም ንወፃኢ ኣባረርዎ። 13ሽዑ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ‘እንታይ ደኣ ኽገብር እየ? ነዝ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽልእኽ፤ ንእኡስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ #20፡13 ይኾኑ፦ ግእዝ “ይኾኑ ኢሉ ለኣኾ” ይብል። በለ። 14እቶም ሓረስቶት ግና ምስ ረአይዎ ንስንሳቶም፥ ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ርስቱ ምእንቲ ኽንወርስ፥ ንዑ ንቕተሎ’ ተበሃሃሉ። 15ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ንደገ ኣውፂኦም ድማ ቐተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መፀ፥ እንታይ ኮን ክገብሮም እዩ? 16#ሉቃ. 19፡27። መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ንኻልኦት ይህቦ” በሎም። እዙይ ምስ ሰምዑ “ከምዙይስ ኣይኹን” በሉ። 17#መዝ. 118፡22። ንሱ ግና ናብኣቶም እናጠመተ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ’ ዝብል ፅሑፍ፥ እንታይ ማለት ድዩ? 18ኵሉ ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐ ኽስበር፥ እቲ እምኒ እቱይ ኣብ ልዕሊኡ ዝወደቖ ድማ፥ ክጭፍለቕ እዩ” በሎም።
ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ ዝቐረበ ጥያቐ
(ማቴ. 22፡15-22፥ ማር. 12፡13-17)
19 #
ማቴ. 21፡45-46፥ ሉቃ. 19፡47። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ስለ ዝፈለጡ፥ በታ ሰዓት እቲኣ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ግና ነቶም ህዝቢ ፈርሑ። 20#ሉቃ. 10፡25፥ 11፡53-54። ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ። 21እቶም ሰለልቲ ኸዓ፥ “መምህር፥ ብቕኑዕ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ከም እትምህር ደኣ እምበር፥ ንዝኾነ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉን፥ ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና። 22ንቄሳር ግብሪ ኽንከፍል ግቡእ ድዩ ወይ ኣይኮነን?” ኢሎም ጠየቕዎ። 23ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ፥ “ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣለኹም? 24እስኪ እቲ ዲናር ኣርእዩኒ፤ ምስሉን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር” በልዎ። 25ንሱ ድማ “እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም። 26ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ፥ ብዘረባኡ ኣጋግዮም ክሕዝዎ ስለ ዘይከኣሉ፥ በቲ መልሱ ተገሪሞም ስቕ በሉ።
ትንሳኤ ሙታን የለን ብዛዕባ ዝብሉ
(ማቴ. 22፡23-33፥ ማር. 12፡18-27)
27ካብቶም ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ገሊኣቶም ናብኡ መፂኦም፥ 28“ኦ መምህር ‘ሰበይቲ ዘላቶ ሓደ ሰብ፥ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፥ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ሙሴ ፅሒፉልና ኣሎ። 29እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነይሮም፤ እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእቲዩ እንተይወለደ ሞተ። 30እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፥ ንሱውን እንተይወለደ ሞተ። 31እቲ ሳልሳይ ድማ ኣእተዋ፥ ከምኡውን ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፥ ውሉድ እንተይሓደጉ ሞቱ። 32ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት። 33እምበኣርከስ ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ እታ ሰበይቲ እቲኣ፥ ብትንሳኤ ሙታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም ክትከውን እያ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 34ኢየሱስ ከዓ “ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ፥ የውስቡን ይዋሰቡን እዮም። 35እቶም ነታ ዓለም እቲኣን፥ ንትንሳኤ ሙታን ንምውራስን ዝበቕዑ ግና፥ ኣየውስቡን ኣይዋሰቡን እዮም። 36ከም መላእኽቲ ክኾኑ እዮምሞ፥ ድሕሪኡ ኣይሞቱን፤ ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝኾኑ ድማ፥ ደቂ እግዚኣብሄር እዮም። 37ምውታን ከም ዝትስኡ ግና፥ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈጥቋጥ፥ ንእግዚኣብሄር ‘ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ’ ብምባሉ ኣፍለጠ። 38እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ህያዋን እምበር፥ ኣምላኽ ሙታን ኣይኮነን፤ ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ” በሎም። 39ገሊኣቶም መምህራን ሕጊ ድማ “መምህር ፅቡቕ ተዛሪብካ” ኢሎም መለሱሉ። 40ካብኡ ንደሓር ግና፥ ሓንቲ እኳ ኽጥይቕዎ ኣይደፈሩን።
ክርስቶስ ወዲ መን እዩ?
41ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ከመይ እዩ ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ? 42-43ዳዊት ባዕሉ፥ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ’ ይብል። 44እምበኣር ባዕሉ ዳዊት ‘ጐይታይ’ ካብ በሎ ደኣ፥ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኾኖ?”
ካብ መምሰልቲ መምህራን ተጠንቀቑ
(ማቴ. 23፡1-36፥ ማር. 12፡38-40)
45ኢየሱስ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ እንተሎ ንደቀ መዛሙርቱ፦ 46“ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ክዞሩ ኻብ ዝደልዩ፥ ኣብ ዕዳጋ ሰብ ኢድ ክነስአሎም፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣውራ መቐመጢ፥ ኣብ ምሳሕውን ዝለዓለ ስፍራ ዝፈትዉ፥ 47ኣብያተ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ንምኽንያትውን ፀሎት ካብ ዘንውሑ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ብርቱዕ ቅፅዓት ክረኽቡ እዮም” በሎም።
S'ha seleccionat:
ሉቃስ 20: ትመ15
Subratllat
Comparteix
Copia
Vols que els teus subratllats es desin a tots els teus dispositius? Registra't o inicia sessió