ইউভার্শন লোগো
সার্চ আইকন

ዘፍጥረት 6

6
ክፍኣት ደቂ ሰብ
1እንሆ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽባዛሕ ምስ ጀመረ፥ ኣጓላት ከዓ ተወለዳሎም። 2እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ድማ ነተን ኣጓላት ደቂ ሰብ፥ መልክዐኛታት ምዃነን ምስ ረአዩ፥ ካብኣተን ዘዝመረፅወን ኣንስቲ ወሰዱ። 3እግዚኣብሄር ከዓ “ሰብ ስጋ እዩ እሞ፥
መንፈሰይ ንሓዋሩ ኣብኡ ኣይነብርን፤ #6፡3 ኣብኡ ኣይነብርን፦ ወይ “ምስ ሰብ ኣይፃረርን” ይብል።
ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን” በለ።
4 # ኢዮብ 1፡6፥ 2፡1። በቲ ዘመን እቱይ፥ ከምኡውን ብድሕሪኡ፥ ኣብ ምድሪ፥ ኔፊልም #6፡4 ኔፊልም፦ ወይ “ገዘፍትን ነዋሕትን” ማለት እዩ። ዝበሃሉ ሰባት ነበሩ፤ ደቂ እግዚኣብሄር ናብተን ኣጓላት ደቂ ሰብ ኣተዉ፤ ንሳተንውን ወለዳሎም። እዚኣቶም እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዮም። #ዘሑ. 13፡33።
5እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ። 6እግዚኣብሄር ከዓ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምፍጣሩ ተናስሐ፤ ብልቡውን ሓዘነ። 7እግዚኣብሄር “ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ክሳዕ ለመም ዝብል፥ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ስለ ዝፈጠርኩዎም ተናሲሐ እየሞ” በለ።
8 # ማቴ. 24፡37፥ ሉቃ. 17፡26፥ 1 ጴጥ. 3፡20። ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ።
ኖህ
9 # 2 ጴጥ. 2፡5። ትውልዲ ኖህ ከምዙይ እዩ፦ ኖህ ብትውልዱ ፃድቕን ቅኑዕን ሰብ ነበረ። ኖህ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ። 10ኖህ ሴም፥ ካም፥ ያፌት ዝበሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ወለደ። 11ምድሪ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጢኣት ተበላሽያ ነበረት። ምድሪ ኸዓ ብዓመፅ መሊኣ ነበረት። 12እግዚኣብሄር ድማ ንምድሪ ረአያ፤ ንሳ ኸዓ ተበላሽያ ነበረት፤ ስጋ ዝለበሰውን ኣካይዳኡ ኣበላሽዩ ነበረ።
13ኣምላኽ ድማ ንኖህ “ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ፍፃሜ ኣብ ቅድመይ በፂሑ ኣሎ፤ ብሰንኮም ምድሪ ዓመፃ መሊኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣነ ንኣኣቶም ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። 14ንስኻ ግና ብዕንፀይቲ ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፤ ውሽጣን ደገኣን ከዓ ብቕጥራን ለምፃ። 15ንውሓታ ሰለስተ ሚእቲ እመት፥ ስፍሓታ ሓምሳ እመት፥ ቁመታ ድማ ሰላሳ እመት ጌርካ ስርሓያ። 16ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ። ታሕተዋይን፥ ካልኣይን ሳልሳይን ደብሪ ግበረላ። 17ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡር ምእንቲ ኽጠፍእስ፥ እንሆ ኣነ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ ኸምፅእ እየ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኸዓ ኽመውት እዩ። 18ምሳኻ ግና ኺዳነይ ከቕውም እየ፤ ንስኻ፥ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፥ ሒዝካ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። 19ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኵሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ከክልተ ናብ መርከብ ኣእቱ፤ ተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። 20ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነቶም፥ ካብ እንስሳ በብዓይነቶም፥ ኣብ ምድሪ ካብ ዝንቀሳቐሱ በብዓይነቶም ጌርካ፥ ካብ ዝኾነ ዓሌት ከክልተ ምሳኻ ናብ መርከብ ይእተዉ። 21ካብ ዝብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ፥ ንኣኻን ንኣኣቶምን ቀለብ ክኸውን ኣእቲኻ ኣብታ መርከብ ኣክቦ” በሎ። 22#ዕብ. 11፡7። ኖህ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።

বর্তমানে নির্বাচিত:

ዘፍጥረት 6: ትመ15

হাইলাইট

শেয়ার

কপি

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in