ইউভার্শন লোগো
সার্চ আইকন

ዘፍጥረት 7

7
ናይ ጥፍኣት ማይ
1እግዚኣብሄር ንኖህ “ኣብዛ ትውልዲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድመይ ፃድቕ ኴንካ ረኺበካ እየ እሞ፥ ምስ ኵሉ ቤተ ሰብካ ናብ መርከብ እቶ። 2ካብ ኵሉ ንፁህ እንስሳ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ካብ ኵሉ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ኸክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ 3ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ንዘርኢ ክኾኑን ብህይወት ክነብሩን፥ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ። 4ኣነ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝናም ከዝንም እየሞ፥ ነቲ ዝፈጠርክዎ ዅሉ ህይወት ዘለዎ ድማ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ” በሎ። 5ኖህ ድማ፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
6እቲ ማይ ጥፍኣት ኣብ ምድሪ ኽመፅእ እንተሎ፥ ኖህ ዕድሚኡ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ። 7#ማቴ. 24፡38-39፥ ሉቃ. 11፡27፥ 1 ጴጥ. 3፡20። ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከዓ ምስኡ ኻብ ማይ ጥፍኣት ክድሕኑ ናብ መርከብ ኣተዉ። 8ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ዘይንፁህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን፥ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝንቀሳቐስ ኵሉን፥ 9ከምቲ እግዚኣብሄር ንኖህ ዝኣዘዞ፥ ከክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ናብ ኖህ ናብታ መርከብ ኣተዉ። 10ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ፥ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ መፀ።
11 # 2 ጴጥ. 3፡6። ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ኖህ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያት ገንፊሉ ወፀ፤ መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፈተ። 12ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዘነመ። 13በታ መዓልቲ እቲኣ ኖህን፥ ደቁ ሴምን ካምን ያፌትን፥ ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ናብ መርከብ ኣተዉ። 14ኵሎም ኣራዊት በብወገኖምን፥ ኵሎም እንስሳ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐሱ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣዕዋፍ በብወገኖምን፥ ክንፊ ዘለዎ ዅሉን ናብ መርከብ ምስኣቶም ኣተዉ። 15ህይወት ካብ ዘለዎ ዅሉ ፍጡር፥ ከክልተ ናብ ኖህ ናብታ መርከብ ኣተዉ። 16እቶም ዝኣተዉ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኖህ ዝኣዘዞ፥ ስጋ ኻብ ዘለዎ ዅሉ፥ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣተዉ። ኖህ ናብታ መርከብ ምስ ኣተወ፥ እግዚኣብሄር ነታ መርከብ ብድሕሪኡ ዓፀዋ።
17ማይ ጥፍኣት ድማ ነርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከዓ በዝሐ፤ ነታ መርከብ ድማ ኣልዓላ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ንላዕሊ ፀለል በለት። 18እቲ ማይ በርትዐ፤ ኣብ ምድሪ እውን የመና በዝሐ፤ እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ፀለል ትብል ነበረት። 19እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እናበርትዐ ኸደ፤ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝነበሩ ዅሎም ነዋሕቲ እምባታት ከዓ ብማይ ተሸፈኑ። 20እቲ ማይ ካብ ጫፍ እምባታት ሸውዓተ ሜትርን ፈረቓን ንላዕሊ ደየበ፤ እቶም እምባታትውን ተሸፈኑ። 21ሽዑ ዅሉ ስጋ ዘለዎ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሉ ሰብን ሞተ። 22ኵሉ ኣብ ኣፍንጫኡ እስትንፋስ ህይወት ዝነበሮ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ ሞተ። 23ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ፥ ህይወት ዘለዎ ተደምሰሰ፤ ሰብን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራሕ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ። 24እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ እንተይጐደለ ፀንሐ።

বর্তমানে নির্বাচিত:

ዘፍጥረት 7: ትመ15

হাইলাইট

শেয়ার

কপি

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in