ዘካርያስ 8
8
እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም መሊሱ ኸም ዝሕድሳ ዝሃቦ ተስፋ
1ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ 2“ብዛዕባ ፅዮን ዓብዪ ቅንኣት ቀኒአላ ኣለኹ፤ ምእንታኣውን ብዓብዪ ቍጥዓ ቀኒአ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 3እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ። 4ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምኡውን ኣረጋውያን ሰብኡትን፥ ኣረጋውያት ኣንስትን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም መሊሶም ክቕመጡ እዮም፤ ዕድመኣቶም ስለ ዝነውሐ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፎም ምርኩስ ኣብ ኣእዳዎም ክሕዙ እዮም። 5ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ፥ በቶም ዝፃወቱ ኣወዳትን ኣጓላትን ክመልኣ እየን።”
6ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነዒንቲ ተረፍ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ እንተዀነስ፥ ነዒንተይዶ ዘደንቕ ክኸውን እዩ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 7ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እነሆ ኣነ ንህዝበይ ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ከድሕኖም እየ፤ 8ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
9ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “መቕደሱ ኽስራሕ፥ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ዝተመስረተሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ካብ ኣፍ ነቢያት በዝ ዘመን እዙይ፥ እዝ ቓል እዙይ ዝሰማዕኹም ንስኻትኩም፥ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ። 10ቅድሚ እተን ኣዋርሕ እቲኣተን ንሰብን፥ ንእንስሳን ዋጋ ውዕሎ ኣይነበሮን፤ ኣነ ድማ ንዅሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ኣተሲአ ነይረ እየሞ፥ ካብ ኣጨናቒ ዝተልዓለ ንዝኣቱን ንዝወፅእን ሰላም ኣይነበረን። 11ሕዚ ግና ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዝገበርክዎ ኣይገብርን እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 12ግና ሰላም ክዘርእ እየ፤ ወይኒ ፍረኡ ኽህብ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ በቍላ ኽትህብ እያ፤ ሰማያት ድማ ጠሊ ኽህቡ እዮም። ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ነዝ ዅሉ ኸውርሶም እየ። 13ኣቱም ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ብኣህዛብ ምሳሌ ርግማን ከም ዝነበርኩም ሕዚ ግና ኸድሕነኩም እየ፤ በረኸት ድማ ኽትኮኑ ኢኹም፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣእዳውኩምውን ኣበርትዑ።”
14ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፦ “ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ከምፅኣሎም ሓሰብኩ፤ ኣይተናሳሕኹንውን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 15ከምኡ ድማ ሕዚ ንኣኻትኩም ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን፥ ሰናይ ክገብረልኩም ሓሲበ ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ። 16#ኤፌ. 4፡25። እቲ ኽትገብርዎ ዝግብአኩም ነገር እዙይ እዩ፦ ምስ ብፆትኩም ሓቂ ተዘራርቡ፤ ኣብ ባይቶኹምውን ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ። 17ካባኻትኩም ድማ፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ክፉእ ኣይሕሰበሉ፤ ናይ ሓሰት ማሕላውን ኣይትፍተዉ፤ ነዝ ዅሉ እፀልኦ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
18ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ 19“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”
20ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝነብሩ ኣህዛብ ገና ኽመፁ እዮም። 21እቶም ኣብ ሓንቲ ኸተማ ዝነብሩ ሰባት፥ ንእግዚኣብሄር ንምልማን ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይ፥ ንዑ ቀልጢፍና ንኺድ፤ ኣነ ባዕለይውን ክኸይድ እየ እናበሉ፥ ናብ ካልእ ከተማ ክኸዱ እዮም። 22ብዙሓት ወገናትን ሓያላት ኣህዛብን፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይን ንምልማንን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እዮም። 23በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት፥ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም ‘እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኣለና እሞ፥ ምሳኻትኩም ኽንከይድ ኢና’ ኽብልዎም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ዘካርያስ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy
![None](/_next/image?url=https%3A%2F%2Fimageproxy.youversionapi.com%2F58%2Fhttps%3A%2F%2Fweb-assets.youversion.com%2Fapp-icons%2Fen.png&w=128&q=75)
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in