YouVersion Logo
Search Icon

ዘካርያስ 7

7
ሓቂ ንዘይብሉ ፆም እግዚኣብሄር ከም ዝነቕፎ
1ዳርዮስ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ካሴሉ ብዝበሃል ታሽዓይ ወርሒ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መፀ።
2ሰብ ቤቴልውን ንሳራሳርን ንሬጌሜሌክን ንሰባቶምውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክልምኑ፥ 3ነቶም ካህናት ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄርን ንነቢያትን “ከምቲ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበርኩዎዶ ኣብ ሓምሻይ ወርሒ ምፍላይን ምብካይንዶ ይግብአኒ?” ኢሎም ክናገሩ ልኢኽዎም ነበረ።
4ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦ 5“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ? 6ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩምስ፥ ንርእስኹምዶ ኣይኮነን ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩም?’ ”
7ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?
ትእዛዝ ኣምላኽ ምጥሓስ ስደት የስዕብ
8ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ፥ ናብ ዘካርያስ መፀ፦ 9“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ኵልኻትኩም ድማ ነሕዋትኩም ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። 10ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ካባኻትኩምውን፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ኽፉእ ነገር ኣይሕሰብ።’
11“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ። 12ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ፥ ብቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ብመንፈሱ ዝለኣኾ ሕጉን ቃሉን ከይሰምዑ፥ ልቦም ከም ኣልማዝ ኣትረሩ፤ ስለዙይ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዓብዪ ቝጥዓ መፀ። 13ኣነ ፀዊዐዮም ከም ዘይሰምዑ፥ ኣነውን ከምኡ እንትፅውዑኒ ኣይሰምዖምን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 14ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”

Currently Selected:

ዘካርያስ 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in