YouVersion Logo
Search Icon

ዘካርያስ 6

6
ዘካርያስ ብምስሊ ኣርባዕተ ሰረገላ ዝረአዮ ራእይ
1መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ፥ ኣርባዕተ ሰረገላታት፥ ካብ መንጎ ኽልተ እምባታት ክወፁ እንተለዉ ድማ ረአኹ። እቶም እምባታት፥ እምባታት ነሃስ ነበሩ። 2#ራእይ 6፡4-5። ኣብቲ ቐዳማይ ሰረገላ ሃመራት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ኻልኣይ ሰረገላ ኸዓ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ። 3#ራእይ 6፡2። ኣብቲ ሳልሳይ ሰረገላ ኣምበላያት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ራብዓይ ሰረገላ ድማ ዝንጕርጕር ኣፍራስ ነበሩ። 4ኣነ ኸዓ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ “ኦ ጐይታይ፥ እዚኣቶምከ እንታይ እዮም?” በልክዎ።
5 # ራእይ 7፡1። እቲ መልኣኽ ከዓ፥ “እዚኣቶም ካብ ዝቘምዎም፥ ካብ ቅድሚ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ዝወፁ፥ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም።”
6እቲ በዓል መጋላት ኣፍራስ ናብ ሰሜን ይወፅእ፤ እቲ በዓል ኣምበላይ ኣፍራስ ድማ ብድሕሪኡ ይወፅእ፤ እቲ በዓል ዝንጕርጕር ኣፍራስውን ናብ ደቡብ ይወፅእ። 7እቶም ብርቱዓት ኣፍራስ እንትወፁ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ንምምልላስ ይደልዩ ነበሩ። ንሱውን “ኪዱ ንምድሪ ተመላለስዋ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ንምድሪ ተመላለስዋ። 8ካብኡ ዓው ኢሉ “እንሆ እቶም ናብ ሃገር ሰሜን ዝወፁ፥ ንመንፈሰይ ኣብ ምድሪ ሰሜን ኣዕሪፎምዎ” በለኒ።
ንኢያሱ ዘውዲ ኽደፍኡሉ ዝወፀ ትእዛዝ
9መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ 10“ካብቶም ካብ ባቢሎን ዝመፁ ምሩኻት፥ ካብ ሔልዳይን ካብ ጦብያን ካብ ኢዮዳኤምን ውሰድ፤ በቲ መዓልቲ እቱይ ኬድካ፥ ናብ ወዲ ሶፎንያስ ናብ ቤት ኢዮስያስ እቶ። 11ወርቅን ብሩርን ወሲድካ ድማ ኣኽሊላት ስራሕሞ፥ ኣብ ርእሲ እቲ ዓብዪ ካህን ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅ ድፍኣዮም። 12#ኤር. 23፡5፥ 33፡15፥ ዘካ. 3፡8። ንእኡውን ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ስሙ ቘጥቋጥ ዝተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ቦታኡ ኽበቍል እዩ፤ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ክሰርሕ እዩ። 13ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሕ ንሱ እዩ፤ ክብሪውን ክለብስ እዩ፤ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኸዓ ኽገዝእ እዩ። ኣብ ዙፋኑ ኻህን ክኸውን እዩ፤ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ከዓ ምኽሪ ሰላም ክህሉ እዩ።’ 14እቶም ኣኽሊላት ድማ ንሔሌምን ንጦብያን ንዮዳኤምን ንወዲ ሶፎንያስን ንሔንን፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ክኾኑ እዮም።”
15እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመፁ፥ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኽሰርሑ እዮም፤ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዙይ ክኸውን እዩ።

Currently Selected:

ዘካርያስ 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in