YouVersion Logo
Search Icon

ዘካርያስ 9

9
ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ፀላእቲ እስራኤል
1 # ኢሳ. 17፡1-3፥ ኤር. 49፡23-27፥ ኣሞፅ 1፡3-5። ፆር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሴድራክ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ደማስቆውን ይዓርፍ፤ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነገድ እስራኤልን እዩ። 2ከምኡውን ኣብታ እተዋስና ሃማት፥ የመና ጥበበኛታት ኣብ ዝኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ኣብ ልዕሊ ሲዶናን እዩ። 3ጢሮስውን ንባዕላ ዕርዲ ሰሪሓ ኣላ፤ ንብሩር ከም ሓመድ፥ ንፅሩይ ወርቂ ድማ ኸም ጭቃ መንገዲ ደለበት። 4#ኢሳ. 23፡1-18፥ ሕዝ. 26፡1—28፡26፥ ኢዩ. 3፡4-8፥ ኣሞፅ 1፡9-10፥ ማቴ. 11፡21-22፥ ሉቃ. 10፡13-14። እንሆ፥ ጐይታ ኽገፋ እዩ፤ ኣብ ባሕሪ ንዘሎ ሓይላውን ክድምስስ እዩ፤ ንሳውን ብሓዊ ኽትቃፀል እያ።
5ኣስቀሎና ነዙይ ሪኣ ኽትፈርሕ እያ፤ ጋዛውን ነዙይ ሪኣ የመና ኽትሓምም እያ። ኣስቀሎና ድማ ኸምኣተን ተስፋ ኽትቈርፅ እያ። እቲ ንጉስ ካብ ጋዛ ኽጠፍእ እዩ። ኣብ ኣስቀሎና ኸዓ ዝነብር ኣይርከብን። 6“ኣብ ኣዛጦን ዝተሓናፈፀ ዓሌት ክነብር እዩ፤ ትዕቢት ፍልስጥኤማውያንውን ከጥፍእ እየ። 7#ኢሳ. 14፡29-31፥ ኤር. 47፡1-7፥ ሕዝ. 25፡15-17፥ ኢዩ. 3፡4-8፥ ኣሞፅ 1፡6-8፥ ሶፎ. 2፡4-7። ደሙ ኻብ ኣፉ፥ ነቲ ርኹስ ነገርውን ካብ ማእኸል ኣስናኑ ኸወግድ እየ፤ ንሱ ድማ ንኣምላኽና ተረፍ ክኸውን እዩ። ኣብ ይሁዳውን ከም ሓደ ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣስቀሎና ከዓ ኸም ኢያቡሳዊ ክኸውን እዩ። 8ኣነ ኸዓ ዝኾነ ኸይኣትዋን ከይምለሳን፥ ንቤተይ ከም ሓላዊ ሰራዊት ሰፈር ገይረ ኽሕልዋ እየ። ጭንቆም ሪአ እየሞ፥ ድሕሪ ደጊም ንህዝበይ ጨቈንቲ ኣይሓልፍዎምን።”
ንጉስ ፅዮን ክመፅእ እዩ
9 # ማቴ. 21፡5፥ ዮሓ. 12፡15። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤
ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤
እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤
ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥
ኣብ ገልገል ኣድጊ፥
ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።
10 # መዝ. 72፡8። “ንሰረገላታት፥ ካብ ኤፍሬም፥
ነፍራስ ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ።
ቀስትታት ውግእ ክስበር እዩ፤
ንኣህዛብውን ሰላም ክእውጅ እዩ፤
ግዝኣቱ ኸዓ ኻብ ባሕሪ፥ ክሳዕ ባሕሪ፥
ካብቲ ሩባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ።”
ምሕዳስ ህዝቢ እግዚኣብሄር
11 # ዘፀ. 24፡8። “ንኣኺ ድማ ስለ እቲ ምሳኺ ዝኣተኹዎ፥ ናይ ቃል ኪዳን ደም፥
ነቶም እሱራትኪ፥ ማይ ካብ ዘይብሉ ጕድጓድ፥
ሓራ ኣውፂአዮም ኣለኹ።
12ኣቱም ብተስፋ እትነብሩ እሱራት፥
ናብ ዕርድኹም ተመለሱ፤
ሕዚ ኽልተ ዕፅፊ ገይረ፥
ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ።
13ንይሁዳ ኸም ቀስቲ፥
ንኤፍሬም ከዓ ኸም ፍላፃ ኽገብሮም እየ፤
ኦ ፅዮን፥ ንደቅኺ፥
ኣብ ልዕሊ ደቂ ግሪኽ ከልዕሎም እየ፤
ንኣኺውን ከም ሰይፊ ሓያል ክገብረኪ እየ።”
14እግዚኣብሄር ኣብኣቶም ክግለፅ እዩ፤
ፍላፃታቱ ኸም በርቂ ኽወፅእ እዩ፤
ጐይታ እግዚኣብሄር መለኸት ክነፍሕ እዩ፤
ብኣውሎ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ።
15ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥
ንህዝቡ ኸዕቝቦም እዩ፤
ንሳቶም ድማ ኽድምስስዎም እዮም፤
ኣእማን እቲ ወንጭፍ ድማ ኽረግፁ እዮም፤
ከም ወይኒ ኽሰትይዎም እዮም፤
ከም ፅዋዕን ከም መኣዝናት መሰውኢን፥
ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም።
16በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ፥
ከም መጓሳ ኣባጊዕ ከድሕኖም እዩ፤
ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኣብ ዘውዲ ዘሎ ኽቡር ኣዕናቝ ዘንፀባርቕ፥
ከምኡ ኣብ ምድሩ ኸንፀባርቑ እዮም።
17ሕያዋይነቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ!
ፅባቐኡኸ ኸምይ ዓብዪ እዩ!
እኽሊ ነጕባዝ፥ ወይኒ እውን ንቘናጁ የለምልም።

Currently Selected:

ዘካርያስ 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in