YouVersion Logo
Search Icon

ዘካርያስ 11

11
ምውዳቕ ጨቈንቲ ገዛእቲ
1ኣታ ሊባኖስ፥ በርታትካ ኽፈት፤
ሓዊውን ንዝግባታትካ ትብላዕ።
2ኣታ ኦም ፅሕዲ፥ ዝግባ ሊባኖስ ወዲቑ እዩሞ፥
ክቡራትውን ጠፊኦም እዮምሞ፥ ዋይ ዋይ በል።
ኣቱም ኣእዋም ባሳን፥
እቲ ፀምፀም ዱር ተቘሪፁ እዩ እሞ፥
ዋይ ዋይ በሉ።
3ክብሪ ጓሶት ተዋሪዱ እዩሞ፥
ድምፂ ኣውያቶም ተሰምዐ፤
ትዕቢት ዮርዳኖስ ተዋሪዱ እዩሞ፥
ድምፂ ምጕዛም ኣንበሳ ተሰምዐ።
ክልተ ጓሶት ህዝቢ
4እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዙይ ይብል፦ “እተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ ሓሉ። 5እቶም ዓደግተን ክሓርድወን እዮም፤ ንርእሶም ከዓ ኸም በደልቲ ገይሮም ኣይቘፅሩን። እቶም ሸየጥተን ከዓ ‘ንሕና ሃብቲምና ኢናሞ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን’ ይብሉ። ጓሶተንውን ኣይርህሩሁለንን።”
6“ድሕሪ ሕዚ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣይርህርሀሎምን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንዅሉ ሰብ ኣብ ኢድ ብፃዩን፥ ኣብ ኢድ ንጉሱን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነታ ምድሪ ኸባድምዋ እዮም፤ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣየናግፎምን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
7ኣነውን ነተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ፥ ብፍላይኳ ነተን መሳኺን መጓሰ ኣባጊዕ፥ ጓሰኹ። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፤ ነታ ሓንቲ “ፅባቐ” ነታ ሓንቲ ኸዓ “መእሰሪ” ኢለ ሰመኽወን፤ ነተን መጓሰውን ሓለኹወን። 8ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፥ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣወገድክዎም። ነፍሰይውን ተሰቀቐቶም፤ ነፍሳቶምውን ንኣይ ፀልአትኒ። 9“ኣነ ንኣኻትኩም ኣይሕሉን፤ እቲ ዝመውት ይሙት፤ እቲ ዝጠፍእ ይጥፋእ፤ እቲ ዝተረፈ ድማ ስጋ ንስንሳቱ ይባላዕ” በልኩ። 10ሽዑ ኣነ ምስ ኵሎም ህዝብታት፥ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኸፍርስ ነታ “ሞገስ” ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ። 11በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ። እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩን፥ እቶም ዝተጨነቑ ኣባጊዕን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጡ። 12#ማቴ. 26፡15። ኣነ ድማ “ባህ እንተይሉኩም ዓስበይ ሃቡኒ፤ ደስ እንተ ዘይሉኩም ድማ ሕደግዎ” በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ዓስበይ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር መዘኑ።
13 # ማቴ. 27፡9-10። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነቲ ዝገምገሙለይ ክቡር ዓስበይ “ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መዛግብቲ ኣንብሮ” በለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ወሲደ፥ ኣብቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ቤተ መዛግብቲ ኣንበርክዎ። 14ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ክሰብር፥ ነታ “መእሰሪ” ዝበልክዋ ኻልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ።
15እግዚኣብሄር ከዓ “መሊስካ ኣቕሓ እቲ ሰነፍ ጓሳ ውሰድ” በለኒ። 16“እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ጓሳ ኸተስእ እየ። ንሱ ንዝጠፍአ ኣይዝክርን፤ ከርተት ንዝብል ኣይደልን፤ ንዝተሰበረ ኣይፅግንን፤ ነቲ ዝደሓነ ኸዓ ኣይቕልብን እዩ፤ ግና ስጋ ስቡሓት ይበልዕ፤ ሸኾናኣቶምውን ይቆረጣጥም። 17መጓሰኡ ንዝሓድግ ሰነፍ ጓሳ ወይለኡ! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልፅሙን፥ የማናይ ዓይኑን ክኸውን እዩ። ቅልፅሙ ፈፂማ ኽትሰልል፥ የማነይቲ ዓይኑውን ክትዓውር እያ።”

Currently Selected:

ዘካርያስ 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘካርያስ 11