ዘካርያስ 12
12
መፃኢ ናይ ምድሓን ተስፋ ኢየሩሳሌም
1ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ 2“እንሆ፥ ንኢየሩሳሌም፥ ኣብ ዙርያኣ ንዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ገድገድ ከም ዘብል ፅዋዕ ኽገብራ እየ፤ ከምኡውን ኢየሩሳሌም እንትትክበብ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸምዙይ ክኸውን እዩ። 3በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኢየሩሳሌም ንዅሎም ኣህዛብ ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፤ እቶም ኵሎም ክስከምዋ ዝፍትኑ፥ ንባዕላቶም የመና ኽቘስሉ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ እውን፥ ኣብ ልዕሊኣ ኽእከቡ እዮም። 4በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሉ ኣፍራስ ብድንጋፀ፥ ንዝቕመጥዎም ሰባት ድማ ብዕብዳን ክወቅዕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንቤት ይሁዳ ብዓይነይ ክሕሉ እየ፤ ኣዒንቲ ዅሎም ኣፍራስ ኣህዛብውን ከዕውር እየ። 5ሽዑ ኣሕሉቕ ይሁዳ ብልቦም ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ብኣምላኾም ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብርታዐ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
6“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።
7“እግዚኣብሄር ድማ ኽብሪ ቤት ዳዊትን ክብሪ ኢየሩሳሌምን ኣብ ክብሪ ይሁዳ ኸይዕበ፥ መጀመርታ ንመንበሪታት ይሁዳ ኸድሕን እዩ። 8በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኽምክተሎም እዩ፤ ካብ መንጎኣቶም የመና ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ። ቤት ዳዊትውን ቀቅድሚኣቶም ከም ዝኸይድ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ኣምላኽ ክኾኖም እዩ። 9በታ መዓልቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከጥፍእዋ ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ከጥፍኦም ክለዓል እየ።
10 #
ዮሓ. 19፡37፥ ራእይ 1፡7። “ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም። 11በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከምቲ ንሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ ዝበኸዩሉ ብኽያት፥ ከምኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ክኸውን እዩ። 12እታ ምድሪ ኸዓ ኽትበኪ እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፥ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፥ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፥ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን፥ 13ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፥ ኣንስቶም ከዓ ንበይነን፥ ዓሌት ሰሜኢ ንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን፥ ኮይኖም ክበኽዩ እዮም። 14#ማቴ. 24፡30፥ ራእይ 1፡7። ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን ኮይነን ክበኽያ እየን።”
Currently Selected:
ዘካርያስ 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in