ዘካርያስ 13
13
ካብ ሓጢኣት ምንፃህ
1“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቤት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን፥ ካብ ሓጢኣትን ካብ ርኽሰትን እተንፅህ፥ ዓይኒ ማይ ክትክፈተሎም እያ። 2በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 3ሽዑ ዝኾነ ሰብ ትንቢት እንተ ተናገረ፥ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ‘ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሰት ተናጊርካ ኢኻሞ ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻ’ ኽብልዎ እዮም። ትንቢት እንትናገርውን እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ክወግእዎ እዮም። 4በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኵሎም ነቢያት ትንቢት እንትናገሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ስለ እቲ ዝናገሮ ራእይን ትንቢትን ይሓፍር፤ ንምትላልውን ወጮ ኣይለብሱን። 5ንሱ ግና ‘ኣነ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ንሰብ እግዛእ ስለ ዝነበርኩ፥ ስራሐይ ማሕረስ እምበር ነቢይ ኣይኮንኩን’ ይብል። 6ሰብ ድማ ‘እዝ ኣብ ማእኸል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ ደኣ እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንትጥይቖ፥ ንሱ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ቝስሊ እዩ’ ይብል።”
ነቲ ጓሳ ቕተሎ፤ እተን ኣባጊዕ ፋሕ ይበላ
7 #
ማቴ. 26፡31፥ ማር. 14፡27። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ፤ ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ ፋሕ ይበላ። ኣነ ኸዓ ቕልፅመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣናእሽቱ ኽመልስ እየ። 8ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ድማ እቶም ክልተ ኢድ ተቘሪፆም ክሞቱ እዮም፤ እቶም ሳልሳይ ኢድ ግና፥ ኣብኣ ኽተርፉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። 9ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
Currently Selected:
ዘካርያስ 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in