YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 14

14
ሞት መጥምቕ ዮሃንስ
(ማር. 6፡14-29ሉቃ. 9፡7-9)
1በቲ ጊዜ እቱይ ገዛኢ ገሊላ ሄሮድስ #14፡1 ሄሮድስ፦ ግእዝን ገሊኣቶም ብራናታትን “ንጉስ ሄሮድስ” ይብሉ። ዝና ኢየሱስ ሰምዐ። 2#ማቴ. 16፡14፥ ሉቃ. 9፡7-9። ንሓሻኽሩ ድማ “እዙይ መጥምቕ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ ኣሎ፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ተኣምራት እዙይ ብእኡ ይግበር ኣሎ” በሎም።
3ሄሮድስ ብሰንኪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፥ ንዮሃንስ ሒዙ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። 4ዮሃንስ “ሰበይቲ ሓውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን እዩ” ይብሎ ነበረሞ። 5#ማቴ. 11፡9፥ 21፡26። ክቐትሎ እኳ እንተ ደለየ፥ እቶም ህዝቢ ንዮሃንስ ከም ነቢይ ይሪእዎ ስለ ዝነበሩ፥ ይፈርሖም ነበረ። 6በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ፥ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእኸሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሐጐሰቶ፤ 7ሽዑ ዝደለየቶ ኽህባ መሓለላ። 8ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ፃሕሊ ጌርካ ሃበኒ” በለቶ።
9እቲ ንጉስ ሓዘነ፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ክህብዋ ኣዘዘ። 10ሰብ ልኢኹ ድማ፥ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። 11ነታ ርእሱ ብፃሕሊ ኣምፂኦም፥ ነታ ጓል ሃብዋ፤ ንሳ ድማ ወሲዳ ንኖኣ ሃበታ። 12ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ድማ መፂኦም፥ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ ከይዶምውን ንኢየሱስ ነገርዎ።
ኢየሱስ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ከም ዘበርከተ
(ማር. 6፡30-44ሉቃ. 9፡10-17ዮሓ. 6፡1-14ማቴ. 15፡32-39)
13ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ፥ ንበይኑ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ሰሚዖም ከካብ ዓዶም ተኣኪቦም ብእግሪ ተኸተልዎ። 14#ማቴ. 4፡12፥ 11፡2፥ ሉቃ. 3፡19-20። ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ራህርሀሎም፤ ንሕሙማቶም ድማ ኣሕወየ። #ማቴ. 9፡36። 15ምስ መሰየ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም “እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ጊዜውን ሓሊፉ እዩ፤ ስለዙይ እዞም ህዝቢ ናብ ዓድታት ከይዶም፥ ንባዕላቶም ምግቢ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ። 16ኢየሱስ ግና “ብጥሙዮም ክኸዱ ኣይግባእን እዩ፤ ንስኻትኩም ደኣ ዝብላዕ ሃብዎም” በሎም። 17ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ እንትርፊ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካልእ የብልናን” በልዎ። 18ንሱ ግና “ናባይ ኣምፅእወን” በለ። 19ነቶም ሰባትውን ኣብ ሳዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ፥ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም። 20ኵሎም በሊዖም ፀገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ። 21እቶም ዝበልዑ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ነበሩ።
ኢየሱስ ብባሕሪ ኸም ዝኸደ
(ማር. 6፡45-52ዮሓ. 6፡15-21)
22ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብቶም፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዮም፥ ናብ ማዕዶ ኽቕድምዎ ኣዘዞም። 23#ማር. 1፡35። ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸዓ፥ ክፅሊ በይኑ ናብ እምባ ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ድማ፥ በይኑ ኣብኡ ነበረ። 24እታ ጃልባ [ሓሙሽተ ኺሎ ሜትር ኣቢላ] ኻብ ምድሪ ርሒቓ ነበረት፤ #14፡24 ሓሙሽተ ኺሎ ሜትር፦ ግእዝ “ዕስራን ሓሙሽተን ምዕራፍ” ይብል። ንፋስ ብቕድሚኣ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ብማዕበል ትናወፅ ነበረት። 25ኢየሱስ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ #14፡25 ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ፦ ወይ “ለይቲ ብራብዐይቲ ኽፍለ ጊዜ” ኣቢሉ ብልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ናብኣቶም መፀ። 26#ሉቃ. 24፡37። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብልዕሊ ባሕሪ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ “ምትሃት እዩ” ኢሎም ተሸበሩ፤ ካብ ፍርሓት ዝተልዓለውን ኣእወዩ። 27ኢየሱስ ግና ሽዑ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ #14፡27 ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ፦ ግእዝ “እመኑ” ይብል። ኣነ እየ” በሎም። 28ጴጥሮስ መሊሱ፥ “ጐይታ! ንስኻ እንተ ዄንካስ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመፅእ ኣዝዘኒ” በሎ። 29#ማር. 9፡23። ንሱ ድማ “ነዓ!” በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፥ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ። 30#ማቴ. 8፡25። ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ። 31#ማቴ. 8፡26። ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ። 32ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ ግና፥ እቲ ንፋስ ሃድአ። 33#ማቴ. 16፡16፥ 28፡9-17፥ ዮሓ. 1፡49-50፥ 11፡27፥ 20፡28፥ ግ.ሓ. 8፡37። እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸዓ “ንስኻ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ!” እናበሉ ሰገዱሉ።
34ባሕሪ ተሳጊሮም ድማ፥ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ በፅሑ። 35እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፥ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘለዋ ዅለን ዓድታት ልኢኾም፥ ንዅሎም ሕሙማት ኣምፅኡሉ። 36#ማር. 6፡53-56፥ ማቴ. 9፡20-21። ዘፈር ክዳኑ ኽነኽኡ ጥራሕ ለመንዎ፤ ኵሎም ዝነኽእዎ ድማ ሓወዩ።

Currently Selected:

ማቴዎስ 14: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in