ማቴዎስ 13
13
ምስላ ዘርእን ዘራእን
(ማር. 4፡1-9፥ ሉቃ. 8፡4-8)
1በታ መዓልቲ እቲኣ ኢየሱስ ካብ ቤት ወፂኡ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። 2ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። 3ብምስላ ድማ ኸምዙይ እናበለ ብዙሕ ነገሮም፤ “እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ፤ 4ክዘርእ እንተሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ ነበረ፤ ኣዕዋፍ መፂኦም ድማ በልዕዎ። 5ገሊኡውን ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ፥ ቀልጢፉ በቘለ። 6ፀሓይ ምስ በረቐት ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ። 7ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ዓብዩ ሓነቖ። #13፡7 እቲ እሾዅ ዓብዩ ሓነቖ፦ ግእዝ “ምስ በቘለውን እቲ እሾዅ ሓነቖ” ይብል። 8ገሊኡ ግና ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሰላሳ ድማ ፈረየ። 9#ማቴ. 11፡15፥ ማር. 4፡23። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”
ኢየሱስ ስለ ምንታይ ብምስላ ኸም ዝተዛረበ
(ማር. 4፡10-12፥ ሉቃ. 8፡9-10)
10ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም “ስለ ምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘለኻ?” በልዎ። 11#1 ቆሮ. 2፡9-10፥14-16፥ 1 ዮሓ. 2፡20። ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን። 12#ማቴ. 25፡29፥ ማር. 4፡25፥ ሉቃ. 8፡18። ንዘለዎ ይወሃቦ ይበዝሐሉውን፤ ንዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ። 13#ዘዳ. 29፡4፥ ኢሳ. 42፡19-20፥ ማር. 8፡18፥ 1 ቆሮ. 4፡4። እናረአዩ ኣይሪኡን፤ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፤ ወይ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፥ ስለዙይ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘለኹ።
14-15 #
ኢሳ. 6፡9-10፥ ዮሓ. 9፡40-41። ‘በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤
በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ዓመቱ፤
ብልቦም ከየስተውዕሉ፥
ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምስ፥ #13፡14-15 ኣነውን ከየሕውዮምስ፦ ግእዝ “ይቕረ ኸይብለሎምስ” ይብል።
ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ተሪሩ እዩ እሞ፥
ምስማዕስ ትሰምዑ ኢኹም፤
ግና ኣይተስተውዕሉን፤
ምርኣይውን ትሪኡ ኢኹም፤
ግና ኣይተስተብህሉን፤’
ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
16 #
ሉቃ. 10፡23-24፥ ዕብ. 11፡13። “ንስኻትኩም ግና ኣዒንትኹም ይሪኣ፤ ኣእዛንኩምውን ይሰምዓ ኣለዋ እሞ ብፁኣን ኢኹም። 17ብዙሓት ነቢያትን ፃድቃንን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ክሪእዎ ተመንዮም ከም ዘይረአይዎ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ክሰምዑዎ ተመንዮም ከም ዘይሰምዑዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ኢየሱስ ንምስላ ዘራኢ ኸም ዝተርጐሞ
(ማር. 4፡13-20፥ ሉቃ. 8፡11-15)
18“እምበኣር ንስኻትኩም ናይቲ ዘራኢ ምስላ ስምዑ። 19#1 ቆሮ. 2፡14። ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ። 20#ሕዝ. 33፡31-32። እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ግና፥ ነቲ ቓል ሰሚዑ ሽዑ ብሓጐስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ። 21#ማቴ. 7፡26-27። እንተ ኾነ ሱር ስለ ዘይብሉ ንጊዜኡ እዩ እምበር፥ ስለ እቲ ቓል ስደት ወይ መከራ ምስ ኮነ፥ ሽዑ ንሽዑ ይኽሕድ። 22#ማቴ. 19፡23። እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ። 23#ዮሓ. 15፡8። እቲ ኣብ ፅቡቕ መሬት ዝተዘርአ ግና፥ እቲ ነዝ ቓል ሰሚዑ ዘስተውዕል እዩ፤ ንሱውን ፍረ ይፈሪ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡውን ሰላሳ ይህብ እዩ።”
ምስላ ኽርዳድን ስርናይን
24ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራቱ ፅቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል። 25እቶም ቤተሰቡ ደቂሶም እንተለዉ፥ ፀላኢኡ መፂኡ፥ ኣብቲ ማእኸል ስርናይ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። 26እቲ በቝሊ ዓብዩ ምስ ፈረየ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተርኣየ። 27ኣገልገልቲ እቲ በዓል ግራት መፂኦም ‘ጐይታይ! ኣብ ግራትካ ፅሩይ ዘርኢዶ ዘሪእኻ ኣይነበርካን? እዝ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መፀ?’ በልዎ። 28‘ነዙይስ ፀላኢ እዩ ዝገበሮ’ በሎም፤ እቶም ኣገልገልቱ ግና፥ ‘እምበኣር ኬድና ኽንፃህዮዶ ትደሊ ኢኻ?’ በልዎ። 29#1 ቆሮ. 4፡5። ንሱ ድማ ‘ክርዳድ ክትፃህዩ እንተለኹም ምስኡ ስርናይ ከይትብቍሱስ፥ 30#ማቴ. 3፡12፥ ራእይ 14፡15። ክሳዕ ቐውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም፤ ብእዋን ቀውዒ ነቶም ዓፃዶ፥ ቅድም ነቲ ኽርዳድ በቁስዎ፤ ክነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፤ ነቲ ስርናይ ግና፥ ኣብ ቆፎይ ኣእትውዎ’ ኽብሎም እየ” በሎም።
ምስላ ኣድርን ማይ ብሒቝን
(ማር. 4፡30-34፥ ሉቃ. 13፡18-21)
31ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፥ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። 32#ሕዝ. 17፡23። ንሳ ድማ ኻብ ኵሉ ኣዝርእቲ ትንእስ፥ ምስ በቘለት ግና ኣዕዋፍ ሰማይ መፂአን፥ ኣብ ጨናፍራ ኽሳዕ ዘዕርፋ፥ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።” 33#ሉቃ. 13፡20-21፥ ማቴ. 16፡6። ካልእ ምስላውን ነገሮም፤ “መንግስተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰትሉ፥ ማይ ብሒቝ ትመስል።”
34-35 #
ማር. 4፡33፥ መዝ. 78፡2። ኢየሱስ እቲ ብነቢይ “ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፤ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ተሰዊሩ ዝነበረውን እነግር” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ነቶም ህዝቢ እዝ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፥ ብዘይ ምስላስ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረቦምን።
ትርጕም ምስላ ናይቲ ኣብ ግራት ዝበቘለ ኽርዳድ
36ድሕሪዙይ ነቶም ህዝቢ ኣፋንዩ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፥ ምስላ ናይቲ ኽርዳድን [ስርናይን] ግራትን ተርጕመልና በልዎ። 37ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ፅሩይ ዘርኢ ዝዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፤ 38#ዮሓ. 8፡44፥ 1 ዮሓ. 3፡10። እታ ግራት ዓለም እያ፤ ፅሩይ ዘርኢ ድማ፥ ደቂ መንግስቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና፥ ደቂ እቲ እኩይ እዮም። 39#ራእይ 14፡15። እቲ ዝዘርኦም ፀላኢ ኸዓ፥ ዲያብሎስ እዩ፤ ቀውዒ ድማ፥ መወዳእታ ዓለም እዩ፤ እቶም ዓፃዶውን፥ መላእኽቲ እዮም። 40እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዘቃፅልዎ፥ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ። 41#ማቴ. 25፡31-46፥ 1 ቆሮ. 6፡9-10። ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን፥ ገበርቲ ኽፉእን፥ ካብ መንግስቱ ኽኣርይዎም እዮም። 42#ማቴ. 8፡12፥ 13፡50፥ ራእይ 20፡10። ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኽድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። 43#ምሳ. 4፡18፥ ዳን. 12፡3፥ ማቴ. 13፡9። ሽዑ ፃድቃን ኣብ መንግስቲ ሰማያዊ ኣቦኣቶም ከም ፀሓይ ክበርሁ #13፡43 ከም ፀሓይ ክበርሁ፦ ግእዝ “ካብ ፀሓይ ሸውዓተ ኢድ ይደምቁ” ይብል። እዮም፤ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
ተቐቢሩ ዝተረኽበ ወርቅን ዕንቝን
44“መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራት ዝተሓብአ ሃብቲ እሞ፥ ሓደ ሰብ ምስ ረኸቦ ዝሓብኦ፥ ካብ ታሕጓሱ ዝተልዓለ ኸዓ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ግራት ዝዕድግ ትመስል።
45-46 #
ምሳ. 3፡14-15። “ከምኡ ድማ መንግስተ ሰማያት፥ ክቡር ዕንቊ ዝደሊ ነጋዳይ ሰብ እሞ፥ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ዕንቊ ዝዕድጋ ትመስል።
ምስላ መርበብ ዓሳ
47 #
ማቴ. 22፡9-10። “ከምኡውን መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ባሕሪ ዝተዘርግሐት እሞ፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። 48ምስ መልአት ናብ ደንደስ ኣውፅእዋ፤ ተቐሚጦም ድማ ፀፅቡቑ ኣርዮም ኣብ ኣቕሓ ኣከቡ፤ ነቲ ሐሕማቑ ግና ንወፃኢ ደርበይዎ። 49#ማቴ. 25፡32። ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ፤ መላእኽቲ መፂኦም ነቶም ክፉኣት፥ ካብ ማእኸል ፃድቃን ክፈልይዎም እዮም። 50#ማቴ. 13፡42። ናብ እቶን ሓዊውን ክድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።”
51ኣስዒቡ ኸዓ “ነዝ ዅሉስ ተረዲእኹምዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ” በልዎ። 52ንሱ ኸዓ “እምበኣርከስ ኵሉ ናይ መንግስተ ሰማያት ደቀ መዝሙር ዝኾነ መምህር ሕጊ፥ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ነገራት ዘውፅእ፥ በዓል ገዛ እዩ ዝመስል” በሎም።
ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይኸብር
(ማር. 6፡1-6፥ ሉቃ. 4፡16-30)
53ኢየሱስ ነዘን ምስላታት እዚኣተን ምስ ፈፀመ ኻብኡ ኣግለሰ። 54ናብ ዓዱ መፂኡ ኸዓ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #13፡54 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ኣትዩ፥ ከምዙይ ኢሎም ክሳዕ ዝድነቑ መሃሮም፦ “እዝ ሰብ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥበብን፥ እዝ ዅሉ ተኣምራትን ካበይ ረኸቦ? 55ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን? እኖኡስ ማርያምዶ ኣይኮነትን? ኣሕዋቱስ ያእቆብ፥ ዮሳ፥ ስምኦን፥ ይሁዳዶ ኣይኮኑን? 56#ማቴ. 2፡23፥ ሉቃ. 4፡22፥ ዮሓ. 7፡15-46፥ ማቴ. 12፡46፥ ዮሓ. 6፡42። ኵለን ኣሓቱስ እተን ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን? እዝ ዅሉ [ጥበብን ሓይልን] ደኣ ኻበይ ኣምፅኦ?” በሉ፤ 57#ሉቃ. 2፡34፥ ዮሓ. 1፡11፥ 4፡44፥ 1 ቆሮ. 1፡23። ብእኡ ኸዓ ተዓንቀፉ። ኢየሱስ ግና “ነቢይ፥ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ገዛኡን ኣይነዓቕን” በሎም። 58ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ድማ፥ ኣብኡ ብዙሕ ተኣምራት ኣይገበረን።
Currently Selected:
ማቴዎስ 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in