ማቴዎስ 12
12
ኢየሱስ ጐይታ ሰንበት ከም ዝኾነ
(ማር. 2፡23-28፥ ሉቃ. 6፡1-5፥ ዘዳ. 23፡25)
1በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ፥ ብሰንበት ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ፥ ሸዊት እናቐንጠቡ ኽበልዑ ጀመሩ። 2#ዘፀ. 20፡10። ፈሪሳውያን ድማ እዙይ ሪኦም “ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ። 3-4#1 ሳሙ. 21፡3፥6፥ ዘፀ. 25፡30። ንሱ ድማ፦ “ዳዊት ምስ ጠመየ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ ንኻህናት ንበይናቶም እምበር፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ ክበልዕዎ ዘይግባእ ሕብስቲ ቝርባን፥ ከም ዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? 5#ዘሑ. 28፡9፥ ዮሓ. 7፡22። ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብሰንበት፥ ንሰንበት ከም ዝስዕርዋ፥ በደል ከዓ ኸም ዘይኾኖም ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? 6ኣነ ግና ኻብ ቤተ መቕደስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ፥ እብለኩም ኣለኹ። 7#ሆሴዕ 6፡6፥ ማቴ. 9፡13። ግና ‘ካብ መስዋእቲ፥ ምሕረት እፈቱ’ ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተ እትፈልጡስ፥ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምዎምን ኔርኩም፤ 8ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ እሞ” በሎም።
ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ከም ዘሕወየ
(ማር. 3፡1-6፥ ሉቃ. 6፡6-11)
9ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #12፡9 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” ኣተወ። 10#ሉቃ. 14፡3፥ 20፡20። እንሆ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ክኸስዎ ኸዓ፥ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 11#ሉቃ. 13፡15፥ 14፡5። ኢየሱስ ከዓ፦ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፥ ብሰንበት ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፥ ሒዙ ዘየውፅኣ ሰብ መን እዩ? 12#ማር. 2፡27። ካብ በጊዕስ ሰብዶ ግዳ እምብዛ ኣይበልፅን? እምበኣር ብሰንበት ፅቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ” በሎም። 13ሽዑ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ ዘርግሓ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት። 14#ማቴ. 22፡15፥ ማር. 14፡1፥ ዮሓ. 11፡53። ፈሪሳውያን ግና ኻብኡ ወፂኦም ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ተማኸሩ። 15ኢየሱስ ድማ ነዙይ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ ተኸተልዎ፤ ንዅሎምውን ኣሕወዮም። 16#ማቴ. 8፡4። ከየግህድዎ ድማ ኣጠንቀቖም። 17#ኢሳ. 42፡1-4። እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ
18“እንሆ እቲ ዝሓረኽዎ፥
ብእኡ ደስ ዝብለኒ ዘፍቅሮ ኣገልጋሊየይ፥
ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፤
ንኣህዛብ ድማ ፍትሒ ኸብስር እዩ።
19ንሱ ኣይከራኸርን፤ ዓው ኢሉ ኣየድምፅን፤
ሓደ እኳ ኣብ ኣደባባይ ድምፁ ኣይሰምዕን እዩ።
20ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብፅሕ
ንቕጥቁጥ ሻምበቆ ኣይሰብርን፤
ንዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።
21ኣህዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ኽገብሩ እዮም።”
ተብሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ጋኔን ዝሓደሮን ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀርፍን
(ማር. 3፡20-30፥ ሉቃ. 11፡14-23)
22 #
ማቴ. 9፡32-34። ድሕሪዙይ ጋኔን ዝሓደሮ ሓደ ዕዉርን በሃምን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ፥ ከም ዝርእን ከም ዝዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ። 23#ማቴ. 1፡1። ኵሎም እቶም ህዝቢ ከዓ “እዙይስ እቲ ወዲ ዳዊትዶ ኣይኮነን?” ኢሎም ተደነቑ።
24ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፥ “እዙይ ብሓለቓ ኣጋንንቲ ‘ብብኤል ዜቡል’ እዩ እምበር፥ ንኣጋንንቲ ኣየውፅኦምን እዩ” በሉ።
25 #
ማቴ. 9፡4። ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፤ “ኵላ ንስንሳታ እትፈላለ መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ እትፈላለ ዅላ ኸተማ ወይ ገዛ ድማ ኣይትቐውምን እያ። 26እምበኣር ሰይጣን ንሰይጣን ዘውፅኦ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ንስንሳቱ ተፈላልዩ ማለት እዩ፤ እታ መንግስቱኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም? 27ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ፥ ደቅኹም ደኣ ብመን የውፅእዎም? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድቲ ክኾኑኹም እዮም። 28#ማቴ. 3፡1-2፥ ሉቃ. 10፡9። ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ እምበኣር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም መፂኣ ኣላ ማለት እዩ።
29 #
ቈላ. 2፡15። “ወይ ከዓ ቕድም ነቲ ሓያል እንተይኣሰረ፥ ናብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ኣቑሑኡ ኽጕርጕር ዝኽእል መን እዩ? ድሕሪዙይ እዩ፥ ነቲ ገዛኡ ዝጕርጕር። 30እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተፃራርየይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከዓ ይብትን። 31#ዕብ. 6፡4-6፥ 10፡26። ስለዙይ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ይሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ። 32#ሉቃ. 12፡10። ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዘይግባእ ቃል ዝተዛረበ ኽሕደገሉ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ዘይግባእ ዝተዛረበ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኾነ፥ ኣብታ እትመፅእ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
ፅቡቕ ኦም ብፍረኡ ኸም ዝፍለጥ
(ሉቃ. 6፡43-45)
33 #
ማቴ. 7፡16-20። “ፅቡቕ ኦም ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ እሞ፥ ፅቡቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ፅቡቕ ይኸውን፤ ወይ ከዓ ሕማቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን። 34#ያቆ. 3፡11-12። ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፥ ክፉኣት እንተለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ፅቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ?
35 #
ሉቃ. 6፡45። “ሕያዋይ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ ነገር የውፅእ።”
36-37 #
ሉቃ. 19፡22። “ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”
ብዛዕባ ምልክት ዮናስ
(ማር. 8፡11-12፥ ሉቃ. 11፡29-32)
38 #
ማቴ. 16፡1፥ ማር. 8፡11፥ ሉቃ. 11፡16፥ 23፡8፥ ዮሓ. 2፡18፥ 6፡30፥ 1 ቆሮ. 1፡22። ሽዑ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን መፂኦም “ኦ መምህር! ካባኻ ምልክት ክንርኢ ንደሊ ኢና” በልዎ። ንሱ ግና ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ 39#ማቴ. 16፡4። “እዛ ኽፍእትን ዘይተኣምንን ትውልዲ እዚኣ፥ ምልክት ትደሊ ኣላ፤ እንተ ኾነ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃባን እዩ። 40#ዮናስ 2፡1። ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ። 41#ዮናስ 3፡5፥ ሮሜ 2፡27። ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ተሲኦም ክዅንንዋ #12፡41 ክዅንንዋ፦ ግእዝ “ክፋረድዋን ከዋርድዋን” ይብል። እዮም። እምበኣር ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ። 42#1 ነገ. 10፡1-10። ንግስቲ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ተሲኣ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ኽትኵንና #12፡42 ኽትኵንና፦ ግእዝ “ክትፋረዳን ክተዋርዳን” ይብል። እያ፤ እምበኣር ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ ኽምለስ ከም ዝኽእል
(ሉቃ. 11፡24-26)
43“ርኹስ መንፈስ፥ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ ማይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዀለል ይብል፤ ግና ኣይረክብን። 44ሽዑ ‘ናብቲ ዝወፃእኹሉ ቤተይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል፤ እንተ መፀ ድማ፥ ጥራሑን ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይረኽቦ። 45#ዮሓ. 5፡14፥ ዕብ. 10፡26፥ 2 ጴጥ. 2፡20-22። ድሕሪዙይ ይኸይድ እሞ፥ ካብኡ ዝገደዱ ሸውዓተ ኻልኦት ርኹሳት መናፍስቲ ሒዙ ይመፅእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሓድሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ይኸውን፤ ነዝ ኽፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ፥ ከምኡ ክኾኖ እዩ።”
እኖ ኢየሱስን ኣሕዋቱን
(ማር. 3፡31-35፥ ሉቃ. 8፡19-21)
46 #
ማቴ. 13፡55፥ ማር. 6፡3፥ ግ.ሓ. 1፡14። ነቶም ህዝቢ ኽነግሮም እንተሎ፥ እንሆ እኖኡን ኣሕዋቱን ከዛርብዎ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። 47ሓደ ሰብ ከዓ “እኖኻን ኣሕዋትካን ከዘራርቡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” በሎ።
48 #
ዮሓ. 2፡4። ኢየሱስ ግና ነቲ ዝነገሮ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሉ። 49-50#ማቴ. 7፡21፥ ዮሓ. 1፡12-13። ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኢዱ ዘርጊሑ እናመልከተ “እኖይን ኣሕዋተይን እዚኣቶም እዮም። ኵሉ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር፥ ንሱ ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በለ።
Currently Selected:
ማቴዎስ 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in