YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 11

11
ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ናብ ኢየሱስ ዝተልኣኹ
(ሉቃ. 7፡18-35)
1ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣብ ከተማታቶም ክምህርን ክሰብኽን ካብኡ ሓለፈ።
2 # ማቴ. 14፡3። እንሆ ድማ ዮሃንስ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ፥ ብዛዕባ ተግባር ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፥ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፥ 3“እቲ ዝመፅእ ንስኻ ዲኻ፥ ወይ ድማ እንፅበዮ ኻልእ ኣሎ?” በሎ።
4ኢየሱስ ከዓ፦ “ኬድኩም፥ እዝ እትሰምዕዎን እትሪእዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ። 5#ኢሳ. 29፡18፥19፥ 35፡5፥6፥ 61፡1፥ ማቴ. 15፡30-31። ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምዉታን ይትስኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሰሩ ኣለዉ። 6#ኢሳ. 8፡14፥15፥ ማቴ. 13፡57። ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁእ እዩ” በሎም።
ኢየሱስ ንዮሃንስ ከም ዝነኣዶ
7 # ማቴ. 3፡5። ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ፥ ብዛዕባ መጥምቕ ዮሃንስ፥ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “እንታይ ክትሪኡ ናብ በረኻ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምበቆ? 8እንታይ ደኣ ኽትሪኡ ወፃእኹም? ብቐጭን ክዳውንቲ ዘጌፀ ሰብ? ቀጭን ክዳውንቲ ዝኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣብያተ ነገስታት ኣለዉ። 9#ማቴ. 14፡5፥ ሉቃ. 1፡76-77። እንታይ ክትሪኡ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይ ኽትሪኡ? እወ፥ እኳ ደኣ ኻብ ነቢይ ዝበልፅ እዩ እብለኩም ኣለኹ። 10#ሚል. 3፡1፥ ዮሓ. 3፡28። ንሱ እቲ ብዛዕባኡ ‘እንሆ ኣነ ቐቅድሜኻ መንገድኻ ዝፀርግ ልኡኸይ፥ ኣቐዲመ እልእኽ ኣለኹ’ ተብሂሉ ዝተፅሓፈሉ እዩ እሞ። 11ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይተስአ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና፥ እቲ ኻብኡ ዝንእስ እዩ ዝዓብዮ። 12#ሉቃ. 13፡24፥ 16፡16። ካብ ዘመን መጥምቕ ዮሃንስ ክሳዕ ሎሚ፥ መንግስተ ሰማያት ትግፋዕ ኣላ፤ እቶም ዝገፍዑ #11፡12 ዝገፍዑ፦ ግእዝ “ተገፋዕቲ” ይብል። ድማ፥ ይመናጠልዋ ኣለዉ።
13 # ግ.ሓ. 3፡24። “ኵሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሃንስ ተነብዮም እዮም እሞ። 14#ማቴ. 17፡10-13፥ ማር. 9፡13፥ ሉቃ. 1፡17፥ ሚል. 4፡5። ክትቅበልዎ እንተ ደኣ ደሊኹም፥ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ኤልያስ፥ ንሱ ዮሃንስ እዩ። 15#ማቴ. 13፡9። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
16“ነዝ ትውልዲ እዙይ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም፥ መሓዙቶም ዝፅውዑ ቘልዑ እዩ ዝመስል። 17ከምዙይ ከዓ ይብልዎም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ #11፡17 እምብልታ ነፋሕናልኩም፦ ግእዝ “ኣቐንቀናልኩም ኣይደረፍኩምን” ይብል። ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን።’ 18#ሉቃ. 1፡15። ዮሃንስ እንተይበልዐን እንተይሰተየን እንተ መፀ ጋኔን ኣለዎ ይብሉ። 19#ሉቃ. 7፡24-35። ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን እንተ መፀ ኸዓ፥ እንሆ በላዕን ሰታዪ ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ይብሉ። ጥበብ ግና ብደቃ ፀደቐት።” #ማቴ. 9፡10፥11።
ብዘይ ምእማነን ዝተወቐሳ ኸተማታት
(ሉቃ. 10፡13-15)
20 # ዮሓ. 12፡37። ድሕሪዙይ ኢየሱስ ነተን ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረለን ከተማታት፥ ስለ ዘይተነስሃ ኸምዙይ ኢሉ ኽነቕፈን ጀመረ፦ 21“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን። 22#ሉቃ. 12፡47-48። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዝቐለለን፥ እነግረክን ኣለኹ። 23ኣቲ ቅፍርናሆም፥ ንስኺ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ተልዓልኪ፥ ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ፤ እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ክሳዕ ሎሚ ምሃለወት ነይራ። 24#ማቴ. 10፡15፥ ሰቆ. 4፡6። ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኽስ ንምድሪ ሰዶም ከም ዝቐለላ እነግረኪ ኣለኹ።”
ዕረፍቲ ብኢየሱስ ከም ዝኾነ
(ሉቃ. 10፡21-22)
25 # ኢሳ. 5፡21፥ ማቴ. 16፡17፥ 1 ቆሮ. 1፡26-29። በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ። 26እወ፥ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ ኸምኡ እዩ እሞ። 27#ማቴ. 28፡18፥ ዮሓ. 1፡18፥ 3፡35፥ 6፡46፥ 7፡29፥ 10፡15፥ 13፡3፥ 17፡2፥ 1 ቆሮ. 15፡27። ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።
28 # ዮሓ. 6፡37። “ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ። 29#ዮሓ. 13፡15፥ ፊልጵ. 2፡5-8፥ 1 ጴጥ. 2፡21፥ 1 ዮሓ. 5፡3። ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። 30ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”

Currently Selected:

ማቴዎስ 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in