ማቴዎስ 10
10
ንሃዋርያት ከም ዝለኣኾም
(ማር. 3፡13-19፥ ሉቃ. 6፡12-16)
1 #
ማር. 6፡7-11፥ ሉቃ. 9፡1-5፥ 3፡12፥ ማር. 3፡14-15። ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ ንርኹሳት መናፍስቲ ኸውፅእዎም፥ ንዝኾነ ደዌን ሕማምን ድማ፥ ከሕውዩ ስልጣን ሃቦም። 2ስም ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ድማ፦ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦን፥ ሓዉ እንድርያስ፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፥ ሓዉ ዮሃንስ፥ 3ፊልጶስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ቶማስ፥ እቲ ተቐባሊ ቐረፅ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ታዴዎስ ዝተብሃለ ልብድዮስ፥ 4#ማር. 3፡16-19፥ ሉቃ. 6፡13-16፥ ግ.ሓ. 1፡13። ስምኦን ቀናኢን፥ እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን እዩ። 5-6#ማቴ. 15፡24፥ 9፡36፥ ዮሓ. 10፡16፥ ግ.ሓ. 8፡5፥25፥ 13፡46። ኢየሱስ ነዞም ዓሰርተ ኽልተ ለኣኾም። ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ናብተን ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኣ ቤት እስራኤል ደኣ እምበር፥ ናብ ምድሪ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፤ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። 7#ማቴ. 3፡1-2። ኬድኩም ድማ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ። 8#2 ነገ. 5፡16፥ ግ.ሓ. 20፡33፥ 1 ቆሮ. 9፡18። ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ምዉታን ኣተስኡ፤ ለምፃማት ኣንፅሁ፤ ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፤ ብዘይ ዋጋ #10፡8 ብዘይ ዋጋ፦ ግእዝ “ብፀጋ” ይብል። ዝተቐበልኩምዎ ብዘይ ዋጋ ሃቡ። #10፡8 ብዘይ ዋጋ፦ ግእዝ “ብልግሲ” ይብል። 9#ሉቃ. 22፡35-36። ኣብ ቅናውትኹም ወርቂ፥ ብሩር፥ ወይ ነሃስ፥ ኣይትሓዙ። 10#1 ቆሮ. 9፡13-14። ከምኡ ኸዓ ስንቂ ንመንገዲ፥ ወይ ክልተ ኽዳን፥ ወይ ኣሳእን፥ ወይ በትሪ ኣይትሓዙ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ። 11ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ ወይ ዓዲ፥ ኣብኣ እቲ ብቑዕ መን ከም ዝኾነ ጠይቑ፤ ክሳዕ እትወፁ ድማ፥ ኣብኣ ፅንሑ። 12ኣብ ገዛ ኽትኣትዉ እንተለኹም ሰላም በልዎ። 13#ግ.ሓ. 16፡15። እቲ ገዛ እቱይ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ ሰላምኩም ይሕደሮ፤ ዘይግብኦ እንተ ኾይኑ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። 14#ግ.ሓ. 13፡51፥ 18፡6። እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖምኹም ግና፥ ካብታ ገዛ ወይ ካብታ ኸተማ ኽትወፁ እንተለኹም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ። 15#ዘፍ. 19፡24-25፥ ማቴ. 11፡24፥ ሉቃ. 12፡48፥ 2 ጴጥ. 2፡6። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንምድሪ ሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ሃዋርያት መከራ ኽቕበሉ ኸም ዘለዎም
(ማር. 13፡9-13፥ ሉቃ. 21፡12-17)
16 #
ሉቃ. 10፡3፥ ሮሜ 16፡19፥ 1 ቆሮ. 14፡20። “እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ። 17ካብ ክፉኣት ሰባትውን ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶም ድማ ኽገርፉኹም እዮም እሞ። 18#ማቴ. 24፡9፥ ማር. 13፡9፥ ዮሓ. 16፡2፥ ግ.ሓ. 5፡40፥ 6፡12፥ 25፡23፥ 27፡24፥ 2 ቆሮ. 11፡24። ንኣኣቶምን ንኣህዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም። 19#ማር. 13፡11፥ ሉቃ. 21፡14፥ ዘፀ. 4፡12፥ ኤር. 1፡9። ኣሕሊፎም ክህቡኹም እንተለዉ፥ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ከም እትዛረቡ ኽወሃበኩም እዩ እሞ፥ ከመይ ወይ እንታይ ክንዛረብ ኢና ኢልኩም ኣይትጨነቑ። 20#ሉቃ. 12፡12፥ ዮሓ. 14፡26፥ ግ.ሓ. 4፡8። መንፈስ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እዩ፥ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዝዛረብ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ። 21#ሚክ. 7፡6፥ ማቴ. 10፡35-36፥ ማር. 13፡12። ሓው ንሓዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣሕሊፉ ኽህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ክለዓሉ፥ ክቐትልዎምውን እዮም። 22#ማቴ. 24፡9፥13፥ ማር. 13፡13፥ ሉቃ. 6፡22፥ 21፡17፥19፥ ራእይ 2፡10። ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ሰብ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ። 23#ማቴ. 16፡28፥ 9፡25፥30፥ 14፡6። ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተ ኣሳጐጕኹም፥ ናብ ካልእ ህደሙ፤ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ከተማታት እስራኤል በፂሕኹም ከም ዘይትውድእወን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 24#ሉቃ. 6፡40፥ ዮሓ. 13፡16፥ 15፡20። ካብ መምህሩ ዝበልፅ ተምሃራይ፥ ካብ ጐይታኡ ዝበልፅ ኣገልጋሊ የለን። 25#ማቴ. 12፡24። ተምሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ኸም ጐይታኡ እንተ ኾነ ይኣኽሎ እዩ። ንበዓል ገዛ ‘ብኤል ዜቡል’ ካብ በልዎ፥ ንቤተሰቡ ግዳ ኸመይ ብዙሕ ዘይብልዎም።
ንመን ምፍራሕ ከም ዝግባእ
(ሉቃ. 12፡2-7)
26 #
ማር. 4፡22፥ ኤፌ. 5፡13፥ 1 ጢሞ. 5፡24-25። “እምበኣር ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ድማ ሕቡእ የለንሞ፥ ኣይትፍርሕዎም። 27ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። 28#ሕዝ. 3፡9፥ ያቆ. 4፡12፥ ራእይ 2፡10። ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም። 29ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም #10፡29 ብሳንቲም፦ ግሪክ “ኣሶርዮን” ይብል። ይሽየጣ ኣይኮናን? ሓንቲ እኳ ኻብኣተን፥ ብዘይ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። 30#ሉቃ. 21፡18። ንስኻትኩም ግና፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝፁራት እየን። 31#ማቴ. 6፡26። እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ፥ እምብዛ ትበልፁ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሑ።
እሙን ምስክር
(ሉቃ. 12፡8-9)
32 #
ሮሜ 10፡9-11፥ ራእይ 3፡5። “ንዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝምስክረለይ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ። 33#ማር. 8፡38፥ 1 ዮሓ. 2፡23። ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኽሕደኒ ግና፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።
34“ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመፃእኹ ኣይምሰልኩም፤ ሰይፊ #10፡34 ሰይፊ፦ ብምስላ ኣዘራርባ “ዂናት” ማለት እዩ። እምበር ሰላም ከውርድ ኣይመፃእኹን። 35#ማቴ. 10፡21። ወዲ ኻብ ኣቦኡ፥ ጓል ካብ እኖኣ፥ መርዓት ካብ ሓማታ፥ ክፈላሊ እየ ዝመፃእኹ። 36#ሉቃ. 12፡51-53። ንሰብ ፀላእቱ፥ ቤተሰቡ ክኾኑ እዮም። 37#ዘዳ. 13፡6፥8። እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። #10፡37 ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን፦ ግእዝ “ከገልግለኒውን ኣይኽእልን” ይብል። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። 38#ማቴ. 16፡24። እቲ መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። 39#ሉቃ. 14፡26፥27። ንህይወቱ ኸድሕና ዝደለየ ኸጥፍኣ እዩ፤ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኸድሕና እዩ። #ማቴ. 16፡25።
40 #
ዮሓ. 13፡20። “ንኣኻትኩም ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል። 41#1 ነገ. 17፡10-24፥ ዕብ. 6፡10። ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል፥ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፤ ንፃድቕ ብስም ፃድቕ ዝቕበልውን፥ ዓስቢ ፃድቕ ይረክብ። 42#ማቴ. 25፡40፥ ማር. 9፡41። ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ፥ ብስም ደቀ መዝሙረይ ፅዋዕ ዝሑል ማይ ዘስቲ፥ ዓስቡ ኸቶ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
Currently Selected:
ማቴዎስ 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in