YouVersion Logo
Search Icon

ማቴዎስ 9

9
ንሓደ መፃጕዕ ከም ዘሕወየ
(ማር. 2፡1-12ሉቃ. 5፡17-26)
1ኢየሱስ ናብ ጃልባ ደዪቡ ባሕሪ ምስ ተሳገረ፥ ናብ ዓዱ በፅሐ። 2#ሉቃ. 7፡48። እንሆ ኸዓ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ መፃጕዕ ናብኡ ኣምፅኡሉ፤ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ሪኡ፥ ነቲ መፃጕዕ “ኣይዞኻ ወደይ! ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ። 3እንሆ ኸዓ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕጊ ብልቦም “እዙይስ ንእግዚኣብሄር ይፃረፍ ኣሎ” በሉ። 4#መዝ. 139፡2፥ ዮሓ. 2፡25፥ ማቴ. 12፡25፥ ሉቃ. 6፡8፥ 9፡47። ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ? 5ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተስእሞ ኺድ!’ ምባል? 6#ዮሓ. 5፡8። እምበኣርከስ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ሽዑ ነቲ መፃጕዕ “ተስእ! ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ። 7ተሲኡ ድማ ናብ ገዛኡ ኸደ። 8#ማቴ. 9፡33፥ 15፡31፥ ማር. 2፡12፥ 7፡16፥37። እቶም ህዝቢ ኸዓ ነዙይ ሪኦም ተደነቑ፤ ንሰብ ከምዙይ ዝበለ ስልጣን ንዝሃበ እግዚኣብሄር ድማ ኣመስገንዎ።
ማቴዎስ ከም ዝተፀውዐ
(ማር. 2፡13-17ሉቃ. 5፡27-32)
9 # ማቴ. 4፡19። ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ፥ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብቲ ቐረፅ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ተኸተለኒ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ ተኸተሎ።
10ብድሕሪዙይ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ ማእዲ ምስ ተቐመጠ፥ እንሆ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ምስ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 11#ማቴ. 11፡19፥ ሉቃ. 7፡34፥39፥ 15፡1-2፥ 19፡7። ፈሪሳውያን ከዓ ነዙይ ሪኦም ንደቀ መዛሙርቱ፦ “መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን ስለ ምንታይ ይበልዕ?” በልዎም። 12ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ፥ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። 13#ሆሴዕ 6፡6፥ 1 ሳሙ. 15፡22፥ ምሳ. 21፡3፥ ማር. 12፡33፥ ማቴ. 18፡11፥ 1 ጢሞ. 1፡15። ‘ምሕረት ደኣ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ኽፅውዕ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።
ብዛዕባ ፆም ዝቐረበ ጥያቐ
(ማር. 2፡18-22ሉቃ. 5፡33-39)
14 # ሉቃ. 18፡12። ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንፀውም፥ ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለ ምንታይ እዮም ዘይፆሙ?” በልዎ።
15 # ዮሓ. 3፡29። ኢየሱስ ከዓ፦ “መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ፥ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽፆሙን ክሓዝኑን ይኽእሉ ድዮም? ግና መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ እሞ፥ ሽዑ ኽፆሙ እዮም። 16#ገላ. 4፡9። ሓድሽ ቝራፅ ዓለባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደ እኳ የለን፤ እቲ መልገባ ነቲ ጥዑይ ይቐዶ እዩ እሞ፥ እቲ ምቕዳዱ ዝገደደ ይኸውን። 17ንሓድሽ ወይኒ፥ ኣብ ዝበለየ ሓርቢ ኣይመልእዎን እዮም፤ እንተ ተገብረውን፥ እቲ ሓርቢ ይቕደድ፤ እቲ ወይኒ እውን ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ኸዓ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ፤ ክልቲኦም ድማ ይተሓላለዉ” በሎም።
ጓል ሓደ ሹምን ደም ዝፈስሳ ዝነበረ ሰበይትን
(ማር. 5፡21-43ሉቃ. 8፡40-56)
18እዝ ነገራት እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ መፂኡ፥ “ጓለይ ሕዚ ሕዚ ሞይታ! ነዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ኽትሓዊ እያ” እናበለ ሰገደሉ። 19ጐይታ ኢየሱስ ድማ ተሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተሎ።
20-21 # ማቴ. 14፡36፥ ማር. 3፡10፥ 6፡56፥ ሉቃ. 6፡19፥ 8፡46። እንሆ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈስሳ ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ፥ “ዘፈር ክዳኑ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ” ኢላ ብልባ ትሓስብ ስለ ዝነበረት፥ ብድሕሪኡ መፂኣ ዘፈር ክዳኑ ነኽአት። 22#ማቴ. 8፡13። ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ረአያ እሞ፥ “ኣይዞኺ ጓለይ! እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
23ኢየሱስ ኣብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ በፅሐ፥ ነፋሕቲ መለኸት ሓዘንን ዋይ ዋይ ዝብሉ ህዝብን ምስ ረአየ፤ 24#ዮሓ. 11፡11፥ ግ.ሓ. 20፡10። “እዛ ጓል ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፥ ኣይሞተትን እሞ ድሕር በሉ!” በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ። 25እቶም ህዝቢ ምስ ወፁ፥ ኣትዩ ኢዳ ሓዛ፤ እታ ጓል ከዓ ተስአት። 26ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ዝናኡ ተሰምዐ።
ክልተ ዕዉራት ከም ዘሕወየ
27 # ማቴ. 20፡29-34፥ 1፡1። ኢየሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ፥ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም “ኦ ወዲ ዳዊት፥ መሓረና!” እናበሉ ተኸተልዎ። 28ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ፥ እቶም ዕዉራት ናብኡ መፁ፤ ኢየሱስ ድማ፥ “እዙይ ክገብር ከም ዝኽእልዶ ተኣምኑ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ጐይታ” በልዎ። 29#ማቴ. 8፡13። ንሱ ድማ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዒንቶም ዳህሰሶም። 30#ማቴ. 8፡4። ሽዑ ኣዒንቶም በርሃ። ኢየሱስ ድማ “ንሓደ እኳ ኸይትነግሩ” ኢሉ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም። 31ንሳቶም ግና ወፂኦም፥ ኣብ ኵላ እታ ዓዲ ብዛዕባኡ ኣውረዩ።
ኢየሱስ በሃም ከም ዘዛረበ
32ንሳቶም ምስ ወፁ ድማ፥ ጋኔን ዝሓደሮ በሃም ኣምፅኡሉ። 33#ማቴ. 9፡8። ኢየሱስ ነቲ ጋኔን ምስ ኣውፅኦ እቲ በሃም ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ “ከምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተርኣየን” ኢሎም ተገረሙ። 34#ማቴ. 12፡22-24። ፈሪሳውያን ግና፥ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ” በሉ። #ማር. 3፡22፥ ሉቃ. 11፡15፥ ዮሓ. 7፡20።
ኢየሱስ ንህዝቢ ኸም ዝራህርሀ
35 # ማቴ. 4፡23። ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ#9፡35 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” እናመሃረ፥ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፥ ኣብቲ ህዝቢ ንዝነበረ ደዌን ሕማምን እናፈወሰ፥ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘዋወር ነበረ። 36#ማቴ. 10፡5-6፥ 14፡14፥ ማር. 6፡34፥ 1 ጴጥ. 2፡25፥ ዘሑ. 27፡16-17፥ 1 ነገ. 22፡17፥ ኢሳ. 53፡6፥ ሕዝ. 34፡5፥ ዘካ. 10፡2። ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ግፉዓትን ዝተበታተኑን ነበሩ እሞ ራህርሀሎም። 37#ሉቃ. 10፡2፥ ዮሓ. 4፡35። ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። 38ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ለምንዎ” በሎም።

Currently Selected:

ማቴዎስ 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in