ማቴዎስ 15
15
ስርዓት ኣቦታት ክሕልዉ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዘፍርሱ
(ማር. 7፡1-13)
1ድሕሪዙይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም፥ 2#ሉቃ. 11፡38። “ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ስርዓት ዓበይቲ ዝጥሕሱ? እንጀራ እንትበልዑ ኣእዳዎም ኣይሕፀቡን ኢዮም” ኢሎም ጠየቕዎ። 3ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ስለ ምንታይ ደኣ ንስኻትኩም፥ ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? 4#ዘፀ. 20፡12፥ ዘሌ. 20፡9። እግዚኣብሄር፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡን ንኖኡን ዝፀርፍ ፈፂሙ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ። 5#ምሳ. 28፡24፥ 1 ጢሞ. 5፡8፥ ዘዳ. 27፡16። ንስኻትኩም ግና እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ገይረዮ እየ’ ዝብል ሰብ፥ 6#ኤር. 8፡8-9። ‘ነቦኡ ወይ ንኖኡ ከኽብር ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ፤ ስለዙይ ምእንቲ ስርዓትኩም ቃል እግዚኣብሄር ትስዕሩ፤ 7-9#ኢሳ. 29፡13። ኣቱም ግብዛት! ኢሳይያስ፥
‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤
ብልቡ ግና ኻባይ እምብዛ ዝረሓቐ እዩ።
ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥
ብኸንቱ የምልኹኒ ኢሉ፥
ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ።’ ”
ንሰብ ዘርክሶን ዘየርክሶን
(ማር. 7፡14-23)
10ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ “ስምዑ! ኣስተውዕሉውን! 11#ግ.ሓ. 11፡8-9፥ ሮሜ 14፡17፥ 1 ጢሞ. 4፡4፥ ቲቶ 1፡15፥ ማቴ. 12፡34። ንሰብ ዘርክሶ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር፥ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን” በሎም። 12ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፥ “ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም ዝተዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ?” በልዎ። 13ንሱ ኸዓ መሊሱ “ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዅሉ ተኽሊ ኽብቈስ እዩ፤ 14#ኢሳ. 56፡10፥ ሉቃ. 6፡39፥ ዮሓ. 9፡40። ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም።
15ጴጥሮስ ድማ “ነዝ ምስላ እዙይ ተርጕመልና” በሎ። 16ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩምውንዶ ገና ኣየስተውዓልኩምን? 17ኵሉ እቲ ብኣፍ ዝኣቱ፥ ናብ ከብዲ ኸም ዝሓልፍ እሞ፥ ንደገ ኸም ዝወፅእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? 18#ኢዮብ 14፡4፥ ያቆ. 3፡6። እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ግና፥ ካብ ልቢ እዩ ዝወፅእ እሞ፥ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። 19#ኤር. 17፡9። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ። 20#ማቴ. 23፡25። እዙይ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ብዘይተሓፀበ ኢድ ምብላዕስ ንሰብ ኣየርክሶን” በሎም።
እምነት ሓንቲ ከነዓናዊት
(ማር. 7፡24-30)
21ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣግለሰ። 22#ማቴ. 1፡1። እንሆ ድማ ሓንቲ ከነዓናዊት ሰበይቲ፥ ካብ ከባቢ እቲ ዓዲ መፂኣ “ኦ ጐይታ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ክፉእ ጋኔን ሒዙዋ የሳቕያ ኣሎ እሞ ራህርሀለይ!” እናበለት ዓው ኢላ ድምፂ ኣስምዐት። 23ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቐሪቦም “ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣሰናብታ!” ኢሎም ለመንዎ። 24#ማቴ. 10፡5-6። ንሱ ግና “እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ። 25#ሉቃ. 18፡1-7። ንሳ ግና “ጐይታይ ርድአኒ” እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ። 26ንሱ ኸዓ መሊሱ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን” በላ። 27ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ! ኣኽላባትውንኮ፥ ካብ ማእዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ። 28#ማቴ. 8፡10-13። ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓብዪ እዩ፤ ከም ዝደለኺዮ ይኹነልኪ!” በላ። እታ ጓላውን በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
ኢየሱስ ብዙሓት ሕሙማት ከም ዘሕወየ
29ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ብወሰን ባሕሪ ገሊላ ኸደ፤ ናብ እምባ ደዪቡ ድማ፥ ኣብኡ ተቐመጠ። 30ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሓንካሳት፥ ዕዉራት፥ ፀማማት፥ ቈራያት፥ ብዙሓት ካልኦትውን ምስኣቶም ሒዞም ናብኡ ቐረቡ፤ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስውን ኣቐመጥዎም፤ ንሱ ኸዓ ኣሕወዮም። 31#ማቴ. 9፡33። እቶም ህዝቢ ድማ፥ በሃማት እንትዛረቡ፥ ቈራያት እንትሓውዩ፥ ሓንካሳት እንትኸዱ፥ ዕዉራትውን እንትሪኡ ተመልኪቶም ተገረሙ እሞ፥ #15፡31 ግእዝ “ክንድዙይ ዝኣክል ስልጣን ንሰብ ዝሃበ” ዝብል ይርከብ። ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።
ኢየሱስ ሸውዓተ እንጀራን ቁሩብ ዓሳን ከም ዘበርከተ
(ማር. 8፡1-10፥ ማቴ. 14፡13-21)
32ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም እዮም፤ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ፤ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኸይደኽሙ፥ ብጥሙዮም ከፋንዎም ኣይደልን” በሎም። 33#ዘሑ. 11፡13። ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ኣብዝ በረኻ እዙይ ደኣ፥ ንኽንድዙይ ዝኣክል ህዝቢ ዘፅግብ እንጀራ፥ ካበይ ክንረክብ ኢና?” በልዎ። 34ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ እንጀራኸ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ እንጀራን ቁሩብ ዓሳን” በልዎ። 35ነቶም ህዝቢ ኸዓ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም። 36ሽዑ ነተን ሸውዓተ እንጀራን ነቲ ቑሩብ ዓሳን ኣልዒሉ ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡ። 37ኵሎምውን በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ። 38እቶም ዝበልዑ ኸዓ፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ። 39ነቶም ህዝቢ ምሰፋነዎም ድማ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ወሰን መጌዶል ከደ።
Currently Selected:
ማቴዎስ 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in