YouVersion Logo
Search Icon

ሉቃስ 10

10
ጐይታ፥ ሰብዓን ክልተን ኸም ዝለኣኸ
1 # ማቴ. 10፡7-16፥ ማር. 6፡7-11፥ ሉቃ. 9፡1-5። ድሕሪዙይ ጐይታ ኻልኦት ሰብዓን ክልተን #10፡1 ሰብዓን ክልተን፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ሰብዓ” ይብሉ። መረፀ። በብኽልተ ገይሩ፥ ናብቲ ንሱ ክኸዶ ዘለዎ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። 2#ማቴ. 9፡37-38። ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣዝመራኡ ብዙሕ እዩ፤ ሰራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም። ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት ክልእኽ ለምንዎ። 3ደጊም ኪዱ፤ እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ። 4ሳንጣ ወይ ከረጢት ወይ ኣሳእን ኣይትሓዙ፤ ኣብ መንገዲውን ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ። 5ኣብ እትኣትዉዋ ገዛ ኣቐዲምኩም ‘ነዝ ገዛ እዙይ #10፡5 ነዝ ገዛ እዙይ፦ ግእዝ “ንሰብ እዛ ገዛ እዚኣ” ይብል። ሰላም ይኹን’ በሉ። 6ኣብኡ ናይ ሰላም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ሰላምኩም ኣብኡ ኽሓድር እዩ። እንተ ዘይሃልዩ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ክምለስ እዩ። 7ኣብታ ገዛ ኸዓ ተቐመጡ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑን ስተዩን። ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኣይትኺዱ። 8ኣብ እትኣትዉዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፥ ዘቕረቡልኩም ብልዑ። 9ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ‘መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ እውን በልዎም። 10ኣብታ እትኣትዉዋ ኸተማ፥ ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ናብ ኣደባባያ ወፂእኹም፥ 11‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም። 12#ሉቃ. 12፡47-48። ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንሰዶም ከም ዝቐለላ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ብዘይ ምእማነን ዝተወቐሳ ኸተማታት
(ማቴ. 11፡20-24)
13 # ሕዝ. 3፡5-6። “ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ወጮ ተኸዲነን፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐሚጠን፥ ቀደም ምተነስሃ ነይረን። 14ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካባኻትክን ንጢሮስን ንሲዶናን ክቐለለን እዩ። 15#ኢሳ. 14፡13-15። ኣቲ ቅፍርናሆምውን፥ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ትብሊ ኣለኺ? #10፡15 ልዕል ትብሊ ኣለኺ፦ ግእዝ “ክሳዕ ሰማይ ልዕል ልዕል እንተ በልኪኳ” ይብል። ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ። 16#ሉቃ. 9፡48፥ ዮሓ. 13፡20። እቲ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ፥ ንኣይ እዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንኣኻትኩም ዘይቕበል፥ ንኣይ እዩ ዘይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዘይቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዘይቕበል።”
እቶም ሰብዓን ክልተን ከም ዝተመለሱ
(ማቴ. 11፡25-2713፡16-17)
17 # ማር. 6፡13። እቶም ሰብዓን ክልተን ልኡኻት ድማ “ጐይታ! ኣጋንንቲ እኳ፥ ብስምካ ተገዚኦምልና” እናበሉ ብሓጐስ ተመለሱ። 18ኢየሱስ ድማ፦ “ሰይጣን ከም መብረቕ፥ ካብ ሰማይ ክወድቕ እንተሎ ረአኽዎ። 19#ማር. 16፡18፥ መዝ. 91፡13። እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን። 20#ማቴ. 7፡21-23፥ ራእይ 3፡5፥ ዘፀ. 32፡32-33፥ መዝ. 69፡28። ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
21 # ማቴ. 11፡25-27፥ 13፡16-17፥ መዝ. 8፡2፥ ማቴ. 18፡3። በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጕሱ ኸምዙይ በለ፤ “ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ ነዙይ ካብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእኻዮ፥ ንህፃናት ድማ ስለ ዝገለፅካዮ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦ! እዙይ ከምዙይ ክኸውን፥ ፍቓድካ ኾይኑ እዩ እሞ። 22#ማቴ. 16፡17። ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተውሂቡኒ እዩ። ንወልድ ብዘይ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን። ንኣብውን ብዘይ ወልድን፥ እቲ ወልድ ክገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣብ፥ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን።”
23ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ ኸዓ፥ ንበይናቶም፦ “ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ዝሪኣ ኣዒንቲ ብፁኣት እየን። 24ብዙሓት ነቢያትን ነገስታትን፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኹም ክሪኡ ተመነዩ፤ ግና ኣይረአዩን፤ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹምውን፥ ክሰምዑ ተመነዩ፤ ግና ኣይሰምዑን እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ሕያዋይ ሳምራዊ
(ማቴ. 22፡34-40ማር. 12፡28-34)
25 # ሉቃ. 18፡18፥ 20፡20። እንሆ ኸዓ ሓደ ምሁር ሕጊ ኽፍትኖ ተሲኡ፥ “መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስስ፥ እንታይ ክገብር?” በሎ። 26ንሱ ኸዓ “ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ተፅሒፉ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ?” በሎ። 27#ዘሌ. 19፡18፥ ዘዳ. 6፡5። ንሱ ድማ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፤ ንብፃይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሉ። 28#ዘሌ. 18፡5። ኢየሱስ ከዓ፥ “ፅቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ፥ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።
29ንሱ ግና ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፥ #10፡29 ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፦ ግእዝ “ንባዕሉ ከኽብር ንብፃዩ ኽንዕቕ” ይብል። “ብፃየይከ መን እዩ?” በሎ። 30ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ኢያሪኮ ኽወርድ እንተሎ፥ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ገፈፍዎን ቀጥቀጥዎን እሞ፥ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ሓዲጎምዎ ኸዱ። 31ሓደ ካህን ድማ፥ በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ሪእዎ፥ ዘወር ኢሉ ሓለፈ። 32ከምኡውን ሓደ ሌዋዊ፥ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በፅሐ፥ ሪእዎ ዘወር ኢሉ ሓለፈ። 33#ዮሓ. 4፡9። ሓደ ሓላፊ መንገዲ ሳምራዊ ግና ናብኡ መፀ፤ ምስ ረአዮ ድማ ራህርሀሉ። 34ናብኡ ቐሪቡውን ዘይትን ወይንን፥ ኣብ ቍስልታቱ ኣፍሲሱ ኣሰረሉ፤ ኣብ ኣድጉ ፅዒኑ ድማ፥ ናብ መሕደሪ ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ። 35ንፅባሒቱ ድማ ኽልተ ዲናር ኣውፂኡ፥ ነቲ ሓላዊ መሕደሪ ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፥ ‘በዝ ገንዘብ እዙይ ተኸናኸኖ፤ ንእኡ ኢልካ፥ ካብዙይ ንላዕሊ እተውፅኦ ዅሉ፥ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ’ በሎ። 36ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ፥ ካብ ሰለስቲኦም ብፃይ ዝኾኖ፥ መን ይመስለካ?” 37#ሚክ. 6፡8። ንሱ ድማ “እቲ ሰናይ ዝገበረሉ” በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር ኪድሞ፥ ንስኻውን ከምኡ ግበር” በሎ።
ኢየሱስ ኣብ እንዳ ማርታን ማርያምን
38 # ዮሓ. 11፡1-2። ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣ ተቐበለቶ። 39ማርያም እትብሃል ሓፍቲ ድማ ነበረታ፤ ንሳ፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ፥ ቃሉ ትሰምዕ ነበረት። 40ማርታ ግና ብዙሕ ብምድላው ትደክም ነበረት። ናብኡ ቐሪባ፥ “ኦ ጐይታ! ሓፍተይ ሓዲጋትኒ በይነይ እናሰራሕኹስ፥ ኣየሕዝነካን ድየ? ክትሕግዘኒ እንዶ ንገራ?” በለቶ። 41#ዮሓ. 6፡27። ኢየሱስ ድማ “ማርታ! ማርታ! ንምንታይ ብብዙሕ ትጭነቒን ትህወኺን ኣለኺ? 42#ማቴ. 6፡33። እቲ ዘድሊ ግና፥ ሓደ ጥራሕ እዩ። ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ።

Currently Selected:

ሉቃስ 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in