ሉቃስ 9
9
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ከም ዝለኣኾም
(ማቴ. 10፡5-15፥ ማር. 6፡7-13፥ ሉቃ. 12፡1-12)
1ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ብሓባር ፀዊዑ፥ ሕሙማት ንኸሕውዩ፥ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዅሉ ሓይልን ስልጣንን ሃቦም። 2#ማቴ. 10፡7-8። መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብኩን፥ ሕሙማት ከሕውዩን ከዓ ለኣኾም። 3#ሉቃ. 12፡22፥ 23፡35። ከምዙይውን በሎም፦ “ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ፥ እንጀራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ኣይትሓዙ። 4ኣብታ ዝኣተኹምዋ ገዛ ተቐመጡ፤ ክሳዕ እትወፁ ኸዓ፥ ኣብኣ ፅንሑ። 5እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።” 6ንሳቶም ድማ ወፂኦም፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞሩ ወንጌል ይሰብኩ፥ ኣብ ኵሉውን ሕሙማት የሕውዩ ነበሩ።
ሄሮድስ ዝና ኢየሱስ ከም ዝሰምዐ
(ማቴ. 14፡1-12፥ ማር. 6፡14-29)
7ንጉስ ሄሮድስ፥ #9፡7 ሄሮድስ፦ ገሊኣቶም መፃሕፍቲ “ሄሮድስ ንጉስ ርባዕ” ይብሉ። ብዛዕባ እቲ ብኢየሱስ ዝተገብረ ኵሉ ነገር ሰሚዑ ተደናገፀ። ምኽንያቱ ገሊኣቶም ሰባት “ዮሃንስ ካብ ሞት ተሲኡ” ይብሉ ነበሩ፤ 8#ሉቃ. 9፡19። ገሊኣቶም ድማ “ኤልያስ ተርእዩ” ገሊኣቶምውን “ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ነቢያት ተሲኡ እዩ” ይብሉ ነበሩ። 9#ማቴ. 14፡3-12፥ ሉቃ. 23፡8። ሄሮድስ ግና “ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ፤ እዝ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘለኹ ደኣ መን እዩ?” በለ፤ ክሪኦውን ይደሊ ነበረ።
ኢየሱስ ንሓሙሽተ ሽሕ ህዝቢ ኸም ዘፅገበ
(ማቴ. 14፡13-21፥ ማር. 6፡30-44፥ ዮሓ. 6፡1-14)
10ሃዋርያት ምስተመለሱ፥ ኵሉ ዝገበርዎ ነገርዎ፤ ንበይናቶም ድማ፥ ቤተ ሳይዳ ናብ እትበሃል ከተማ ሒዙዎም ከደ። 11#ሉቃ. 9፡2። እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ሰሚዖም ሰዓብዎ፤ ንሱ ድማ ተቐበሎም፤ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን ነገሮም፤ ነቶም ክሓውዩ ደልዮም ዝመፁውን ኣሕወዮም። 12ሽዑ ኽመሲ እንትብል፥ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ቀሪቦም፥ “ኣብዙይ ኣብ በረኻ ኢና ዘለና እሞ፥ እዞም ህዝቢ ኣብ ከባቢና ናብ ዘለዉ ኸተማታትን ቍሸታትን ከይዶም ክሓድሩ፥ ዝብላዕውን ምእንቲ ኽረኽቡ ኣፋንዎም” በልዎ። 13ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩም ዝበልዕዎ ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕና ኼድና፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ ዝብላዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኮይኑ፥ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን፥ ኣይበዝሕን እዩ” በልዎ። 14እቶም ሰባት ከዓ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ይኾኑ ነበሩ፤ ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “በብሓምሳ እናሰራዕኹም ኣቐምጥዎም” በሎም። 15ንሳቶም ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ንዅሎምውን ኣቐመጥዎም። 16#ሉቃ. 24፡30። ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ጠመተ እሞ፥ ባሪኹ ቘረሰ፤ ነቶም ህዝቢ ኸቕርቡሎም ከዓ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። 17ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስውን፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።
ሰብ መን ይብለኒ ኢሉ ኸም ዝጠየቖም
(ማቴ. 16፡13-28፥ ማር. 8፡27-29፥ ዮሓ. 6፡66-69)
18ኢየሱስ ንበይኑ ኽፅሊ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱ ድማ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ?” ኢሉ ጠየቖም። 19#ሉቃ. 9፡7-8። ንሳቶም ከዓ “መጥምቕ ዮሃንስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ኤልያስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ካብቶም ቀዳሞት ነቢያት ሓደ፥ ተሲኡ እዩ ዝብሉውን ኣለዉ” ኢሎም መለሱሉ። 20#ዮሓ. 1፡49፥ 4፡44። ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ድማ “ንስኻ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 21ንሱ ግና ነዝ ነገር እዙይ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣጠንቀቖም፤ ኣዘዞምውን። 22#ማቴ. 16፡21፥ ሉቃ. 9፡44፥ 13፡33፥ 17፡25፥ 18፡31-32። “ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽረክብ፥ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ድማ፥ ክከሓድን ክቕተልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ ግድን እዩ” በሎም።
ምእንቲ ክርስቶስ ንባዕልኻ ምኽሓድ
(ማቴ. 10፡37-39፥ ማር. 8፡34-38፥ ሉቃ. 14፡26-27)
23ንዅሎም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ደድሕረይ ክኽተለኒ ዝደሊ ሰብ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሰኪሙውን መዓልቲ መዓልቲ ይከተለኒ። 24#ሉቃ. 17፡33። እቲ ንነፍሱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ። 25ሰብ ኣብ ዓለም ብዘሎ ዅሉ ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? 26#ሉቃ. 12፡9፥ 1 ዮሓ. 2፡28። ኵሉ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ‘ወዲ ሰብ’ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ኽመፅእ እንተሎ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ። 27#ማር. 13፡30። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኣለዉ።”
ትርኢት ኢየሱስ ከም ዝተለወጠ
(ማቴ. 17፡1-8፥ ማር. 9፡2-8)
28 #
ሉቃ. 8፡51። ድሕሪ እዝ ዘረባ እዙይ ብሻምናይ መዓልቲ ኣቢሉ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ንያእቆብን ተማሊኡ፥ ክፅሊ ናብ እምባ ደየበ። 29ክፅሊ እንተሎ ትርኢት ገፁ ተለወጠ፤ ክዳውንቱውን ዘንፀባርቕ ፃዕዳ ኾነ። 30እንሆ ኸዓ ኽልተ ሰባት ሙሴን ኤልያስን፥ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ። 31#ሉቃ. 9፡22። እዞም ብኽብሪ ዝተገለፁ እዚኣቶም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍፀም ዘለዎ ሞቱ፥ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ። 32ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ግና፥ ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፤ ምስ ተበራበሩ ድማ ግርማኡን፥ ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰባትን ረአዩ። 33እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኻብኡ ኽፍለዩ እንተለዉ፥ ጴጥሮስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር #9፡33 ኣብዙይ ምንባር፦ ግሪክ “ምህላውና” ይብል። ፅቡቕ እዩ። ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ፥ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። ዝብሎውን ኣይፈልጥን ነበረ። 34ንሱ እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ደመና መፂኡ ኸወሎም፤ ናብቲ ደመና ምስ ኣተዉ ድማ ፈርሑ። 35#ሉቃ. 3፡22። ካብቲ ደመናውን፥ “እቲ ዝሓረኽዎ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምፂ መፀ። 36እቲ ድምፂ ምስ ተሰምዐ፥ ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ሽዑ ዝረአይዎ ነገር፥ ንሓደኳ እንተይነገሩ ስቕ በሉ።
ርኹስ መንፈስ ንዝሓደሮ ኸም ዝፈወሰ
(ማቴ. 17፡14-23፥ ማር. 9፡14-32)
37ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ካብቲ እምባ ምስ ወረደ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። 38እንሆ ኸዓ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፥ “ኦ መምህር! ውላደይ ሓደ ንሱ እዩ፤ ነዝ ወደይ ክትሪአለይ እልምነካ ኣለኹ። 39እንሆ ርኹስ መንፈስ ብድንገት ይሕዞሞ የእውዮ፤ የውድቖ፤ ፈርፈር የብሎ፤ የዕፍሮ፤ ኣንቀጥቂጡ ድማ ብጭንቂ ይሓድጎ። 40#ሉቃ. 9፡1። ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ለሚነዮምስ፥ ከውፅእዎ ኣይከኣሉን።” 41ኢየሱስ ከዓ “ኣታ እምነት ዝጐደሎ ቐይናን ትውልዲ፥ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ኽሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? በል ንወድኻ ናብዙይ ኣምፅኣዮ” በሎ። 42እቲ ወዲ ናብ ኢየሱስ ምስ ቀረበ፥ እቲ ጋኔን ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣቢሉ ኣንገርገሮ፤ ኢየሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገሰፆ። ነቲ ቘልዓውን ኣሕውዩ ነቦኡ ሃቦ። 43#ሉቃ. 7፡16። ዅሎም ከዓ ብዕብየት ሓይሊ እግዚኣብሄር ተገረሙ። ኵላቶም በቲ ዅሉ ኢየሱስ ዝገበሮ እናተደነቑ እንተለዉ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ፦ 44#ሉቃ. 9፡22። “ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ነዝ ቓል እዙይ ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ” በሎም። 45#ሉቃ. 18፡34። ንሳቶም ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣየስተውዓልዎን። ካብኣቶም ተሰዊሩ ስለ ዝነበረውን ኣይተረድኦምን። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ።
ካብ ኵልና ዝዓቢ መን እዩ?
(ማቴ. 18፡1-5፥ ማር. 9፡33-40)
46 #
ሉቃ. 22፡24። ካብ መንጎኦም መን ከም ዝዓቢ፥ ኣብ ማእኸሎም ክትዕ ተልዓለ። 47ኢየሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ፥ ንሓደ ህፃን ወሲዱ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣበሎ። 48#ሉቃ. 10፡16፥ 14፡11፥ 22፡26። “ነዝ ህፃን እዙይ ብስመይ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል፤ እቲ ኻብ ኵልኻትኩም ዝንእስ፥ ንሱ ኻብ ኵልኻትኩም ዝዓቢ ክኸውን እዩ” በሎም።
49ዮሃንስ ከዓ “መምህር፥ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ። 50ኢየሱስ ከዓ “እንተ ደኣ ዘይቃወመኩም ኮይኑ፥ ወገንኩም እዩ እሞ ኣይትኸልክልዎ” በሎም። #ፊልጵ. 1፡15-18።
ሳምራውያን ንኢየሱስ ከም ዘይተቐበልዎ
51 #
ሉቃ. 13፡22። ኢየሱስ ዝዓርገሉ መዓልቲ ምስ ቀረበ፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኣምርሐ። 52ንኸሰናድዉሉውን ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ሓንቲ ዓዲ ናብ ሰማርያ ኣተዉ። 53#ሉቃ. 17፡16፥ ዮሓ. 4፡9፥20፥40። እቶም ህዝቢ ግና፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ንምኻድ ኣምሪሑ ስለ ዝነበረ ኣይተቐበልዎን። 54#2 ነገ. 1፡10። ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ነዙይ ምስ ረአዩ “ጐይታ! #9፡54 ኣብ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ” ዝብል ይርከብ። ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና ኢኻ?” በልዎ። 55ኢየሱስ ምልስ ኢሉ፦ “ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም። 56#ሉቃ. 19፡10፥ ሕዝ. 18፡23። ወዲ ሰብ ህይወት ሰብ ከድሕን እምበር፥ ከጥፍእ ኣይመፀን” ኢሉ ገሰፆም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸዓ ኸዱ።
ንክርስቶስ ብኸመይ ምኽታል ከም ዝግባእ
(ማቴ. 8፡19-22)
57 #
ዮሓ. 13፡37። ኣብ መንገዲ እናኸዱ እንተለዉ ሓደ ሰብኣይ “መምህር፥ ናብ ዝኸድካዮ ክኽተለካ #9፡57 ክኽተለካ፦ ግእዝ “ክኽተለካዶ” ይብል። እየ” በሎ። 58#ሉቃ. 2፡7፥ 14፡28-30። ኢየሱስ ከዓ “ንወኻሩ ጕድጓድ፥ ነዕዋፍ ሰማይውን ሰፈር ኣለወን፤ ንወዲ ሰብ ግና፥ ርእሱ ዘፀግዐሉ ስፍራ የብሉን” በሎ። 59ንሓደ ኻልእ ከዓ “ተኸተለኒ” በሎ፤ ንሱ ድማ፥ “ኦ ጐይታ! ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብር ፍቐደለይ” በሎ። 60#ኤፌ. 2፡1። ኢየሱስ ድማ “ምውታን፥ ንምውታኖም ይቕበሩ ሕደጎም፤ ንስኻ ግና ኺድ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኣብስር” በሎ። 61#ሉቃ. 14፡26-33። ካልእ ሓደ ሰብ ድማ “ኦ ጐይታ! ክኽተለካ እየ፤ ግና ቕድም ንስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ” በሎ። 62ኢየሱስ ግና “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።
Currently Selected:
ሉቃስ 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in