YouVersion Logo
Search Icon

ዮሃንስ 10

10
ምስላ ሕያዋይ ጓሳ
1“ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብበሪ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ደዪቡ ዝኣቱ፥ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ። 2እቲ ብበሪ ዝኣቱ ግና፥ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3#መዝ. 95፡7፥ ኢሳ. 43፡1። ንእኡ እቲ ሓላዊ በሪ ይኸፍተሉ፤ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፤ ነተን ኣባጊዑ ኸዓ፥ በብስመን ፀዊዑ የውፅአን። #10፡3 የውፅአን፦ ግእዝ “የውፍረን” ይብል። 4ንኹለን ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፅአን ድማ፥ ቀቅድሚአን ይኸይድ፤ እተን ኣባጊዑውን ድምፁ ስለ ዝፈልጣ ይስዕባኦ። 5ነቲ ኻልእ ግና ድምፁ ስለ ዘይፈልጣ፥ ካብኡ ይሃድማ እምበር፥ ኣይስዕባኦን እየን።” 6ኢየሱስ ነዝ ምስላ እዙይ መሰለሎም፤ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።
ኢየሱስ ሕያዋይ ጓሳ ኸም ዝኾነ
7ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ። 8#ሕዝ. 34፡2። እቶም ቅድመይ ዝመፁ ዅላቶም፥ ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፤ ግና እተን ኣባጊዕ ኣይሰምዓኦምን። 9#መዝ. 23፡1-2፥ ግ.ሓ. 4፡12። እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድሕን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ። 10#ግ.ሓ. 20፡29። እቲ ሰራቒ ግና፥ ክሰርቕን ክቐትልን ከጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመፅእን እዩ፤ ኣነ ግና፥ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡን ኽበዝሐሎምን እየ ዝመፃእኹ።
11 # ኢሳ. 40፡11፥ ሕዝ. 34፡23፥ ማቴ. 20፡28፥ ዮሓ. 15፡13፥ ራእይ 7፡17። “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ፥ ህይወቱ ቤዛ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። 12እቲ ጓሳ ዘይኮነ ዕሱብ ግና፥ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና፥ ተዅላ ኽመፅእ እንተ ረአየ፥ ነተን ኣባጊዕ ሓዲጉወን ይሃድም፤ እቲ ተዅላ ድማ፥ ነተን ኣባጊዕ ይምንጥለን ይብትነንውን። 13ዕሱብ ስለ ዝኾነ ኸዓ ይሃድም፤ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕውን ግዲ የብሉን። 14-15#2 ጢሞ. 2፡19፥ ማቴ. 11፡27። ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣብ፥ ነኣይ ከም ዝፈልጠኒ፥ ኣነውን ንኣብ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንነፍሰይ ከዓ ቤዛ እተን ኣባጊዕ ኣሕልፋ። 16#ኢሳ. 49፡6፥ 56፡8፥ ግ.ሓ. 28፡28። ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና፥ ካልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምፅአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና፥ ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ። 17#ፊልጵ. 2፡8-9። መሊሰ ንኽወስዳ ንነፍሰይ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፥ ኣብ የፍቅረኒ እዩ። 18#ዮሓ. 6፡38። ባዕለይ እየ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፥ ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸሕልፋ፥ መሊሰውን ክወስዳ ስልጣን ኣለኒ፤ ነዝ ትእዛዝ እዙይ፥ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።”
19 # ዮሓ. 7፡43። ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ መሊሱ ምፍልላይ ኮነ። 20#ዮሓ. 7፡20። ሽዑ ኻብኣቶም ብዙሓት “ጋኔን ሒዝዎ እዩ፤ ዓቢዱውን እዩ፤ ንምንታይ ኢኹም እትሰምዕዎ?” በሉ። 21ካልኦት ግና “እዙይ ጋኔን ናይ ዝሓደሮ ሰብ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ይኽእል እዩ?” በሉ።
በዓል ምሕዳስ ህንፃ ቤተ መቕደስ
22ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ህንፃ ቤተ መቕደስ ኮነ፤ ጊዜኡ ኸዓ ኽረምቲ ነበረ። 23ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። 24ሽዑ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ “ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ጥርጥር እተንብረና? ንስኻ ክርስቶስ እንተ ደኣ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረና” በልዎ። 25#ዮሓ. 5፡36። ኢየሱስ ድማ “ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን፤ ንኣይ ዝምስክረለይ፥ እዝ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት እዩ። 26#ዮሓ. 8፡47። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም፥ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም። 27እተን ኣባጊዐይ ግና፥ ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ። 28#ማቴ. 24፡24፥ ዮሓ. 6፡39፥ 18፡9፥ ሮሜ 6፡23፥ 8፡35-39። ኣነ ኸዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፤ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን። 29እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ፥ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ካብ ኢድ ኣቦይ ከሕድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን። 30#ዮሓ. 1፡1፥ 14፡7፥ 17፡21። ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም።
31ሽዑ ኣይሁድ ክቕጥቅጥዎ መሊሶም እምኒ ኣልዓሉ። 32ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም። 33#ማር. 14፡64፥ ዮሓ. 5፡18። ኣይሁድ ከዓ “ብእምኒ እንቕጥቅጠካ፥ ብምፅራፍካን ሰብ እንተለኻ ንባዕልኻ ኣምላኽ ብምግባርካን ኢና እምበር፥ በቲ ፅቡቕ ግብርታትካ ኣይኮነን” ኢሎም መለሱሉ። 34#መዝ. 82፡6። ኢየሱስ ድማ “ኣብ ሕግኹም ‘ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፥ በልኩ’ ዝብል ፅሑፍዶ የለን እዩ? 35እቲ ፅሑፍ ክሰዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመፀሎም ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ በሎም፥ 36ነቲ ኣብ፥ ዝቐደሶ፥ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ‘ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ ስለ ዝበልኩኹም፥ ከመይ ኢልኩም ‘ንእግዚኣብሄር ትፃረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም? 37#ዮሓ. 14፡11። ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ። 38#ዮሓ. 5፡36። ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም፥ ኣብ፥ ኣባይ ምህላዉ፥ ኣነውን ኣብ ኣብ፥ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክተስተውዕሉን፥ ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም። 39መሊሶም ድማ ኽሕዝዎ ደለዩ፤ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም ኣምለጠ።
40 # ዮሓ. 1፡28። መሊሱ ናብታ ዮሃንስ ቀደም ዘጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ፥ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ። 41ብዙሓት ድማ ናብኡ መፂኦም “ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፤ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዝ ሰብ እዙይ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ ኾነ” በሉ። 42ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።

Currently Selected:

ዮሃንስ 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in