ዮሃንስ 11
11
ኣልኣዛር ከም ዝሞተ
1ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓፍታን፥ ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ። 2#ዮሓ. 12፡3። እዛ ማርያም እዚኣ እታ ንጐይታ ሽቱ ዝቐብአቶ፥ ብፀጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝሓበሰቶ እያ፤ እቲ ዝሓመመ ኣልኣዛርውን ሓዋ እዩ። 3እተን ኣሓቱ “ጐይታ፥ እቲ እትፈትዎስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ” ኢለን ናብ ኢየሱስ ለኣኻ። 4#ዮሓ. 2፡11፥ 9፡3፥ 12፡17። ኢየሱስ እዙይ ሰሚዑ “እዝ ሕማም እዙይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ብእኡ ድማ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር፥ ንሞት ኣይኮነን” በለ። 5ኢየሱስ ንማርታን ንሓፍታ ማርያምን፥ ንኣልኣዛርን ይፈትዎም ነበረ። 6ምሕማሙ ምስ ሰምዐ፥ ኣብታ ዝነበራ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ። 7ድሕሪዙይ ንደቀ መዛሙርቱ “ደጊም ንዑናይ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ” በሎም። 8#ዮሓ. 10፡31። ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “መምህር፥ ቅድሚ ቑሩብ መዓልቲ፥ ኣይሁድ ብእምኒ ኽቕጥቅጡኻ ይደልዩ ነይሮምስ፥ መሊስካዶ ናብኡ ክኸይድ ትብል ኣለኻ?” በልዎ። 9#ዮሓ. 9፡4-5። ኢየሱስ ድማ “ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ኽልተ ሰዓትዶ ኣይኮነን ዘሎ? እቲ ብመዓልቲ ዝኸይድ ሰብ፥ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝርኢ፥ ኣይዕንቀፍን እዩ። 10እቲ ብለይቲ ዝኸይድ ግና፥ ኣብኡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ ይዕንቀፍ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 11#ማር. 5፡39። እዙይ ምስ ተዛረበ ኣስዒቡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፤ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተስኦ ክኸይድ እየ” በሎም። 12ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ “ጐይታ፥ ደቂሱ እንተ ኾይኑስ ክጥዒ እዩ” በልዎ። 13ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ ዝተዛረበ፤ ንኣኣቶም ግና ብዛዕባ ትኽስታ ድቃስ ዝተዛረበ መሰሎም። 14ሽዑ ኢየሱስ ብገሃድ “ኣልኣዛር ሞይቱ፤ 15ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ ኣነ ኣብኡ ብዘይምንባረይ፥ ብዛዕባኻትኩም እሕጐስ ኣለኹ፤ ግና ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም። 16ሽዑ ዲዲሞስ #11፡16 ዲዲሞስ፦ “ማንታ” ማለት እዩ። ዝብልዎ ቶማስ፥ ነቶም ብፆቱ ደቀ መዛሙርት “ንሕናውን ምስኡ ኽንመውት ንኺድ” በሎም።
ኢየሱስ ትንሳኤን ህይወትን እዩ
17ኢየሱስ ናብ ቢታንያ ምስ መፀ፥ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ድሮ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ። 18ቢታንያ ኻብ ኢየሩሳሌም፥ ዳርጋ ሰለስተ ኪሎ ሜትር #11፡18 ሰለስተ ኪሎ ሜትር፦ “ዓሰርተ ሓሙሽተ ምዕራፍ” ይኸውን። ኣቢላ ትርሕቕ ነበረት። 19ካብ ኣይሁድ ድማ፥ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ከፀናንዕወን፥ ናብ ማርያምን ማርታን መፂኦም ነበሩ። 20ማርታ ምምፃእ ኢየሱስ ሰሚዓ፥ ክትቅበሎ ወፀት፤ ማርያም ግና ኣብ ገዛ ተቐሚጣ ነበረት። 21ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ “ኦ ጐይታ፥ ኣብዙይ ኔርካ እንተ እትኸውንስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ። 22ሕዚ እውን እቲ ዅሉ ንእግዚኣብሄር እትልምኖ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝህበካ እፈልጥ እየ” በለቶ። 23ኢየሱስ ድማ “ሓውኪ ኽትስእ እዩ” በላ። 24#ግ.ሓ. 24፡15። ማርታ ድማ፥ “በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፥ ብትንሳኤ ኸም ዝትስእስ እፈልጥ እየ” በለቶ። 25#ዮሓ. 1፡4፥ 5፡24፥ 6፡40፥ 1 ተሰ. 4፡14። ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ። 26#ዮሓ. 8፡51። እቲ ዅሉ ህያው ዝኾነ ብኣይ ዝኣምን፥ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ፤ እዙይዶ ተኣምኒ ኢኺ?” በላ። 27#ዮሓ. 1፡49። ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ፤ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመፅእ፥ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንካ እኣምን እየ” በለቶ።
28እዙይ ኢላ ኸደትሞ፥ ንማርያም ሓፍታ ሕሽዅ ኢላ “መምህር መፂኡ፤ ይፅውዐኪውን ኣሎ” በለታ። 29ንሳ ኸዓ እዙይ ምስ ሰምዐት፥ ቀልጢፋ ተሲኣ ናብኡ ኸደት። 30ኢየሱስ ኣብታ ማርታ ዝተቐበለቶ ስፍራ ፀንሐ እምበር፥ ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ። 31እቶም ከፀናንዕዋ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፥ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውፃኣን ሪኦም፥ ናብ መቓብር ከይዳ ኽትበኪ ዝደለየት መሲልዎም ተኸተልዋ። 32ማርያም ግና ናብታ ኢየሱስ ዝነበራ ስፍራ መፂኣ ምስ ረአየቶ፥ ኣብ እግሩ ተደፊኣ “ጐይታይ፥ ኣብዙይ እንተ እትነብርስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። 33ሽዑ ኢየሱስ ንሳ ኽትበኪ እንተላ፥ እቶም ምስኣ ዝመፁ ኣይሁድውን እናበኸዩ እንተለዉ ሪኡ፥ ብመንፈሱ የመና ሓዚኑ፥ #11፡33 ብመንፈሱ የመና ሓዚኑ፦ ግእዝ “ርእሱ እናነቕነቐ” ይብል። 34“ኣበይ ቀቢርኩምዎ?” በለ፤ ንሳቶም ከዓ “ጐይታ፥ ነዓ ረአ” በልዎ። 35ኢየሱስ ድማ ነብዐ። 36ሽዑ ኣይሁድ “ክንደይ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ እስኪ ረአዩ!” በሉ። 37#ዮሓ. 9፡6-7። ገሊኣቶም ግና “እዝ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፥ ነዙይውን ከም ዘይመውት ክገብሮዶ ኣይምኸኣለን ነይሩ?” በሉ።
ኣልኣዛር ከም ዝተስአ
38ሽዑ ኢየሱስ ብልቡ ሓዚኑ፥ ናብቲ መቓብር መፀ፤ እቲ መቓብር ከዓ፥ ብእምኒ ዝተዓፀወ በዓቲ ነበረ። 39ኢየሱስ “ነዝ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም፤ ሓፍቲ እቲ ምዉት ማርታ ድማ፥ “ጐይታ፥ ካብ ዝመውት #11፡39 ካብ ዝመውት፦ ግእዝ “ካብ ዝቕበር” ይብል። ኣርባዕተ መዓልቲ ስለ ዝገበረ፥ ሸቲቱ እዩ” በለቶ። 40ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣሚንክስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርኢ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን?” በላ። 41ብድሕሪዙይ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ከዓ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕኻኒ አመስግነካ ኣለኹ። 42#ዮሓ. 12፡30። እዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፥ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኽኣምኑ ደኣ እየ፥ እዙይ ዝበልኩ እምበር፥ ኣነስ ኵልሻዕ ከም እትሰምዐኒ እፈልጥ እየ” በለ። 43እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ኣልኣዛር፥ ነዓ ናብ ደገ ውፃእ!” በለ። 44እቲ ምዉት ብግኑዙ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ፥ ገፁውን ብዓለባ ተሸፊኑ እንተሎ ወፀ። ኢየሱስ ድማ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።
ኣይሁድ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ኸም ዝመኸሩ
45 #
ዮሓ. 2፡11። ሽዑ ኻብቶም ናብ ማርያም #11፡45 ማርያም፦ ግእዝ “ማርያምን ማርታን” ይብል። ዝመፁ ብዙሓት ኣይሁድ፥ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ሪኦም፥ ብእኡ ኣመኑ። 46ገሊኣቶም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፥ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም።
47እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ ጉባኤ ኣኪቦም “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፥ እንታይ ንግበር? 48#ዮሓ. 12፡19። ከምዙይ እንተ ሓዲግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ኽኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መፂኦም፥ ምድርናን ህዝብናን ክወስዱ እዮም” በሉ። 49ሓደ ኻብኣቶም ቀያፋ ዝስሙ፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፥ “ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ 50#2 ቆሮ. 5፡14። ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዝጠፍእስ፥ ሓደ ሰብ ቤዛ ህዝቢ እንተ ሞተ፥ ከም ዝሕሸናዶ ኸቶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም?” በሎም። 51እዙይ ዝበለ ግና፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ ቤዛ ህዝቢ ኽመውት ከም ዘለዎ ተነበየ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን። 52#ኢሳ. 49፡6፥ ዮሓ. 1፡12፥29፥ 10፡16፥ 12፡32፥ ኤፌ. 2፡14-17፥ 1 ዮሓ. 2፡2። ነቶም ዝተበተኑ ደቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓደ ኽእክቦምውን እምበር፥ ቤዛ ህዝቢ ጥራሕ ክመውት ኣይኮነን። 53ስለዙይ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ክቐትልዎ ተማኸሩ።
54ብድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ ብገሃድ ምምልላስ ሓደገ፤ ስለዙይ ድማ፥ ጥቓ ምድረ በዳ ናብ ዘላ ምድሪ፥ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ። 55ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ፥ ቅድሚ በዓል ፋሲካ ርእሶም ከንፅሁ፥ ከካብ ዓዱ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ። 56ሽዑ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይደልይዎ ነበሩ፤ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንስንሳቶም “እንታይ ይመስለኩም? ናብዝ በዓል ደኾን ኣይመፅእን?” ተበሃሃሉ። 57እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ፥ ምእንቲ ኽሕዝዎ፥ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈልጥ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ክሕብረሎም ኣዘዙ።
Currently Selected:
ዮሃንስ 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in