2ይ ጴጥሮስ መእተዊ
መእተዊ
ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ፥ ናብቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስቲያን ዝተልኣኸት እያ። ናይታ መልእኽቲ ዋና ሓሳብ፥ ሓሰውቲ መምህራን ንዘምፅእዎ ትምህርቲ ንምቅዋምን፥ ብሰንኪ ትምህርቶም ንዝመፀ ምፍልላይ ንምክልኻልን እዩ። ነዝ ፀገም እዙይ መፍትሒ ዝኸውን ከዓ፥ በቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ብዓይኖም ዝረአይዎን፥ ክምህር እንተሎ በእዛኖም ዝሰምዕዎን ሰባት ዝተሓላለፈ፥ ርዱእ ፍልጠት እግዚኣብሄርን፥ ፍልጠት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብምሓዝ እዩ። ጴጥሮስ ብፍላይ ዝተገደሰሉ ኸዓ፥ ብዛዕባ እቲ “ዳግም ምፅኣት ክርስቶስ የለን” ዝብል፥ ናይ ሓሰት ትምህርቲ እዩ። ብዛዕባ እዙይ ክገልፅ እንተሎ “ክርስቶስ ቀልጢፉ ዘይመፀሉ ምኽንያት፥ እግዚኣብሄር፥ ኵሉ ሰብ ኻብ ሓጢኣቱ ኽምለስ ደኣ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ስለ ዘይደሊ እዩ” ይብል።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-2
2. መፀዋዕታ ክርስቲያን 1፡3-21
3. ሓሰውቲ መምህራን 2፡1-22
4. ብዛዕባ ምፅኣት ክርስቶስ 3፡1-18
Currently Selected:
2ይ ጴጥሮስ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in