1ይ ጴጥሮስ 5
5
መጓሰ እግዚኣብሄር
1 #
ሉቃ. 24፡48። ኣነ ኸምኣቶም ሽማግለ ዝኾንኩ፥ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ፥ ኣብቲ ደሓር ክግለፅ ዘለዎ ኽብሪውን ተኻፋሊ ዝኾንኩ፥ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ሽማግለታት፥ #5፡1 ሽማግለ፦ ግእዝ “ቀሳውስት” ይብል። እምዕዶም ኣለኹ። 2#ማቴ. 10፡8፥ ዮሓ. 21፡15፥ ግ.ሓ. 20፡28፥ 1 ቆሮ. 9፡17። ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሄር ሓልውዎ፤ እንተ ኾነ፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብፅቡቕ ድሌት እምበር፥ ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን። 3#2 ቆሮ. 1፡24፥ 2 ጢሞ. 4፡12። ነቲ መጓሰ፥ ኣርኣያ ደኣ ኹንዎ እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተውሃቡኹም መጓሰ፥ ጐይቶት ኣይትኹኑ። 4#2 ጢሞ. 4፡8፥ ዕብ. 13፡20። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልፀ ድማ፥ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።
5 #
ዘሌ. 19፡32፥ ምሳ. 3፡34፥ ፊልጵ. 2፡3። ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን #5፡5 ነቶም ኣረጋውያን፦ ግእዝ “ንዝዓብዩኹም” ይብል።
ተኣዘዝዎም።
“እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤
ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።”
ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል። 6#ኢሳ. 57፡15፥ ሉቃ. 1፡52፥ 14፡11፥ ያቆ. 4፡10። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ። 7#ማቴ. 6፡25-26፥ መዝ. 55፡22። ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
8 #
ሉቃ. 21፡36፥ 22፡31፥ ኤፌ. 6፡11። እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን። 9#1 ተሰ. 2፡14፥ ያቆ. 4፡7። ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩምውን፥ እዝ መከራ እዙይ ይበፅሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም። 10ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ። 11ንእኡ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
12 #
1 ጢሞ. 1፡1። በቲ እሙን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓውና ስልዋኖስ ገይረ፥ ከተባብዐኩምን፥ እዝ ቘይምኩምሉ ዘለኹም ፀጋ፥ ናይ ሓቂ ፀጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩልኩም፥ ነዛ ሓፃር መልእኽቲ ፅሒፈልኩም ኣለኹ። 13#ግ.ሓ. 12፡25። እታ መተሓርይትኹም ዝኾነት፥ ኣብ ባቢሎን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ትብለኩም ኣላ። ማርቆስ ወደይውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። 14ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ።
ብክርስቶስ ንዘለኹም ኵልኻትኩም ሰላም ይኹን። ኣሜን።
Currently Selected:
1ይ ጴጥሮስ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in