1ይ ጴጥሮስ 4
4
ብክርስቶስ ዝተለወጠ ህይወት
1-2እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ። 3#ኤፌ. 4፡17-19። እምበኣር እቲ ብዕብዳን፥ ብፍትወት ስጋ፥ ብስኽራን፥ ብጐይላ፥ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፥ ኣፀያፊ ብዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ክትነብሩ እንተለኹም፥ ከምቲ ኣህዛብ ዝደልይዎ እናገበርኩም፥ ዘሕለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል። 4#2 ጢሞ. 3፡12። ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ። #4፡4 ግእዝ “እምበኣር ናብዝ ነገር እዙይ ከይትጐዩ ተጠንቀቑ፤ ካብዛ ነገር እዚኣን ካብዚ ዓቐን ዘይብሉ ተግባራትን ፍሉያት ኩኑ” ይብል። 5#ግ.ሓ. 10፡42። እዚኣቶም፥ ነቲ ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፥ መልሲ ኽህቡሉ እዮም። 6#ሮሜ 8፡10። ከም ሰብ ብስጋ ምእንቲ ኽፍረዶም፥ ብመንፈስ ግና፥ ከም እግዚኣብሄር ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንምዉታት ወንጌል ተሰብከሎም።
ኣገልግሎት ነፍሲ ወከፍ ሰብ
7 #
ማቴ. 26፡41፥ ያቆ. 5፡8፥ 1 ጴጥ. 1፡13። ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ። 8#1 ቆሮ. 13፡7፥ ቈላ. 3፡14። ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ። 9#ሮሜ 12፡13፥ ፊልጵ. 2፡14። ብዘይ ምንፅርፃር፥ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ። 10#ማቴ. 24፡45፥ 1 ቆሮ. 4፡1-2፥ 12፡4፥7። ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል። 11#ሮሜ 12፡6-8፥ 1 ቆሮ. 10፡31፥ 2 ቆሮ. 3፡5-6። እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
ገድሊ ክርስቲያን
12 #
1 ጴጥ. 1፡6። ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ። 13#ሮሜ 8፡17፥ 2 ጢሞ. 2፡12። ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም። 14#ግ.ሓ. 5፡41። ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም። 15#1 ጴጥ. 2፡20። ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም። 16#ፊልጵ. 1፡20፥28፥29። ክርስቲያን ብምዃኑ፥ መከራ እንተ በፅሖ ግና፥ ስለ እዝ ስም እዙይ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግን እምበር ኣይሕፈር።
17 #
2 ተሰ. 1፡8። ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?
18 #
ምሳ. 11፡31። “እቲ ፃድቕ ብጭንቂ ዝድሕን ካብ ኮነ፥
እቲ ዓማፅን ሓጥእን ደኣ፥
ከመይ ክኸውን እዩ?”
19 #
መዝ. 31፡5። እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር መከራ ዝቕበሉ፥ ሰናይ እናገበሩ፥ ንነፍሶም ነቲ እሙን ፈጣሪ የማሕፅኑ።
Currently Selected:
1ይ ጴጥሮስ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in