YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ጴጥሮስ 1

1
1 # ሮሜ 1፡12። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥
ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥
2በቲ ንእግዚኣብሄርን፥ ንጐይታና ኢየሱስን ብዘለኩም ፍልጠት፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።
ክርስቲያናዊ ፅውዓን ሕርየትን
3 # ዮሓ. 1፡16፥ 17፡3። ነቲ ብኽብሩን #1፡3 ብኽብሩን፦ ወይ “ናብ ክብሩን” ሕያዋይነቱን ዝፀውዐና፥ ንእኡ ብምፍላጥና መለኮታዊ ሓይሉ፥ ንህይወትን ንመንፈሳዊነትን፥ ኵሉ ዘድልየና ሂቡና ኣሎ። 4#ዮሓ. 1፡12-13፥ 2 ቆሮ. 7፡1። በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም። 5ስለዙይ ብዅሉ ትግሃት፥ ኣብ እምነትኩም ሕያዋይነት ወስኹ፤ ኣብ ሕያዋይነትውን ፍልጠት፥ 6ኣብ ፍልጠት ከዓ ንባዕልኻ ምግዛእ፥ ኣብ ንባዕልኻ ምግዛእ ትዕግስቲ፥ ኣብ ትዕግስቲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፥ 7ኣብ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሕውነት፥ ኣብ ሕውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ። 8#ቲቶ 3፡14። እዞም ነገራት እዚኣቶም እንተ ሃልዮምኹም፥ እናዓበዩውን እንተ ኸይዶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጡኹም እዮም። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም። 9#ማቴ. 18፡33፥ 1 ዮሓ. 2፡9-11። እዝ ነገር እዙይ ዘይብሉ ግና፥ ኣርሒቑ ዘይርኢ፥ #1፡9 ኣርሒቑ ዘይርኢ፦ ግእዝ “ብዳህሰስ ዝኸይድ” ይብል። ዕዉር ሰብ እዩ፤ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ፥ ከም ዝነፅሀውን ዝረስዐ እዩ።
10ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም። 11በዙይ ድማ፥ ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው፥ ብምልኣት ክወሃበኩም እዩ።
12ስለዙይ እንተ ፈለጥኩምዎ እኳ፥ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂ እውን እንተ ፀናዕኹም፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኵሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም ሸለል ኣይብልን። 13ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፥ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም፥ ቅኑዕ ኾይኑ ይረአየኒ ኣሎ። 14#ዮሓ. 21፡18-19፥ 1 ቆሮ. 5፡1። ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀለይ፥ ነዝ ሰብነት እዙይ፥ ገዲፈ ዝኸደሉ እዋን፥ ቀሪቡ ኸም ዘሎ ፈሊጠ ኣለኹ። 15ኣነ ምስ ተፈለኹኹም፥ ነዝ ነገራት እዙይ፥ ክትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እፅዕር ኣለኹ።
መሰኻኽር ግርማ ክርስቶስ
16ብዛዕባ ሓይሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ተመሊሱ ኸም ዝመፅእን ክንነግረኩም እንተለና፥ ሰባት ብተንኰል ዝተጣበብዎ ተረት ዘይኮነስ፥ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ፥ መሳኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ። 17#ማቴ. 17፡5። እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑል ግርማ ምስ መፀ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ክብርን ግርማን ተቐበለ። 18ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ እንተለና ኸዓ፥ እዝ ድምፂ እዙይ ካብ ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ንሕና ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና።
19 # መዝ. 119፡105፥ ሉቃ. 24፡44፥ ራእይ 2፡28። ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም። 20#1 ጴጥ. 1፡10። ቅድሚ ዅሉ፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደኳ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ፥ ክትርጉሞ ኸም ዘይኽእል ፍለጡ። 21#2 ጢሞ. 3፡16፥ ኤር. 1፡7። ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in