YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ጴጥሮስ 2

2
ሓሰውቲ መምህራን
1 # ማቴ. 7፡15፥ 1 ተሰ. 5፡3፥ ዕብ. 10፡20፥ ይሁዳ 4። ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም። 2ብዙሓት ድማ፥ በቲ መንገዲ ርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም። ብሰንኮም፥ እታ መንገዲ ሓቂ ኽትፅረፍ እያ። 3#ሮሜ 16፡18፥ 1 ጢሞ. 6፡5። ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።
4 # ሉቃ. 8፡31፥ ይሁዳ 6፥ ራእይ 20፡2-3። እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን። 5#ዘፍ. 6፡7-8፥ 1 ጴጥ. 3፡20። ነታ ቐዳመይቲ ዓለምውን ኣይራህርሀላን፤ ነቲ ሰባኺ ፅድቂ ዝነበረ ኖህ ግና፥ ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድሒኑ፥ ነቲ ናይ ሓጥኣን ቀዳማይ ዓለም ከዓ ራህሪሁ እንተይመሓረ፥ ኣብቶም ሓጥኣን ማይ ኣይሂ ኣውረደ እምበር። 6#ዘፍ. 19፡24-25፥ ይሁዳ 7። ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም፥ መርኣያ መቕፃዕቲ ምእንቲ ክኾና፥ ንሰዶምን ገሞራን ሓመዅሽቲ ኽሳዕ ዝኾና፥ ክቃፀላ ፈረደን። 7#ዘፍ. 19፡15-16። ነቲ ብበደሎምን ብርኹስ ተግባሮምን፥ ዘስካሕክሕ ዝነበረ ፃድቕ ሎጥ ግና ኣድሓኖ። 8እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እንተሎ፥ በብመዓልቱ በቲ ዝሪኦን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመፃኦም፥ እታ ፃድቕ ነፍሱ ትጭነቕ ነበረት። 9#መዝ. 34፡17፥ 1 ቆሮ. 10፡13፥ 2 ጢሞ. 4፡18፥ 1 ጴጥ. 1፡5፥ ራእይ 3፡10። ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ። 10#ኤፌ. 5፡5-6፥ ይሁዳ 8። ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን። 11#ይሁዳ 9። መላእኽቲ፥ ብሓይልን ብስልጣንን ካብኣቶም ዝበልፁ እንተ ኾኑ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ፀርፊ ዘለዎ ኽሲ ኣየቕርቡን እዮም። #2፡11 ግእዝ “መላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብፅንዓትን ካብኣቶም ዝበልፁ እንትኾኑ፥ ናይ ፀርፎም ፍዳ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ከብፅሑስ ክዕገሱ ኣይኽእሉን እዮም” ይብል። 12#ይሁዳ 10። እዚኣቶም ግና፥ ከም ንመፃወድን ንጥፍኣትን ዝተፈጥሩ፥ ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናፀረፉ፥ ምስኣቶም ክጠፍኡ እዮም። 13#ይሁዳ 12። ዓስቢ ዓመፃኦምውን ክቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፥ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውራማትን ርኹሳትን እዮም። ንኽጥብሩኹም ኢሎም፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ በዙይውን ይሕጐሱ። 14#ሮሜ 16፡18። ዝሙት ዝመልኣ፥ ካብ ሓጢኣት ከዓ ዘየቋርፃ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይፀንዓ ነፍሳት፥ ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም። #2፡14 ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም፦ ግእዝ “ግብሮም ዓመፅ እዩ፥ ንደቆም መርገም ይሓድጉ” ይብል። 15#ዘሑ. 22፡4-35፥ ይሁዳ 11። ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ። 16#ዘሑ. 22፡28። እንተ ኾነ ሕጊ ብምፍራሱ ተግሳፅ ተቐበለ፤ ምዝራብ ዘይትኽእል ኣድጊ፥ ብድምፂ ሰብ ተዛሪባ፥ ንዕብዳን እቲ ነቢይ ዓገተቶ።
17 # ማቴ. 8፡12። እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነፀፈ ዓይኒ ማይን፥ ንፋስ ዝዅብኵቦ ግመን እዮም፤ ንኣኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት ዘለኣለም፥ ይፅበዮም ኣሎ። 18#ይሁዳ 16። ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ። 19#ዮሓ. 8፡34። ዝተስዓረ ሰብ፥ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዝኸውን እሞ፥ ንሳቶም ንባዕላቶም፥ ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ፥ የተስፍውዎም ኣለዉ። 20#ማቴ. 12፡45፥ ዕብ. 6፡4-6። በታ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ፥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት፥ ተመሊሶም ብኣኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተስዒሮም፥ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም እዩ ዝገድድ። 21#ዕብ. 2፡3። ንሳቶም እናፈለጥዋ፥ ካብቲ ዝተውሃቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዝምለሱስ፥ ነታ መንገዲ ፅድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሐሾም ነይሩ። 22#ምሳ. 26፡11። እዙይ ከዓ እቲ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመለሰ” ኸምኡ ኸዓ “ሓሰማ ተሓፂባ፥ ኣብ ፀብሪ ኣንገርገረት” ዝብል ምስላ ሓቂ፥ ኣብኣቶም በፅሐ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in