ዘፍጥረት 10
10
ትውልዲ ደቂ ኖህ
1ደቂ ኖህ፥ ሴም፥ ካም፥ ያፌት እንትኾኑ፥ ንሳቶም ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ዝወለድዎም ድማ፦
2ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ይልሳ፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ።
3ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ።
4ደቂ ያዋን፦ ኤሊሳ፥ ተርሴስ፥ ኪቲም፥ ሮድኢ እዮም።
5ካብዚኣቶምውን እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ህዝብታት በብቛንቋኣቶም፥ በብዓሌታቶም፥ በብህዝቦም ተኸፋፊሎም በብሃገሮም ሰፈሩ።
6ደቂ ካም፦ ኵሽ፥ ምፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን እዮም።
7ደቂ ኵሽ፦ ሳባ፥ ኤውላጥ፥ ሰብታ፥ ራዕማ፥ ሳብቃታ።
ደቂ ራዕማ፦ ሳባ፥ ድዳን እዮም።
8ኵሽ ድማ ንናምሩድ ወለደ፤ ንሱውን ኣብ ምድሪ ሓያል ምዃን ጀመረ። 9ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ሓያል ሃዳናይ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ናምሩድ ሓያል ሃዳናይ ይግበርካ” ዝበሃል። 10መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን። 11ኣሶር ካብታ ሃገር እቲኣ ወፂኡ፥ ንነነዌ፥ ንረሖቦት ከተማ፥ ንካለህ ሰርሐን። 12ከምኡውን ነታ ኣብ መንጎ ነነዌን ካለህን እትርከብ ዓባይ ከተማ ሬሴን መስረታ።
13-14ምፅራይም ድማ ንሉዲም፥ ንዓናሚም፥ ንላህቢም፥ ንፍታሌም፥ ንፈትሩሲም፥ ንከስሉሂም ንቀፍቶሪም ወለደ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኻብ ከስሉሂም ተወለዱ። #10፡13-14 ከስሉሂም፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ቀፍቶሪም” ይብሉ።
15ከነዓን ድማ ነቲ በዅሪ ወዱ ሲዶንን ኬጢያውያንን፥ 16ኢያቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጌርጌሳውያንን፥ 17ንኤዊያውያንን ንዓሩኬዎንን ንሲኒውያንን፥ 18ንኣራዳዎንን ንሰማሮዎንን ንኣማቲያንን ወለደ። ብድሕሪኡ ዓሌታት ከነዓን ተበታተኑ። 19ወሰን ከነዓናውያን ድማ ኻብ ሲዶን በታ ንጌራራ እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፥ በታ ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሰቦይን እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ላሳ ነበረ። 20ደቂ ካም በብዓሌታቶም፥ በብቛንቋኣቶም፥ በብምድሮም፥ በብህዝቦምን እዚኣቶም እዮም።
21ሴም ከዓ ቘልዑ ወለደ። ንሱ ኣቦ ዅሎም ደቂ ኤቦር፥ ዓብዪ ሓዉ ንያፌት እዩ። 22ደቂ ሴም ድማ፦ ዔላም፥ ኣሶር፥ ኣርፋክስድ፥ ሉድ፥ ኣራም እዮም። 23ደቂ ኣራም ከዓ፥ ዑፅን ሑልን ጌተርን ሞሶሕን #10፡23 ሞሶሕ፦ ብዕብራይስጢ “ማሽ” ይብል። እዮም። 24ኣርፋክስድ ድማ ንቃይንም ወለደ፤ ቃይንም ከዓ ንሳላ፥ ሳላ ድማ ንኤቦር ወለደ። 25ኤቦር ድማ ኽልተ ኣወዳት ወለደ። ብዘመኑ ምድሪ ስለ ዝተመቓቐለት፥ ነቲ ሓደ ፋሌቅ ኢሎም ሰመይዎ። ሓዉ ድማ ዮቅጣን ይበሃል ነበረ። 26ዮቅጣን ድማ ንኤልሞዳድ፥ ንሳሌፍ፥ ንሓስረሞት፥ ንየራሕ፥ 27ንሃዶራም፥ ንኣውዛል፥ ንዶቅላ፥ 28ንዖባል፥ ንኣቢማኤል፥ ንሳባ፥ 29ንኦፊር፥ ንኤውላጥ፥ ንዮባብ ወለደ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 30ምቕማጣቶም ድማ ኻብ ሜሳ በታ ንስፋር ኣቢላ እትወስድ፥ ኣብቲ ወገን ምብራቕ ዘሎ እምባ ነበረ። 31ደቂ ሴም በብዓሌታቶም፥ በብቛንቋኣቶም፥ በብምድሮም፥ በብህዝቦም፥ እዚኣቶም እዮም።
32ዓሌታት ደቂ ኖህ በብትውልዶም፥ በብህዝቦም እዚኣቶም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተኸፋፈሉ።
ప్రస్తుతం ఎంపిక చేయబడింది:
ዘፍጥረት 10: ትመ15
హైలైట్
షేర్ చేయి
కాపీ
మీ పరికరాలన్నింటి వ్యాప్తంగా మీ హైలైట్స్ సేవ్ చేయబడాలనుకుంటున్నారా? సైన్ అప్ చేయండి లేదా సైన్ ఇన్ చేయండి