Mufananidzo weYouVersion
Mucherechedzo Wekutsvaka

ዘፍጥረት 15

15
እግዚኣብሄር ንኣብራም ኪዳን ከም ዝኣተወሉ
1ብድሕሪ እዝ ነገር እዙይ፥ ቃል እግዚኣብሄር ብራእይ ናብ ኣብራም መፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦
“ኣብራም ኣይትፍራሕ፤ ዋልታኻ ኣነ እየ፤ ዓስብኻ የመና ብዙሕ ክኸውን እዩ።”
2ኣብራም ከዓ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እቲ እትህበኒ እንታይ እዩ? እንሆ፥ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ኣለኹ፤ ቤተይን ንብረተይን ዝወርስ ድማ በዓል ደማስቆ ኤልኤዘር #15፡2 ኤልኤዘር፦ ብግእዝ “ኢያውብር” ይብል። እዩ” በለ። 3ኣብራም ኣስዒቡ “ውሉድ ኣይሃብካንን፤ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ ዝተወለደ ኽወርሰኒ እዩ” በለ።
4እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ካባኻ ዝተወልደ እዩ ዝወርሰካ እምበር፥ እዙይስ ኣይወርሰካን እዩ” በሎ። 5#ሮሜ 4፡18፥ ዕብ. 11፡12። ንደገ ኣውፂኡ ድማ “ንሰማይ ጠምት፤ ምቝፃሮም ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኸዋኽብቲ ቝፀር” በሎ። ኣስዒቡውን “ዘርእኻ ኸምኡ ኽበዝሕ እዩ” በሎ።
6 # ሮሜ 4፡3፥ ገላ. 3፡6፥ ያቆ. 2፡23። ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ።
7እግዚኣብሄር ድማ “ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ዓዲ ከለዳውያን ዘውፃእኹኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” በሎ።
8ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ።
9እግዚኣብሄር ድማ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ዓርሕን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ማጕላ በጊዕን ኣምፅአለይ፤ ባሪቶን ርግብንውን ኣምፅአለይ” በሎ። 10ኣብራም ከዓ እዝ ዅሉ ኣምፂኡ ኣብ ከክልተ መቐሎ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ከዓ፥ ኣብ መንፅር እቲ ሓደ ምቃል ኣቐመጦ። ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይመቐለንን። 11ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፤ ኣብራም ግና የባርሮም ነበረ። 12#ኢዮብ 4፡13-14። ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀን ግብ ዝበለ ፀልማትን ወደቖ። 13#ዘፀ. 1፡1-14፥ ግ.ሓ. 7፡7። ሽዑ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዘርእኻ ኣብ ዘይዓዶም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝነብሩን፥ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ባሮት ገይሮም ከም ዘጨንቑዎምን ብርግፅ ፍለጥ። 14#ዘፀ. 12፡40-41፥ ግ.ሓ. 7፡7። ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ግና ኣነ ኽፈርዶም እየ፤ ብድሕሪኡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ክወፁ እዮም። 15ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፤ ብፅቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ። 16ፅዋዕ ዓመፅ ኣሞራውያን ገና ኣይመልአን እዩ እሞ፥ ንዘርእኻ ኣብ ራብዓይ ትውልዲ ናብዙይ ክመልሶም እየ” በሎ።
17ፀሓይ ምስ ዓረበት፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ምስ ኮነ ኸዓ፥ እንሆ ዝተክኽ እቶንን ሃልሃል ዝብል ሓዊን ብመንጎ እቲ ዝተመቐለ ሓለፈ። 18#ግ.ሓ. 7፡5። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ 19ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቀድሞናውያንን 20ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ራፋይምንን 21ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ጌርጌሳውያንን ኢያቡሳውያንን ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” ኢሉ ኺዳን ኣተወ።

Zvasarudzwa nguva ino

ዘፍጥረት 15: ትመ15

Sarudza vhesi

Pakurirana nevamwe

Sarudza zvinyorwa izvi

None

Unoda kuti zviratidziro zvako zvichengetedzwe pamidziyo yako yose? Nyoresa kana kuti pinda